ነቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ነገራት ብቐዳምነት ስርዓዮ
1 ገለ ካብቶም ንመንፈሳዊ ጥዕናና ወሰንቲ ዝዀኑ ኣድለይቲ ነገራት እንታይ ኢዮም፧ እዚ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ: ኣኼባታት ምክፋል: ዘየቋርጽ ጸሎት: ጽቡቕ ምሕዝነት: ከምኡውን ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ከም ዘጠቓልል ርግጽ ኢዩ። ኣብ ህይወትና እቲ ኣድላዪ ዝዀነ ነገራት ብቐዳምነት እንተድኣ ዘይሰሪዕናዮ ጽቡቕ መንፈሳዊ ጥዕና ኽህልወና ኣይክእልን ኢዩ።
2 ይኹን እምበር: ኵላትና ኣንጻር ስጋዊ ባህግታት ቃልሲ ኣሎና: ንዕኡ ክንገትኦ ድማ ከድልየና ኢዩ። (ገላ. 5:17) ደድሕሪ ስስዐ ዘለዎ ድሌት ምስዓብ ብዙሕ ረብሓ ክርከቦ ይከኣል ኢዩ ዝብል ስምዒት ፈጺሙ ክሓድረና ኣይግባእን ኢዩ። (ኤር. 17:9) ስለዚ: ንልብና ኽንሕልዎን ካብ ምስዳዕ ክንድሕንን እንተድኣ ደሊና ስርዓታዊ ርእሰ-ምርመራ ምግባር ወሳኒ ኢዩ። ምሳ. 4:23፣ 2 ቈረ. 13:5
3 ልብኻ መርምር:- ንገዛእ ርእስኻ ሓድሓደ ናይ ቅንዕና ሕቶታት ብምሕታት ነዚ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ:- ቃል ኣምላኽ ንኸንብብ እብህግ ድየ፧ (1 ጴጥ. 2:2) ነቲ ኣብ ኵሉ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ናይ ምክፋል ኣድላይነት እግንዘቦ ድየ፧ (እብ. 10:24, 25) ጸሎት አዘውትር ድየ፧ (ሮሜ. 12:12) ምስቶም መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ክሓብር እደሊ ድየ፧ (ሮሜ. 1:11, 12) ነቲ ብስራት ክእውጅ ብሕታዊ ግዴታ ይስምዓኒዶ ኢዩ፧ (1 ቈረ. 9:16) ኣወንታዊ መልስታት ነቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ነገራት ብቐዳምነት ክትሰርዖ ከም እትደሊ ዝሕብር ኢዩ።
4 ነቲ መዓልታዊ ናብራኻ መርምሮ:- ነቲ ባህግታት ልብኻ ምስ መርመርካዮ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይ ግዜ ነቲ ቀዳምነት ክዋሃቦ ዝግባእ ቀዳምነት ብምሃብ ስጕምቲ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። እዚ መጽሓፍ ቅዱስ: ነፍሲ ወከፍ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንምንባብን ንኣኼባታት ንምድላውን ስርዓታዊ ግዜ ምምዳብ ዘጠቓልል ኢዩ። ብተወሳኺ እውን እታ ስድራ ቤት ንኽልቲኡ ማለት ብሓባር ንእትዳለወሉን እትጽልየሉን ግዜ ክምደበላ ይግባእ። ኣብ ቅድሚ ተለቪዥንን ኮምፒዩተርን ኰፍ ኢልካ እተሕልፎ ግዜ ክንደይ ክኸውን ከም ዘለዎ ውሱን ግበሮ። ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ንኽትካፈል ጸዓር: እቲ ዝተረፈ ካልእ ነገራት ብድሕሪኡ ስርዓዮ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብምልእታ እታ ስድራ ቤት ኣብ ኣገልግሎት ንኽትካፈል መደብ ግበር።
5 ብዘይጥርጥር: ኣብ ህይወትና ነቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ነገራት ብቐዳምነት ምስራዕ ምንጪ ናይ ሓጐስ ምዃኑ ክንርእዮ ኢና።