ተጊህካ ምሉእ ‘ምስክርነት’ ሃብ
1, 2. ካብቲ ጳውሎስ ንስብከት እቲ ብስራት ዝነበሮ ኣረኣእያ እንታይ መሲጡካ: ምሉእ ‘ምስክርነት’ ብምሃብ ዝመጸኸ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧
1 ሃዋርያ ጳውሎስ ልክዕ ከም የሱስን ብዙሓት ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልትን ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ ከምኡውን ኵነታቱ ብዘየገድስ ምሉእ ‘ምስክርነት’ ኣብ ምሃብ ቅንኣት ነበሮ። ኣብ ቤት ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን ከይተረፈ: “ነቶም ናብኡ ዝመጹ ዅሎምውን ይቕበሎም ነበረ። ከይተኸልከለ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ትብዓት እናሰበኸ: ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምህር ነበረ።”—ግብ. 28:16-31
2 ንሕናውን ኵሉ ሳዕ ምሉእ ‘ምስክርነት’ ኣብ ምሃብ ትጉሃት ክንከውን ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ኣብ መገሻና ንእንረኽቦም ሰባት ምምስካር እውን ዘጠቓልል እዩ፧—ግብ. 28:23፣ መዝ. 145:10-13
3. ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነትና: ናይ ኣጋጣሚ ጥራይ ኰይኑ ንኸይተርፍ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
3 ናይ ኣጋጣሚ ድዩ ወይስ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት፧ ኣብ መንጎ እዚ ኽልተኸ ፍልልይ ኣሎ ድዩ፧ እወ። ብኣጋጣሚ ዝግበር ነገር መደብ ዘይተገብሮን ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉን ኰይኑ ብወዝቢ ወይ ከይሓሰብካዮ እዩ ዝፍጸም። እዚ ንኣገልግሎትና ዝበቅዕ መግለጺ ኣይኰነን። ብምስክርነት ኣቢልና ንኣምላኽ ክብሪ ምሃብ ከምቲ ንጳውሎስ ዘገድሶ ዝነበረ ንዓናውን ዘገድሰና ጕዳይ እዩ: ኣብቲ ግቡእ ዝዀነሉ ቦታታት ኵሉ ምስክርነት ምሃብ ድማ ሸቶና ክኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር: ንሰባት እንቐርበሉ መዳይ ፍዅስ ኣብ ዝብሎም ሃዋሁ: ብምቕሉል ኣቀራርባ: ከምኡውን ብስሩዕ ዘይኰነ መገዲ ምስ ዝኸውን ናይ እግረ-መገዲ ኽንብሎ ግቡእ እዩ። እዚ ኣቀራርባ እዚ ጽቡቕ ፍረ ኸፍሪ ይኽእል እዩ።
4. ጳውሎስ ኣብታ ዝነብረላ ዝነበረ ቤት ኰይኑ ንኽምስክር ዘኽኣሎ እንታይ እዩ፧
4 ምስክርነት ንኽትህብ ተዳሎ:- ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንኽምስክር ኣጋጣሚታት ክፈጥር ነበሮ። ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ኣውራታት ኣይሁድ ናብታ ዝነበራ ቤት ንምጽዋዕ ተበግሶ ወሰደ። (ግብ. 28:17) ኣብ ሮሜ ክርስትያናዊት ጉባኤ እኳ እንተ ነበረት: እቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ኣይሁድ ግን ብዛዕባ ክርስትያናዊ እምነት ብወረ ወረ እንተ ዘይኰይኑ ኻብ ክርስትያናት ብዙሕ ከም ዘይሰምዑ ፈለጠ። (ግብ. 28:22፣ ሮሜ 1:7) ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስን መንግስቲ ኣምላኽን ምሉእ ‘ምስክርነት’ ካብ ምሃብ ድሕር ኣይበለን።
5, 6. ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንኽንህብ ዘኽእለና እንታይ ኣጋጣሚታት ኣሎ: ኣብዚ መዳይ እዚ ኣሳልጦ ንምርካብከ እንታይ ምድላዋት ክንገብር ንኽእል፧
5 ነቶም ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ፍልጠት ዘይብሎም ክትረኽቦም እትኽእል ሰባት እሞ ሕሰብ። ብዘይ ክፍሊት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንመርሕ እውን ኣይፈልጡን ይዀኑ። ኣብ መገሻ: ኣብ ዕዳጋ: ኣብ እትዓርፈሉ ሆቴል: ኣብ እትምገበሉ ቤት መግቢ: ብህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ እትጐዓዘሉ እዋን: ከምኡውን ኣብ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንእትረኽቦም ሰባት ንኽትምስክር ኣጋጣሚ ንምርካብ ንቑሕ ኩን። ዝርርብ ንምጅማርን ሓጺር ምስክርነት ንምሃብን እንታይ ከም እትብል ኣቐዲምካ ወስን። ምናልባት ገለ መዓልትታት ኣቐዲምካ ንጐረባብትኻን ነዝማድካን ንመሳርሕትኻን ንኻልኦት እትፈልጦም ሰባትን ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ብምሃብ ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ።
6 ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክትህብ ከለኻ: እተወሰነ ጽሑፋት ክትሕዝ የድልየካ። ኣየኖት ጽሑፋት እዩ ግን ዘድልየካ፧ ነታ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብበሉ ዘሎና እተፈላለየ ምኽንያታት ዝገልጽ ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ ሕጡብ ጽሑፍ ኣጕልሕ። ነቲ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ዘሎ ብዘይ ክፍሊት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽመሃሩ ኽሓቱሉ ዝኽእሉ ኩፖን ኣርኢ። ነዚ ዝቕበለካ ሰብ እንተ ረኺብካ: እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣበርክተሉ። ብማኪና ትጐዓዝ እንተደኣ ዄንካ: ነቶም ኣብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ዘርኣዩ ዝኸውን ካልእ መሰረታዊ ጽሑፋት እውን ክትማላእ ትኽእል ኢኻ።
7, 8. ክንጐዓዝ ከለናን ኣብ ካልእ ንጥፈታትናን ብዛዕባ ትርኢትና ዀነ ጠባይና እንታይ ጥንቃቐ ኽንገብር ኣሎና፧
7 ትርኢትካን ጠባይካን ሕሰበሉ:- ጠባይናን ኣከዳድናናን ትርኢትናን ካልኦት ሰባት ንማሕበር የሆዋ ብሕማቕ ንኽርእዩዋ ወይ ‘ዝጻረር’ ነገር ንኽዛረቡ መገዲ ዝኸፍተሎም ክኸውን የብሉን። (ግብ. 28:22) እዚ ናብ ኣኼባታት ወይ ናብ ኣገልግሎት ክንከይድ ከለና ጥራይ ዘይኰነስ: ክንጐዓዝ ከለናን ኣብ ካልእ ንጥፈታትናን እውን ክዕየየሉ ይግባእ። ናይ 1 ነሓሰ 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 18 ቍጽሪ 14 ከምዚ ብምባል ተጠንቅቐና:- “ኣከዳድናና ናይ ርኣዩለይ: ፍልይ ዝበለ: ጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕል: ነቲ ኽቕላዕ ዘይብሉ ክፍሊ ኣካላትና ዘርኢ ወይ ከኣ ፋሽን ዝኽተል ክኸውን የብሉን ማለት እዩ። ብተወሳኺ እውን ‘ንእግዚኣብሄር ከም እንፈርህ’ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኣርዚንና ኽንወስዶ ዘሎና ነገርዶ ኣይኰነን፧ ጉባኤ ኽንከይድ ከሎና ብግቡእ ክንክደን ኣብ ካልእ ግዜያት ግን ከም ድላይና ኽንገብር ኣይግቡእን እዩ። ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓት ክርስትያናትን ኣገልገልትን ስለ ዝዀንና: ኣከዳድናና ወትሩ ፍርሃት የሆዋ ከም ዘሎናን ከም እነኽብሮን ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ።”—1 ጢሞ. 2:9, 10
8 ግቡእን ዘኽብረናን ክዳውንቲ ኽንክደን ኣሎና። ትርኢትናን ጠባይናን ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ወትሩ ዘንጸባርቕ እንተደኣ ዀይኑ: ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ካብ ምሃብ ኣይክንዕገትን ኢና።—1 ጴጥ. 3:15
9. ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ኣብ ዝገበሮ ምስክርነት እንታይ ፍረ ረኸበ፧
9 ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ፍረ ይርከቦ እዩ:- ጳውሎስ ንኽልተ ዓመት ኣብ ሮሜ ኣብ ሓንቲ ቤት ይሕሎ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብቲ ንኽምስክር ዝገበሮ ጻዕርታት ጽቡቕ ፍረ ረኺቡ እዩ። ብዛዕባዚ ሉቃስ “ገሊኦም ነቲ እተነግረ አመንዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ግብ. 28:24) ጳውሎስ ባዕሉ እኳ ነቲ ምሉእ ‘ምስክርነት’ ብምሃብ ዝረኸቦ ፍረ ኽገልጽ ከሎ ኸምዚ ዝስዕብ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ዝበጽሓኒ መከራ ንምስፋሕ ወንጌል ኣዝዩ ኸም ዝጠቐመ: ክትፈልጡ እደሊ አሎኹ። እቲ ማእሰርተይ ብክርስቶስ ምዃኑ ኣብ ብዘሎ ሰፈር ዘብዔኛታትን ኣብ ኵላቶም ካልኦትን ተገልጸ። ዚበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ በቲ ማእሰርተይ ኣብ ጐይታ ጸኒዖም: ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንምንጋር ኣዝዮም ደፈሩ።”—ፊል. 1:12-14
10. ዓሚ ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር ኣብ ዝሃብዎ ምስክርነት እንታይ ፍረ ረኺቦም፧
10 ዓሚ ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ድሕሪ ምክፋሎም: ንሓንቲ ብዛዕባ እቲ ዝለጠፍዎ ባጅ ካርድ ዝሓተተቶም ኣሳሳዪት ብምምስካር ጽቡቕ ተመክሮ ረኺቦም እዮም። ብዛዕባ እቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ንመጻኢ ብዝምልከት ንደቅሰብ ብዛዕባ ዝህቦ ተስፋ ነገርዋ። ነታ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ሃብዋ: ብዘይ ክፍሊት ኣብ ቤታ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመሃር ከም እትኽእል ድማ ገለጹላ። እታ ሰበይቲ ሓደ ሰብ ናብ ቤታ ኽመጻ ኸም እትደሊ ገለጸት: ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ እታ ትራክት ስማን ኣድራሻኣን መልአት: ነቶም ሰብ ሓዳር ከኣ ምድላዋት ክገብሩላ ሓተተቶም። ተጊህካ ምሉእ ‘ምስክርነት’ ብምሃብ እንታይ ፍረ ኽትረክብ ትኽእል፧
11. ነቲ ብስራት ምሉእ ‘ምስክርነት’ ብምሃብ ንኽንዝርግሖ እንታይ ባህሪ ኸነማዕብል ኣሎና፧
11 ነቲ ብስራት ምሉእ ብምሉእ ዘርግሕ:- ጳውሎስ: እቶም ክርስትያናት ብጾቱ ነቲ ቕንኣቱ ይቐድሕዎ ኸም ዘለዉ ምስ ሰምዐ እተሰምዖ ሓጐስ እሞ ገምቶ! ንሕናውን ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነትና ንእግረ-መገድና ብምምስካር ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ ዝከኣለና ዅሉ ንግበር።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን]
ንናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ዘድሊ ጽሑፋት
■ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ (ትራክት)
■ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ (ብሮሹር)
■ ጉድ ኒውስ ፎር ኦል ኔሽንስ (ንእሽቶ መጽሓፍ)
■ ካልኦት መሰረታዊ ጽሑፋት
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን]
ኣይትረስዓዮም!
ንመን ኢኻ ኽትርስዖም ዘይብልካ፧ ንዅሎም እቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ወይ ኣብቲ ፍሉይ ዝርርብ እተኣከቡ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ክትርስዖም የብልካን። ኣብ ካልእ ኣኼባታት: ኣብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ: ከምኡውን ኣብ ናይ ሎም ዘበን ኣውራጃዊ ኣኼባ ንኽመጹ ዓዲምካዮምዶ፧ ብሕያውነት ምትብባዕ እንተ ተዋሂብዎም: መብዛሕትኦም ክመጹ ይኽእሉ ይዀኑ። ነቲ ሃናጺ ምሕዝነትን ዘተባብዕ መንፈሳዊ ትምህርትን ምስ ረኸቡ: ናብ የሆዋን ማሕበሩን ክሰሓቡ እዮም። ንምንታይ ዘይትዕድሞም እሞ ዝብሉኻ ዘይትሰምዕ፧ እቲ ኣኼባ ዝግበረሉ ሰዓት: ዝግበረሉ ቦታ: ኣብኡ ዝቐርብ ትምህርቲ: ኰታስ ንዅሉ እቲ ኽፈልጥዎ ዘድልዮም ዝርዝር ሓበሬታ ንገሮም።