ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንወርሒ መስከረም
5 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 5
10 ደቒቐ :- ናይ ጉባኤ ምልክታታትን ኣድለይቲ ምልክታታት ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት
20 ደቒቐ :- “ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣገልግሎት መዝገብካ ኣስፍሓዮ ።” እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን ሓደ ካልእ ሽማግለን ነቲ ኣብታ ዓንቀጽ ዘሎ ቀንዲ ሓሳባት ይመያየጥሉ : ናእዳን ነቲ ክመሓየሹሉ ዘለዎም ነገራት ሓሳባት እናሃቡን ነቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ይገምግምዎ ። ኣብ ኣገልግሎት ናይ ብሕቲ እጃምና ክዓቢ ሸቶ ክገብሩ ከም ዘለዎም ጽቐጠሉ።
15 ደቒቐ :- “ከይበጻሕናዮም ከመይ ገይሮም ክሰምዑ ይኽእሉ?” ብዝርርብ መልክዕ ዝውሰድ።
መዝሙር 32ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን ።
12 መስከረም እትጅምር ሰሙን :-
መዝሙር 54
7 ደቒቐ :- ናይ ጉባኤ ምልክታታት
20 ደቒቐ :- ክርስትያናዊ ጠባይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ። ዝርርብ ናይ ሓደ ሽማግለ ምስ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኮተቴታት ። መንእሰያትና ኣብ ቤት ትምህርቲ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓት ዘለዎም ክብሪ ዝፍትኑ ዝተፈላለዩ ጸቕጥታት የጋጥሞም ኢዩ ። ዝበዝሑ ካብዚኣቶም ብቐጥታ ምስ ናይ ክፍሊ ንጥፈታት ኣይተሓሓዙን ኢዮም ። ስፖርት : ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻርን ማሕበራዊ ንጥፈታትን ሓደጋታት ከምጽኡ ይኽእሉ ኢዮም ። ሽማግለታት በታ ቤት ትምህርቲ እትብል ብሮሹር ገጽ 16 – 19 “ናይ ድሕሪ ትምህርቲ ንጥፈታት” ገይሮም ምስ ኮተቴታት ይዘራረቡ ። መንእሰያት ኣብዞም ነገራት እዚኣቶም ክካፈሉ ጸቕጢ ከም ዝበጽሖም ዘርኢ ሓሳባት ምስ ሃቡ : ነቲ እተዋህቦም ምኽሪ የመስግንሉ ።
18 ደቒቐ :- “ካብ ምምስካር ድሕር ኣይበሉን ።” ብሕቶን መልስን ። ኵላትና እኳ ማዕረ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ከነሕልፍ ዘይንኽእል እንተኾንና : ክንሕጎሰሉን ብምሉእ – ነፍስና ክንከውንን ክንጽዕር ይግብኣና ።
መዝሙር 60ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን ።
19 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 36
10 ደቒቐ :- ናይ ጉባኤ ምልክታታት ። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ኣንብብ : ንእተገብረ ወፈያ ኣፍልጦ ሃብ ።
15 ደቒቐ :- “እንደገና ናብ ቤት ትምህርቲ ምምላስ” ብሕቶን መልስን ። ነቲ መንእሰያት ዘጋጥሞም ሽግርን ብኸመይ ወለዲ ንደቆም ከም ዝሕግዙን ኣብርህ።
20 ደቒቐ :- “በታ ንዘለኣለም ምንባር እትበሃል መጽሓፍ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ።” ምስ ሰማዕቲ ተዘራረብ ። በቶም ቀሪቦም ዘለዉ ኣቀራርባ ክልተ ተዋስኦ ኣዳሉ ።
መዝሙር 67ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን ።
26 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 44
10 ደቒቐ :- ናይ ጉባኤ ምልክታታት ። ካብ ሰማዕቲ ነታ ንዘለኣለም ምንባር እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከበርክትዋ ወይ ድማ ብኣኣ ጽንዓት ክጅምሩ ከለዉ ዘጋጠሞም ሕጽር ዝበለ ተመኵሮ ክነግሩ ዓድሞም ።
15 ደቒቐ :- ንጉባኤ ዘድሊ ነገር ። ወይ ድማ ካብታ ናይ 1 መስከረም 1994 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 27 – 8 ዝወጸት “ቀይድታትዶ የፍርሓካ ኢዩ ? ” እትብል ዓንቀጽ ዝርርብ ሃብ ።
20 ደቒቐ :- ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ምዕዳል ። መጽሔታትና ኣብቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ዓቢ ግደ ኢዩ ዘለወን : በዚአን ገይሮም ድማ ኢዮም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሓቂ ንመጀመርታ ግዜ ዝሰምዑ ። ብቐጻሊ ክዕየየለን ካልእ ጽሑፍ እንተሃለወውን: ኣብቲ ናይ ቤተ ቤት ዕዮ ክዕደላን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጋንን : ጥቕሚ ናይ ሰሙናዊ ናይ መጽሔታት መዓልቲ ጥቐስ ። ናይ መገዲ ዕዮን ካብ ድኳን ናብ ድኳን ምስክርነትን ብኸመይ መጽሔታት ክንዕድል ኣጋጣሚታት ከም ዝኸፍት ተመያየጥ ። ኣሕዋት ናይ መጽሔት ተመላሊስካ ምብጻሕ ክጅምሩ ሸቶ ብምግባር : ነቲ ዝዓደልዎ መጽሔታት ክምዝግብዎ ኣዘኻኽሮም ። ነቲ በዓል ቤት ኣቐዲምካ ናይ ባዕልኻ ፍርዲ ከይሃብካ ናይ መጽሔታት መዝገባ ክወሃቦ ከም ዘለዎ ግለጽ። ቅድሚ ምውፋርካ ጽቡቕ ምድላው ምግባር ኣገዳስነቱ ኣጕልሕ ። ሰለስተ ኣስፋሕቲ ሓደ ካብኣቶም መንእሰይ ኮይኖም ናይ መጽሔት ምዕዳል ኣሕጺሮም ተዋስኦ የቕርቡ ።
መዝሙር 76ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን ።