ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/97 ገጽ 2
  • ንትምህርቲ ብዝበለጸ መገዲ ተጠቐመሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንትምህርቲ ብዝበለጸ መገዲ ተጠቐመሉ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 17 ትምህርቲ ኽገድፎዶ፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • መንእሰያት—ንቤት ትምህርትኹም ብጽቡቕ ተጠቐምሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ትምህርቲ እንተ ጸሊአኸ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ፈጣሪኦም ዝዝክሩ መንእሰያት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 8/97 ገጽ 2

ንትምህርቲ ብዝበለጸ መገዲ ተጠቐመሉ

1 መንእሰያት “ትምህርቲ ክጅምር ድየ፧” ኢሎም ዝሓትሉ ናይ ዓመት እዋን ሕጂ ኢዩ። ሽሕኳ ምስ ትምህርቲ ምጅማር እተተሓሓዙ ገለ ሓደስቲ ብድሆታትን ጭንቀታትን እንተለዉ: ብኣንጻሩ ግን በቶም ካብ ትምህርቶም ብዝበለጸ መገዲ ምእንቲ ክጥቀሙ ኢሎም ገዛእ ርእሶም ዘቕርቡ መንእሰያት ክርከቡ ዝኽእሉ ብዙሕ ረብሓታት ኣለዉ።

2 ጽቡቕ መሰረታዊ ትምህርቲ ንናይ ሓደ ሰብ መንፈሳዊ ዕቤት ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ሓደ ሰብ በቲ ኣብ እዋን ንእስነቱ ዝገብሮ ነገር ደሓር ምስቲ ከም እኹል ሰብ ኰይኑ ክፍጽሞ ዝኽእል ነገራት ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ። እቲ “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ” ዝብል ኣብ ትምህርቲ ከይተረፈ እውን ዝውዕል ኢዩ። (ገላ. 6:⁠7) እቶም ናይ ትምህርቲ መጽናዕትታቶም ብትግሃት ዘጽንዑ መንእሰያት ንየሆዋ ዝያዳ ጠቐምቲ ክገብሮም ዝኽእል ጽቡቕ ክእለታት የጥርዩ ኢዮም።

3 ሓደ ሰብ ኣብ ናይ ትምህርቲ መጽናዕትታት ቅኑዕ ምርጫታት ክገብር እንተድኣ ዀይኑ ጥንቃቐ ዝመልኦ ኣቐዲምካ ምሕሳብ የድሊ ኢዩ። ወለዲ ንደቆም ነቲ ኣብ ህይወት ክረኽብዎ ዝኽእሉ መንፈሳዊ ሸቶታት ምእንቲ ክበጽሕዎ ዝበለጸ ተግባራዊ ልምምድ ክህቦም ዝኽእል ትምህርቲ ክመርጹ ክሕግዝዎም ይግባእ። መንእሰያት ክእለቶም ብምምዕባል: ኣብቲ ናይ ፓይነር ዕዮ ገዛእ ርእሶም እናኸኣሉ ክቕጽሉ ረብሓ ክህቦም ይኽእል ኢዩ። ኣበይ ከም ዘገልግሉ ብዘየገድስ እቲ መሰረታዊ ትምህርቶም ንየሆዋ ንምውዳስ ክሕግዞም ይግባእ።

4 መንእሰያት ዝዀንኩም: ነተን ናይ ትምህርቲ ዓመታትኩም ብዝበለጸ መገዲ ክትጥቀሙለን ጽዓሩ። ከምዚ ብምግባር: ኣቓልቦኹም ዓለማዊ ሞያ ንምስዓብ ዘይኰነስ ኣብቲ ቅዱስ ኣገልግሎት ዝርከብ ትርጕም ዘለዎን ዘዕግብን ህይወት ንምንባር ይኹን። በዚ ኸምዚ ድማ ኣነባብራኹም ንየሆዋ ዝውድስ ክትገብርዎ ኢኹም።​—⁠መዝ. 1:⁠3

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ