‘ኣጸቢቕካ መስክር’
1. ሃዋርያ ጳውሎስ ብኣገልግሎት ዝመጸ እንታይ ሰናይ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧
1 “ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ፈጽም።” (2 ጢሞ. 4:5) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢሉ ንጢሞቴዎስ ከይተሰከፈ ኺምዕዶ ይኽእል ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ ካብ 47 ድ.ክ. ክሳዕ 56 ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ሰለስተ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ፈጺሙ ነይሩ እዩ። መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት እውን እንተ ዀነት፡ ጳውሎስ ‘ኣጸቢቑ ኸም ዝመስከረ’ ብተደጋጋሚ ትገልጽ እያ። (ግብ. 23:11፣ 28:23) ንሕናኸ ሎሚ ኣጸቢቕና ኽንምስክር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2. ካብ ቤት ናብ ቤት ክንሰብኽ ከለና፡ ኣጸቢቕና ኽንምስክር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ካብ ቤት ናብ ቤት፦ ነቶም ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘይሰምዑ ሰብ ቤት ምእንቲ ኽንረኽቦም፡ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ክንከዶም የድልየና ይኸውን። ምናልባት ንርእሲ ሓንቲ ቤት፡ ምሸት ወይ ከኣ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ጥራይ ክንረኽቦ ንኽእል ንኸውን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንበሪ ንዘሎ ሰብ ክንረክብ ክንጽዕር ኣሎና፣ ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይረኸብናዮም ሰባት ድማ ብተደጋጋሚ ኽንበጽሖም ኣሎና። እዚ ዅሉ ጻዕሪ ጌርካ ኽነስኻ፡ እንተ ዘይተዓወትካኸ፧ ምናልባት ደብዳበ ብምጽሓፍ ወይ ከኣ ተሌፎን ብምድዋል ፍረ ኽትረክብ ትኽእል ትኸውን።
3. ኣብ ህዝባውን ዘይወግዓውን ምስክርነት ንኽትካፈል ዜኽእል እንታይ ኣጋጣሚታት ኣሎካ፧
3 ህዝባውን ዘይወግዓውን ምስክርነት፦ ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ንኺሰምዕ ፍቓደኛ ንዝዀነ ዘበለ ብዛዕባ እታ ናይ ሓቂ “ጥበብ” ይነግሩ እዮም። ነዚ ኸኣ፡ ወይ “ኣብ ወጻኢ” ወይ ከኣ “ኣብ ኣደባባያት” እዮም ዚገብርዎ። (ምሳ. 1:20, 21) መዓልታዊ ንጥፈታትና ኽንገብር ከለና፡ ምስክርነት ንምሃብ ብንቕሓት ንከታተል ዲና፧ ‘ኣብ ስብከት እቲ ቓል ንጽመድ ዲና፧’ (ግብ. 18:5) ከምኡ ንገብር እንተ ኣሊና፡ ነቲ ‘ኣጸቢቕና ኽንምስክር’ እተዋህበና መዝነት ንፍጽሞ ኣሎና ማለት እዩ።—ግብ. 10:42፣ 17:17፣ 20:20, 21, 24።
4. ጸሎትን ምስትንታንን፡ ኣጸቢቕና ንኽንምስክር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
4 ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ ግዜ፡ ብምኽንያት ብሕታዊ ድኽመት ወይ ሕፍረት፡ ካብ ምምስካር ድሕር ምሕር ንብል ንኸውን። የሆዋ ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ይርድኦ እዩ። (መዝ. 103:14) ኰይኑ ግና፡ ክንምስክር እንኽእለሉ ኣጋጣሚ ኽንረክብ ከለና፡ ትብዓት ምእንቲ ኺህበና፡ ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። (ግብ. 4:29, 31) ብዘይካዚ፡ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኽንገብር ከለናን ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ከነስተንትን ከለናን፡ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ኸም ዚዓምቝ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (ፊል. 3:8) እዚ ኸኣ ብቕንኣት ንኽንሰብኽ ኪድርኸና እዩ።
5. ኣብ ፍጻመ ትንቢት ዮኤል ክንካፈል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
5 ኣብ ትንቢት ዮኤል፡ እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ የሆዋ ቕድሚ ምምጽኣ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ‘ትኽ ኢሎም ስለ ዝሓልፉ፡’ ኣብ ዕዮ ስብከቶም ዚዓናቕፎም ከም ዘየልቦ ተገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዮኤ. 2:2, 7-9፡ ትርጕም 1990) ሃየ እምበኣር፡ ኣብዚ እንደገና ዘይድገም ዕዮ ምስክርነት ዚከኣለና ንግበር።