29 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
29መጋቢት እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
lv ምዕ. 3 ሕ.ጽ. 8-15፡ ኣብ ገጽ 30 ዘላ ሳጹን
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ሳሙኤል 14-15
ቍ. 1፦ 1 ሳሙኤል 14:24-35
ቍ. 2፦ ንየሆዋ ኽንቀርቦ እንኽእለሉ መገድታት (ያእ. 4:8)
ቍ. 3፦ td 22መ መንፈስ ቅዱስ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር። መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር እተመደበት መዓልቲ መዓስ ምዃና ግለጽ። ንሓደ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጀመረን ዚመርሕ ዘሎን ኣስፋሒ ቓለ-መጠይቕ ግበረሉ። ኣብቲ ኽሊ ውጽኢታዊ ዝዀነ መእተዊ እንታይ እዩ፧ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪገብር ከሎ፡ ኣብ ኣእምሮኡ እንታይ ሸቶ ሒዙ እዩ ዚኸይድ፧ ነቲ ዚጥቀመሉ መእተዊ ብመርኣያ ኸም ዜቕርብ ግበሮ።
10 ደቒቕ፦ ኣብቲ ዝዓበየ ናይ ምንዳይ ዕዮ ተሳተፍ። ኣብታ እተወደበ እትበሃል መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 95 ኣብ ዘሎ፡ “ነቶም ብቑዓት ምንዳይ” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ።
10 ደቒቕ፦ “ኣብ ኣገልግሎት ንፉዕ ደጋፊ ኹን።” ብሕቶን መልስን ዚግበር ምይይጥ።