ንናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ዚኸውን ናይ ስድራቤት መደብ
1 ከም ወላዲ መጠን ንውሉዳትካ ኽትህቦም እትኽእል ዝዓበየ ህያብ ፍቕሪ የሆዋ ኣብ ልቦም ከም ዚሰርጽ ምግባር እዩ። ከምዚ ንኽትገብር ዜኽእል ዝበለጸ ኣጋጣሚ: ‘ኣብ ቤትካ ኾፍ ኢልካ’ ሰሙናዊ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ብምግባር እዩ። (ዘዳ. 6:5-7) ኣማኒት ብዓልቲ እንዳ ትሃልኻ: ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት ሃሉ ወይ ንጽል ወላዲ ኹን ብዘየገድስ ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መደብ ብምግባር ውሉዳትካ ናባኻን ናብ የሆዋን ከም ዚቐርቡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።
2 ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ምጅማር:- እቲ መጀመርታ ኺውሰድ ዘለዎ ስጕምቲ ምስ ስድራቤትካ ናይ ምጽናዕ ልምዲ ምምዕባል እዩ። እቲ መጽናዕቲ መዓስ ኪግበር ከም ዘለዎ ንምውሳን እንተ ጸጊሙካ ስለምንታይ ምስ ስድራቤትካ ዘይትዘራረበሉ፧ (ምሳ. 15:22) ንኣሽቱ ደቂ እንተደኣ ሃልዮምኻ ምናልባት ኣብታ ሰሙን ሕጽር ዝበለ መጽናዕቲ ንምግባር ትመርጽ ትኸውን። ንስድራቤትካ ኣየናይ መደብ ከም ዚሓይሽ ወስን። ኣብቲ ናይ ስድራቤት መደብ ንመጽናዕቲ ዚኸውን እተወሰነ ግዜ መድብ: ጠቢቕካ ድማ ስዓቦ።
3 እንታይ ከተጽንዑ ትኽእሉ፧ ገለ ስድራቤታት ነቲ ኣብ ዚመጽእ ዚውሰድ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ወይ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽናዕቲ እየን ዚዳለዋሉ። ካልኦት ድማ ብፍላይ ንመንእሰያት ተባሂሉ እተዳለወ ትምህርቲ ኼጽንዓ ይውስና። መንእሰያት ወድን ጓልን ዘለውዎ ሓደ ኣቦ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ይዛረብ:- “ሓደ ኻብቲ ነቶም ቈልዑ ኣብታ ሰሙን ንመጽናዕትና ጕሉሕ ቦታ ኸም ዚህብዎ ዚገብሮም ነገራት እቲ ኻብ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት እነቕርቦ ተዋስኦታት እዩ። ካብቲ እንሽፍኖ ብዝሒ ሕጡብ ጽሑፋት ንላዕሊ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ዕምቈት ናይቲ ኣብ ኣእምሮና ተቐሪጹ ዚተርፍን ተገንዚብናዮ እንሓልፍን ትምህርቲ እዩ።”
4 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን መጽናዕቲ ግበሩ:- እቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ስርዓታዊ ብዝዀነ መገዲ ኺግበርን ኵሎም ኣባላት ስድራቤት ተሃንጥዮም ዚጽበይዎን ኪኸውን ኣለዎ። ትጽቢት ዘይተገብረሉ ዅነታት እንተ ኣጋጢሙ እቲ መጽናዕቲ ዚግበረሉ ግዜን ዕለትን ምቕያር ይከአል እዩ። እቲ ዚጽናዕ ጽሑፍ ምቕያር እውን ኣድላዪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ዝዀነ ዚግበር ምትዕርራያት ነቲ ድሮ ስርዓታዊ ዀይኑ ዚቕጽል ዘሎ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መደብ ዚዓናቕፍ ኪኸውን የብሉን። ኣባል ሓንቲ ስድራቤት ዝዀነት ጓል: “እቲ መጽናዕቲ እንገብረሉ ግዜ ኪቕየር እንተደኣ ዀይኑ: እቲ እተለወጠ ሰዓት መዓስ ምዃኑ ዅላትና ምእንቲ ኽንፈልጥ: ኣቦይ ነቲ ሓድሽ መደብ ኣብ ወረቐት ጽሒፉ ኣብ ማዕጾ ናይታ መዝሓሊት ይጥቅዖ” ብምባል ትዛረብ። ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መደብ ንምውጻእ ዚግበር ጻዕርስ ክሳዕ ክንደይ ዚነኣድ ኰን እዩ! ንውሉዳትካ “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ከተዕብዮም ከለኻ ንሰማያዊ ኣቦናን ንዕኦምን ዘሎካ ፍቕሪ ኢኻ እተርኢ።—ኤፌ. 6:4