ርእሲ ስድራቤታት—ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ይሃልኹም
1 ዳንኤል ኣብታ ኣምልኾ ጣኦትን ብልሽውናን ዝመልኣ ባቢሎን ንሓያሎ ዓመታት እኳ እንተ ነበረ: ንየሆዋ “ዅሉ ጊዜ” ዘገልግሎ ብምዃኑ ኢዩ ዝፍለጥ ነይሩ። (ዳን. 6:16, 20) መንፈሳውነቱ ዓቂቡ ኽመላለስ ዝኸኣለ ደኣ እሞ ብኸመይ ኢዩ፧ ምስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝተሓሓዝ ንጥፈታቱ ዝፍጽመሉ ልማድ ከም ዝነበሮ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና ኢዩ። ንኣብነት: ኣብታ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ ዀይኑ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ናይ ምጽላይ ልማድ ነበሮ። (ዳን. 6:10) ነቲ ሕጊ ዘንብበሉን ካልእ መንፈሳዊ ንጥፈታት ዝፍጽመሉን መደባት ከም ዝነበሮ እውን ኣየጠራጥርን ኢዩ። ስለዚ: ንህይወቱ ዘስግእ ፈተና ምስ ኣጋጠሞ እውን: ካብቲ ንየሆዋ ዘለዎ ተወፋይነት ፈልከት ኣይበለን: ብተኣምር ድማ ደሓነ።—ዳን. 6:4-22
2 ሎሚውን ብተመሳሳሊ ‘ብዅሉ ንኽንነቅሕ’ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። (ኤፌ. 6:18) እዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም “በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ” ንፈልጥ ኢና። (1 ዮሃ. 5:19) ምጽራር ወይ ፈተናታት ብሃንደበት ተላዒሉ ንእምነትና ኽፍትና ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ዓብዪ ጸበባ ጎግ ናይ ማጎግ ዘለዎ ሓይሊ ዅሉ ተጠቒሙ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ከጥቅዖም ኢዩ: መዋጽኦ ዘይብሎም ድማ ኽመስሉ ኢዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ የሆዋ ምሉእ ዘይጕዱል ትውክልቲ ኽህልወና ኣለዎ።—ህዝ. 38:14-16
3 ኣብ መእተዊ ናይቲ ኣብ ናይ 1998 ኣውራጃዊ ኣኼባ እተራእየ “ስድራቤታት—መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ናብራኹም ግበርዎ!” ዘርእስቱ ድራማ “ሓደ ኣገዳሲ ረቛሒ ኣስላጢ ዝዀነ ናይ ስድራቤት ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽናዕቲ: ከምኡውን ምይይጥ መገዲ ህይወትካ ምግባር ኢዩ” ተባሂሉ ነይሩ። ብተወሳኺውን ከምዚ ተባህለ:- “ስድራቤታት ነዚ መደብ እዚ ስርዓታውያን ኰይነን ምስ ዝስዕባ: ከምኡውን ንመጽሓፍ ቅዱስ ህያው ክገብር ብዝኽእል መገዲ ምስ ዘዘውትርኦ: ኣብታ ስድራቤት ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ንፍልጠትና ከም ዝውስኽ ይገብሮ። ንእምነትና የደልድሎ። ንሓቂ ኣጽኒዕና ከም እንሕዝ ዝገብረና: ከበርትዓናን ከለዓዕለናን ዝኽእል ኣብነታት ናይቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ንረክብ።” ሕጂ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ከነጥርየሉ እንኽእል እተፈላለየ መዳያት ክንርኢ ኸሎና: ርእሲ ስድራቤታት ንናይ ስድራቤቶም መንፈሳዊ ፕሮግራም ዘመሓይሹሉ ሓደ ወይ ክልተ መገድታት ከናድዩ ኣለዎም።
4 ቃል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ መርምሩ:- “መንግስቲ ኣምላኽ ብዘይ ተጻራሪ ክትገዝእ ከላ ከምኡውን ፍቓዱ ከምቲ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ እውን ምስ ኰነ: ‘እከይን ጕድኣትን ዚገብር’ ሕሱም ሰብ ኰነ እንስሳ ‘ኣይኪህሉን እዩ።’ (ኢሳ. 11:9፣ ማቴ. 6:9, 10)” እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2001 ዘርእስታ ጽሕፍቲ: ኣብቲ ኣብ ናይ 11 መስከረም ዕለት ጥቕሲ እተዋህበ ሓሳባት ኢየን ዝርከባ። እዚ መዘኻኸሪታት እዝስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ ነይሩ! ርእሲ ስድራቤት እንተ ዄንካ: ምስ ኣባላት ስድራቤትካ ዕለት ጥቕስን ሓሳባቱን ናይ ምንባብ ልማድ ኣሎካዶ፧ እዚ ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። ንግሆ ኸተንብቡ ዘይትኽእሉ እንተ ዄንኩም: ኣብታ መዓልቲ ኣብ ዝጥዕመኩም እዋን ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም። ሓደ ኣቦ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ “ድራር: ዕለታዊ ጥቕሲ ንምምይያጥ ምቹእ ግዜ ኢዩ ዝዀነና” በለ።
5 ዕለታዊ ጥቕሲ ብስድራቤት ደረጃ ናይ ምምይያጥ ጽቡቕ ልማድ እንተ ሃልዩኩም: ክትነኣዱ ይግባኣኩም ኢዩ። ምናልባት ኣስዕብ ኣቢልኩም እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ እውን ዝያዳ ኽትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ገሊኣቶም እታ ዕለት ጥቕሲ እተወስደትላ ምዕራፍ ብምልእታ ናይ ምንባብ ልማድ ኣለዎም። ገሊኣቶም ከኣ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መጻሕፍቲ እተወሰነ ብምምራጽ ዝሃንጽ ንባብ ይገብሩ። መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ: ስድራቤትካ ንየሆዋ ምእንቲ ኸየጕህይዎ ጥዑይ ፍርሃት ንኽሓድሮም የኽእሎም: ነቲ ፍቓዱ ንምግባር ዘለዎም ባህጊ ድማ የዕምቖ።—ዘዳ. 17:18-20
6 ናይ ስድራቤት ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ዕለታዊ ጥቕስን ክትመርሕ ከሎኻ: እቲ ኣብኡ ዘሎ ትምህርቲ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዝውዕል ንሒደት ደቓይቕ ከም እትመያየጡሉ እንተ ጌርካ ብዝያዳ ኽትጥቀሙ ኢኹም። እታ ሚኒስትሪ ስኩል እትበሃል መምሃሪ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 60 ከምዚ ብምባል ሓሳብ ትህብ:- “ካብቲ ኣብታ ሰሙን ክንበብ እተመደበ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወሰነ ጥቕስታት ክትመርጽ: እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ኽትመያየጠሉ: ድሕሪኡ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ:- ‘እዚ መምርሒ ዝዀነና ብኸመይ ኢዩ፧ እዚ ጥቕስታት እዚ ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ ብዛዕባ የሆዋን ዝገብሮ ነገራትን እንታይ ይገልጸልና: ነቲ ንዕኡ ዘሎና ሞሳኸ ብኸመይ የዕብዮ፧’ ” ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ምይይጥ ንዅሎም ኣባላት ስድራቤትካ ‘ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ንኸስተውዕሉ’ ኽሕግዞም ኢዩ።—ኤፌ. 5:17
7 ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ:- ርእሲ ስድራቤታት ንደቆም መንፈሳዊ ነገራት ከቐድሙ ኸም ዝግባእ ከርእይዎም ካብ ዝኽእሉሉ ጽቡቕ መገድታት ሓደ ኣብ ሰሰሙን ስርዓታዊ ዄንካ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ብምምራሕ ኢዩ። ሓደ ጐበዝ ነዚ ብዝምልከት ከምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “ሓድሓደ ግዜ ኣቦይ ካብ ስራሕ ኣዝዩ ደኺሙ ስለ ዝመጽእ እናተታኸሰ ይሽገር: እንተዀነ ግን ነቲ መጽናዕቲ ኣይንቕይሮን ኢና: እዚ ድማ ርዝነት ናይዚ ጕዳይ ንኽንርዳእ ሓጊዙና ኢዩ።” ውሉዳት እውን እዚ ምድላው እዚ ዕዉት ንክኸውን ኣበርክቶ ኽገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት: ኣባላት ናይ ሓንቲ ትሽዓተ ውሉዳት ዘለዉዋ ስድራቤት: ካልእ ዝጥዕም ግዜ ስለ እተሳእነ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ንግሆ ተንሲኦም ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ይገብሩ ነበሩ።
8 ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ዕዉት ንክኸውን: እቲ ርእሲ ስድራቤት ‘ንትምህርቱ ኽጥንቀቕ’ ኣለዎ። (1 ጢሞ. 4:16) ኣብ ሚኒስትሪ ስኩል እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 32 ከምዚ ዝብል ንረክብ:- “ዕዉት ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ንኽትገብር: ፈለማ ነቲ ስድራቤትካ ዘድልዮ ነገራት ኣብ ግምት ከተእቱ ኣሎካ። ኣባላት ስድራቤትካ ብመንፈሳዊ ከመይ ዝበለ ዕቤት ይገብሩ ኣለዉ፧ . . . ምስ ደቅኻ ናብ ግራት ኣገልግሎት ክትከይድ ከሎኻ: ንመዛኑኦም ከይተሰከፉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ይገልጹሎም ድዮም፧ ብስድራቤት እትገብርዎ ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ይፈትዉዎ ድዮም፧ ብሓቅዶ ብመገድታት የሆዋ ይመላለሱ ኣለዉ ኢዮም፧ ተጠንቂቕካ ትዕዘብ እንተደኣ ዄንካ: ከም ርእሲ ስድራቤት መጠን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤትካ መንፈሳዊ ባህርያት ንምትካልን ንምዅስኳስን እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ኽትፈልጥ ኢኻ።”
9 ናይ ጉባኤ ኣኼባታት:- ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምድላውን ኣብኡ ምርካብን ኣገዳሲ ኽፍሊ ሰሙናዊ ተግባርካ ክኸውን ኣለዎ። (እብ. 10:24, 25) ሓድሓደ ግዜ ንገለ ኻብቲ ኣኼባታት ብስድራቤት ትዳለዉሉ ትዀኑ። ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ኣብ ክንዲ ምድላው ግን ኣቐዲምካ ንምድላው መደብ ክትገብር ትኽእልዶ፧ ከምዚ ዓይነት ልማድ እንተ ኣጥሪኻ ብዝግባእ ክትዳሎ ትኽእል: ካብ ኣኼባታት ድማ ዝያዳ ትጥቀም።—ምሳ. 21:5
10 ኣብ መንፈሳዊ ልማድካ ዕዉት ንኽትከውን ብዝግባእን ኣዘውቲርካን ክትገብሮ ኣሎካ። ንዅሉ ኣኼባታት ንምድላው እንተ ኣጸጊሙካኸ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ እታ ሚኒስትሪ ስኩል እትበሃል መምሃሪ መጽሓፍ: ኣብ ገጽ 31 እዚ ዝስዕብ ሓሳብ ሂባ ኣላ:- “ንሓደ ጽሑፍ ንኽትሽፍኖ ጥራይ ኢልካ ሕልፍ ሕልፍ ኣይትበሎ: ወይ ኣይከኣልኩን ኢልካ ፈጺምካ ኸየጽናዕካ ኣይትሕለፎ። ኣብ ክንድኡስ: ክንደይ ዝኣክል ከተጽንዕ ከም እትኽእል ወስን: ነዚ ድማ ብዝግባእ ግበሮ። ኣብ ሰሰሙን ከምኡ ግበር። ድሕሪ ግዜ ንኻልእ ኣኼባታት እውን ብምድላው ነዚ ናይ መጽናዕቲ መደብካ ኣስፍሓዮ።”
11 ስድራቤታት ብእዋኑ ናብ ኣኼባ ክኸዳ ኸለዋ: ንየሆዋ ንምውዳስ ግቡእ ዝንባለ ንኸሕድራን ካብቲ ዝወሃብ ትምህርታት ንኽጥቀማን ይሕግዘን ኢዩ። ስድራቤትካ ኸምዚ ዝኣመሰለ ልማድ ኣለዋዶ፧ ከምዚ ንምግባር ጽቡቕ መደብ ምውጻእን ናይ ኵሎም ኣባላት ስድራቤት ምትሕብባርን ዝሓትት ኢዩ። ኣኼባ ኣብ ዝግበረሉ ምሸት ስድራቤትካ ወትሩ ተጓይዮም ዝኸዱ እንተ ዀይኖም: ኣብቲ መዓልታዊ ንጥፈታትካ ገለ ምትዕርራይ ክትገብርዶ ምኸኣልካ፧ ገሊኡ ነገራት ኣቐዲምካ ኽትገብሮዶ ትኽእል፧ ሓደ ኣባል ስድራቤት ጾር እንተ በዚሕዎ: ካልኦት ክሕግዝዎዶ ይኽእሉ፧ ኵላቶም ሒደት ደቓይቕ ኣቐዲሞም ናብ ኣኼባ ንምኻድ ድሉዋት እንተ ዀይኖም: እተወሰነ ውጥረት ኣይምቐነሰንዶ፧ ኵሉ ነገር ብስርዓት ምስ ዝግበር ኣብ ስድራቤትን ኣብ ጉባኤን ሰላም ኢዩ ዝሰፍን።—1 ቈረ. 14:33, 40
12 ግራት ኣገልግሎት:- ኣብ ግራት ኣገልግሎት እትካፈለሉ ግዜ ምምዳብ ሓደ ኽፍሊ ናይቲ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ኢዩ። ጀይሰን ዝበሃል መንእሰይ ከምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “ኣብ ስድራቤትና ቐዳም ንግሆ ንኣገልግሎት እተወፈየት ኢያ ነይራ። እዚ ንዓይ ጠቒሙኒ ኢዩ: ከመይሲ ኣዘውቲረ ኣገልግሎት ብዝኸድኩ መጠን ጥቕሙ ኽርድኣኒ ኽኢሉ: እናፈተኽዎ ኸኣ ከይደ።” ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ወለዲ ዝዓበዩ ሓያሎ ውሉዳት: ኣብ ስድራቤቶም ኣብ ሰሰሙን ንኣገልግሎት እተመደበ ግዜ ብምንባሩ: ከም ክርስትያናት ኣገልገልቲ መጠን ዕቤት ንኽገብሩ ኸም ዝደገፎም ይገልጹ ኢዮም።
13 ኣብዚ መዳይ እዚ ልማድ ምህላው: ኣባላት ስድራቤትካ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘሕልፍዎ ግዜ ብዝያዳ ንኽፈትዉዎን ብዙሕ ፍረ ንኸፍርዩን ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። እዚ ብኸመይ ክኸውን ይኽእል፧ ናይ 1 ሓምለ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 21 እዚ ዝስዕብ ሓሳባት ሂባ ነይራ:- “ንኣባላት ስድራቤትካ ነቲ ሰሙናዊ ግራት ኣገልግሎት ንኸተዳልዎም ናይ ስድራቤት መጽናዕትኹም በብግዜኡ ትጥቀመሉዶ ኢኻ፧ ከምዚ ምግባር ኣዝዩ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) ንኣገልግሎቶም ትርጕም ዘለዎን ውጽኢታውን ንኽገብርዎ ክሕግዞም ይኽእል። ሓድሓደ እዋን: ንብምሉኡ እቲ ናይ መጽናዕቲ ግዜ ነዚ ምድላው እዚ ክትምድቦ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ እዋን ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ኣብቲ መወዳእታ ወይ ከኣ ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዘሎ ካልእ ግዜያት ነቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት መዳያት ብሕጽር ዝበለ መልክዕ ክትመያየጠሉ ትኽእል ኢኻ።” ስድራቤትካ ነዚ ፈቲናቶዶ፧
14 ዕቤት ግበሩ:- ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ነጥብታት: ኣባላት ስድራቤትካ ዝነኣዱሉ መዳያት ረኺብካዶ፧ እንተ ረኺብካ ንኣዶም: ዝያዳ ምምሕያሽ ንኽገብሩ ድማ ሓግዞም። ምምሕያሽ ዘድልየሉ መዳያት እንተ ረኺብካ ኸኣ ፈለማ ሓደ ወይ ክልተ ኽትዓዩሉ ዘሎኩም ነጥብታት ምረጽ። ነዚ ኣዘውቲርካ ኽትገብሮ ምስ ጀመርካ: ሓደ ወይ ክልተ ኻልእ ክትዓዩሉ ዘሎኩም ነጥብታት ምረጽ። ኣወንታውን ምኽንያታውን ኩን። (ፊል. 4:4, 5 NW ) ንኣባላት ስድራቤትካ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ከም ዘጥርዩ ምግባር ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት እኳ እንተዀነ: የሆዋ “ነቲ ብመገዱ ዚጥንቀቕ ከኣ ምድሓን ኣምላኽ ከርእዮ እየ” ብምባል ስለ ዘረጋገጸልና እቲ እንገብሮ ጻዕሪ ንኸንቱ ኣይኰነን።—መዝ. 50:23