22 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
22 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
lv ምዕ. 3 ሕ.ጽ. 1-7፡ ኣብ ገጽ 29 ዘላ ሳጹን
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ሳሙኤል 10-13
ቊ. 1፦ 1 ሳሙኤል 10:17-27
ቊ. 2፦ td 22ሐ ሓድነት ኣምላኽን ክርስቶስን
ቊ. 3፦ ፍልቀት ምስ ክርስትና ዘይቃዶ ስለምንታይ እዩ፧
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት። ንበዓል ዝኽሪ ዚምልከት ናይ መወዳእታ ምልክታ ግበር።
15 ደቒቕ፦ ነታ ናይ 1 ሚያዝያ ፍልይቲ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኽትዕድል ተዳሎ። ትሕዝቶ እታ ሕታም ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። ሰማዕቲ እንታይ ሕቶን ጥቕስን ኪጥቀሙ ኸም ዝመደቡ ሕተቶም። ክልተ ኣቀራርባታት ብመርኣያ ኣቕርብ።
15 ደቒቕ፦ ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ እተኣከቡ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ሓግዞም። ሓደ ሽማግለ፡ ኣስፋሕቲ ኣብቲ በዓል ንእተኻፈሉ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ዘይንጡፋት ኣስፋሕትን ካልኦት ዕዱማትን ንምሕጋዝ እንታይ ግደ ኸም ዘለዎም ንምዝኽኻር ዜቕርቦ መደረ። (ናይ መጋቢት 2008 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 4 ርአ።) ሕጽር ዝበለ መርኣያ ኣቕርብ። ብዛዕባ እቲ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ በዓል ዝኽሪ ኣዘኻኽሮም።