እንደገና ናብ ቤት ትምህርቲ ምምላስ
1 መብዛሕትና ኣብቲ ኣብ ግዜ ክረምቲ ዝግበር ልሙድ ዝኾነ ንጥፈታት ጽሙዳት እኳ እንተኾንና መንእሰያትና ግን ብዛዕባ እቲ ቀልጢፉ ክጅምር ዘለዎ ሓድሽ ናይ ትምህርቲ ዓመት እዮም ዝሓስቡ ። ዘሐጉሱ እንጽበዮም ነገራት ኣለው : ይኹን እምበር ሻቕሎት ክፈጥሩልና ዝኽእሉ ሓድ ሓደ ነገራት ኣይሰኣኑን እዮም ። ብዙሓት መንእሰያት ናብ ዝተፈላለዩ መምህራን እዮም ክምደቡ : ንሓድሽ ዓይነት ትምህርቲ ክምዝገቡን ምስ ዘይፈልጥዎም ተማሃሮ ክሓብሩን እዮም ። መንእሰያትና ምስ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣሕሉቕ ክተሓባበሩን ምስ መማህርቶም ክሰማምዑን እዮም ዝደልዩ: ይኹን እምበር ካብቲ ብመንፈስ ክጐድኦም ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ነገር ክጥንቀቑ ኣብ ኣእምሮኦም ክሕዝዎ ኣለዎም ። — 1 ቈረ 15:33
2 እቲ መሰኻኽር ዝኾኑ ቆልዑን መንእሰያትን ኣጸቢቖም ከስተብህልሉ ዘለዎም : ነቲ ስሉኽ ኢሉ ኣብ ኣመሃህራ ናይ ብዙሓት ሃገራት ዝኣቱ ዘሎ መርዛም ተጽዕኖ ናይዛ ዓለም እዚኣ ንኸወግድዎ ኢዩ ። ንኣሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ ክርስትያናት ነዚ ሕጂ ተቐባልነት ረኺቡ ዘሎ ብዛዕባ ሞራላዊ ክርክር ዝምልከት ናይዛ ዓለም እዚኣ መዐቀኒታትን ኣተሓሳስባን ክነጽግዎ ተባዓት ክኾኑን ካብ ቃል የሆዋ ምኽሪ ብምድላይ ብእኡ ተመሪሖም ‘ጥንቁቓት’ ክኾኑን ኣለዎም ። (መዝ. 119:9) ዝምልከቶም ወለዲ ንደቆም እቲ ግቡእ መምርሒ ምእንቲ ክህብዎም ኣብቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ስርዓተ ትምህርቲ እንታይ ከም ዘጠቓልል ሓበሬታ የድልዮም ኢዩ ። እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ካልእ ቦታ ዝወሃብ ትምህርቲ ምስቲ ካብ ኣገልገልቲ የሆዋ ዝድለ ቅድስናን ንጽህናን ዝጋጮ እንተድኣ ኮይኑ ክውገድ ኣለዎ ። — 1 ጴጥ 1:15, 16
3 ንሃገራዊ ጽንብል : ምብዓል በዓላት : ናይ ስፖርት ንጥፈታት ወይ ድማ ሕውነታዊ ምትእኽኻብ ዝምልከቱ ጉዳያት ከጋጥሙኻ ልሙድ ነገር ኢዩ ። ብዛዕባ እዞም ጉዳያት እዚኣቶም እታ ቤት ትምህርትን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን እትብል ናይ እንግሊዘኛ ብሮሹር ንክርስትያናት መንእስያት ኣዝያ ሓጋዚት እያ ። ወለዲ ናይቶም ቆልዑ ተበግሶ ብምውሳድ ሓንቲ ቅዳሕ ናይዛ ሕታም እዚኣ ሒዞም ንመማህራን ምስ ዝቐርብዎም ነቲ ከቢድ ዝኾነ ኣጸጋሚ ኩነታት ክዕወትሉ ወይ ድማ ክቕንስዎ ይኽእሉ እዮም ። እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ ኣብ ገለ ንጥፈታት ንኸይካፈሉ ከምዝመርጹ ነቲ መምህር ክግንዘብ ክሕግዞ ኢዩ ። እዚ ሓበሬታ እዚ ነቲ መምህር ምዝራቡ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ክህሉ ብዙሕ ክዓይ ይኽእል ኢዩ ።
4 ብተወሳኺ: ክርስትያናት ተመሃሮ ናይ ብሕቲ ቅዳሕ ናይዛ ቤት ትምህርቲ እትብሃል ብሮሹር ምስቲ ናይ ቤት ትምህርቶም ናውቲ ክትህሉ ጽቡቕ ኢዩ ። ብዛዕባ እምነትና ዝምልከት ተገዳስነት ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ሕቶ ንዝሓቱ ካልኦት ተመሃሮ ምስክርነት ክትህብ ብዙሕ ግዜ ኣጋጣሚታት ይልዓል ኢዩ ። ክርስትያናት ቆልዑ ኩሉ ግዜ ነቲ ቅደመ–ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ወረቐት ወይ ዝተሓደሰ ግቡእ ምስክርነትን ክታምን ዘለዎ ናይ መንነት ወረቐት በብብሕቶም ክሕዝዎ ኣለዎም ። እቶም ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎ ብርግጽ ከምቲ ‘ኣስተውዓሊ ሰብ እከይ ምስ ረኣየ ዝሕባእ’ ከምኡ ክኾኑ ኢዮም ። — ምሳ. 22:3