መንእሰያት—ንቤት ትምህርትኹም ብጽቡቕ ተጠቐምሉ
1 ናይ ዕረፍቲ ግዜኻ ወዲእካ ትምህርቲ ክትጅምር ምዃንካ ምስ እትዝክር ከመይ ኢዩ ዝስምዓካ፧ ካብቲ ሓድሽ ናይ ትምህርቲ ዓመት ንኽትጥቀም ትብህግ ዲኻ፧ ንመማህርትኻን መምህራንካን ሓቂ ንምክፋል ተኸፊቱልካ ዘሎ ኣጋጣሚታት ብጽቡቕዶ ክትጥቀመሉ ኢኻ፧ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝከኣለካ ዅሉ ክትገብር ከም እትደሊ ንተኣማመን ኢና።
2 ንፉዕ ተማሃራይ ኩን:- ናብ ክፍሊ ቅድሚ ምእታውካ ጽቡቕ ገይርካ እንተድኣ ተዳሊኻን ድሕሪኡ ድማ ተጠንቂቕካ እንተድኣ ሰሚዕካን: ንሓዋሩ ዝኸውን ረብሓታት ክትረክብ ኢኻ። ነቲ ኣብ ገዛ ንኽትሰርሖ ዝዋሃበካ ናይ ቤት ትምህርቲ ዕዮ ንምስራሕ ትጉህ ኩን: እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ዕዮ ካብ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ክዓናቕፈካ ግን ኣይተፍቅደሉ።—ፊል. 1:10
3 ነቲ ሓድሽ ናይ ትምህርቲ ዓመት ነታ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ትምህርትን እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹር ብምንባብ ጀምሮ። ድሕርዚ: ንስኻ ወይ ወለድኻ ንዅሎም መምህራንካ ሓሓንቲ ቅዳሕ ሃቡዎም። ክህልዎም ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ሕቶታት ከም ዝምለሰሎም ድማ ንገርዎም። እዛ ብሮሹር እዚኣ ብዛዕባ እቲ ዘሎካ ስርዓታትን እምነትን ዝሓሸ ምርዳእ ንኽህልዎም ክትሕግዞም ኢያ: ከም ውጽኢቱ ድማ ነቲ እተማሃርካዮ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ከሎኻ ክተሓባበሩኻ ኢዮም። መምህራንካ ክቡር ትምህርቲ ንኽትረክብ ክሕግዙኻ ኸለዉ ንስኻን ወለድኻን ምስኣቶም ክትተሓባበሩ ከም እትደልዩ እውን ከተረጋግጸሎም ኢያ።
4 ንፉዕ ምስክር ኩን:- ንቤት ትምህርቲ ስለምንታይ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት እትህበሉ ናይ ብሕቲ ዞባኻ ገይርካ ዘይትምልከቶ፧ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ትምህርቲ: ምስክርነት ንምሃብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ክትረክብ ኢኻ። ንኻልኦት ምስ እተካፍሎም ‘ንርእስኻን ነቶም ዝሰምዑኻን ከተድሕነሉ’ እትኽእል ዘገርም መንፈሳዊ ፍልጠት ረኺብካ ኢኻ። (1 ጢሞ. 4:16) ኣብነታዊ ዝዀነ ክርስትያናዊ ጠባይ ብምርኣይን ንምምስካር ምቹእ ኣብ ዝዀነሉ ዝዀነ ይኹን ግዜ ድማ ምስክርነት ብምሃብን: ንርእስኻን ንኻልኦትን ክትረብሕ ኢኻ።
5 ሓደ መንእሰይ ምስክር ብናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ገይሩ ንመማህርቱ መስከረሎም። ካብ መንጎ እቶም ብጽቡቕ እተቐበልዎ ሰባት: እምነት ካቶሊክ ዝነበሮ: ነቶም ኣብ ኣምላኽ ዝኣምኑ ዘላግጸሎም ዝነበረ ኢዘሀራዊ: ከምኡውን ብዙሕ ሽጋራ ዘትክኽን ብዙሕ መስተ ዝሰትን ዝነበረ መንእሰይ ይርከብዎም ነበሩ። ብጠቕላላ እዚ መንእሰይ ሓው እዚ ካብቶም መዛንኡ 15 ንዝዀኑ ህይወቶም ንኽውፍዩን ንኽጥመቑን ሓገዘ!
6 ስለዚ መንእሰያት: ነቲ ምስክርነት እትህብሉ ፍሉይ ዞባኹም ንኽትመሃርሉን ንኸተገልግልሉን ርእስኹም ኣዳልዉ። ድሕርዚ ናብ ቤት ትምህርቲ ብምኻድኩም ዝዓበየ ረብሓ ክትረኽቡ ኢኹም።