ኣባላት ስድራቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምግባር ምሉእ ግደ ንኽህልዎም ብኸመይ ከም ዝተሓባበሩ
1 ሓቂ ንናብራ ስድራቤት ሓቀኛ ትርጕምን ዕላማን ከም ዝህልዎ ትገብር ኢያ: እንተዀነ ግን ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ዕዉት ምዃን ብቕጽበት ዝመጽእ ነገር ኣይኰነን። ብመንፈስ ድልድልቲ ስድራቤት ንምህናጽ ግዜን ጻዕርን ይሓትት። ኣባላት ስድራቤት ብሓባር ኣበርቲዖም ክዓዩ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። እዛ ካብተን ሰለስተ ተኸታተልቲ ክፍልታት ቀዳመይቲ ዝዀነት ዓንቀጽ: ኣባላት ስድራቤት ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልማድ ኣብ ምምዕባል ብኸመይ ክተሓባበሩ ከም ዝኽእሉ ኣብ ምግላጽ ኢያ እተተኵር።
2 መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ:- ምሳሌ 24:5 “ኣእምሮ ዘለዎ . . . ሓይሉ የጽንዕ” ትብል። ስርዓታዊ ዄንካ ቃል ኣምላኽ ካብ ምንባብ ዝርከብ ፍልጠት ንሓደ ሰብ: ነቲ ሰይጣን ኣብ መንፈሳውነቱ ዘውርደሉ መጥቃዕትታት ንኽጻወር ኣድላዪ ዝዀነ ውሽጣዊ ሓይሊ ንኸጥሪ ይሕግዞ ኢዩ። (መዝ. 1:1, 2) ንስኻትኩምከ ከም ስድራቤት መጠን ብሓደ ዄንኩም መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብቡዶ ኢኹም፧ እቲ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ናይታ ዓመት ዝንበብ “ተወሳኺ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ” ሒዙ ኣሎ። ነዚ መደብ እዚ ንምስዓብ ስድራቤታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብሓደ ዝራኸብሉ ዓሰርተ ደቒቕ ዝኸውን ግዜ ምምዳብ ኢዩ ዝሓትት። መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብን ካብታ መዓልቲ መዓልቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ናይ ዕለት ጥቕሲ ሓሳብ ንምምይያጥን ኣብ ግዜ ቍርሲ: ድሕሪ ድራር ወይ ቅድሚ ድቃስ ምቹእ ግዜ ምረጹ። እዚ ኸኣ ክፍሊ ናይ መዓልታዊ ናብራ ስድራቤትኩም ግበርዎ።
3 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብሓባር ብምጽናዕ:- እቲ ናይ ስድራቤት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ: ኣብታ ሰሙን እቲኣ ነታ ስድራቤት ዘገድሳ ቀንዲ ነገር ክኸውን ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ስድራቤት ኣብቲ መጽናዕቲ ደስ ኢልዎ ብምክፋል ደገፉ ከርኢ ኣለዎ። እቲ ርእሲ ስድራቤት ዝጽናዕ ጽሑፍ: ዝጽናዓሉ መዓልትን ሰዓትን ከምኡውን እቲ መጽናዕቲ ዝወስዶ ንውሓት ክምድብ ከሎ ነታ ስድራቤት ዘድሊ ነገራት ኣብ ግምት ከእቱ ኢዩ። ነቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ኣብ ሰሙናዊ መደብኩም ቀዳምነት ሃብዎ። ብዙሕ ኣገዳሲ ዘይኰነ ጕዳያት ክዓናቕፈኩም ኣይተፍቅዱ።—ፊል. 1:10, 11
4 ሓደ ንስራሕ ዝምልከት ነገራት ኣብ ገዝኡ ብዙሕ ግዜ ተሌፎን ዝድወለሉ ኣቦ: ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ክገብሩ ኸለዉ ናይታ ተሌፎን ሶኬት የውጽኦ ነበረ። ዓማዊሉ ናብ ገዝኡ እንተ መጺኦም ከኣ ኣብቲ መጽናዕቲ ክካፈሉ ይዕደሙ ወይ ድማ ክሳዕ ዝውዳእ ይጽበዩ ነበሩ። እቲ ኣቦ ዝዀነ ይኹን ነገር ነቲ ናይ ስድራቤቶም መጽናዕቲ ከይሓናዅሎ ወሲኑ ነበረ። ከምዚ ምግባሩ ንደቁ ኣጸቢቑ ተንከፎም: ስርሑ እውን እናማዕበለ ኸደ።
5 ኣባላት ስድራቤት ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ሓቢሮም ክዓዩስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ነገር ኰን ኢዩ! ኣብ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ምሉእ ግደ ንኽህልወና ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ዘይምሕላልና ናይ የሆዋ በረኸት ከምጽኣልና ኢዩ።—መዝ. 1:3