ንስድራ ቤታት ዚኸውን ሓገዝ
1. ሰንበት ንእስራኤላውያን ስድራ ቤታት ብኸመይ ትጠቕሞም ነበረት፧
1 ሰንበት ንስድራ ቤታት እትጠቅም የሆዋ ዝሰርዓ ፍቕራዊ መሰናድዎ እያ ነይራ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ፡ እስራኤላውያን ካብቲ መዓልታዊ ጻዕሮም ይዓርፉ ነበሩ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረሎም ሰናይ ነገራትን ምስኡ ዘለዎም ርክብን ከኣ የስተንትኑ ነበሩ። ወለዲ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሞም፡ ንሕጊ ሙሴ ኣብ ኣልባብ ደቆም ኬስርጹ ይኽእሉ ነበሩ። (ዘዳ. 6:6, 7) ሰንበት ንህዝቢ የሆዋ ኣብ ሰሰሙን ኣብ መንፈሳውነቶም ኬተኵሩ ኣጋጣሚ ትኸፍተሎም ነበረት።
2. ሰንበት ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እያ እትምህረና፧
2 ኣብዚ ግዜ እዚ የሆዋ ንስድራ ቤታት መዓልቲ ሰንበት ኬኽብራ ኸም ዘይደልየን ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ሕጊ ብዛዕባ ኣምላኽና ሓደ ነገር ይምህረና እዩ። ኣምላኽ ወትሩ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዅነታት ህዝቡ ኣጸቢቑ እዩ ዚግደስ። (ኢሳ. 48:17, 18) ሎሚ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ፍቕራዊ ተገዳስነት ከም ዘለዎ ዜርእየሉ መገዲ፡ እታ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚግበረላ ምሸት እያ።
3. ዕላማ እታ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚግበረላ ምሸት እንታይ እዩ፧
3 ዕላማ እታ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚግበረላ ምሸት እንታይ እዩ፧ መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤ ኻብ ጥሪ 2009 ጀሚሩ፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ኣኼባ ኣገልግሎትን ኣብ ዚካየደሉ ምሸት እዩ ዚግበር። ሓደ ኻብቲ እዚ ምትዕርራያት እዚ እተገብረሉ ምኽንያት፡ ስድራ ቤታት ኣብ ሰሰሙን ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚገብሩላ ሓንቲ ምሸት ብምምዳብ መንፈሳውነቶም ምእንቲ ኼደልድሉ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት፡ እንተ ተኻኢሉ ንመጽናዕቲ ስድራ ቤቶም ናብታ መጽናዕቲ መጽሓፍ እትግበረላ ዝነበረት ምሸት ኪቕይርዋ ተተባቢዖም እዮም፣ ነዚ ግዜ እዚ ኸኣ ንስድራ ቤቶም ዜድሊ ኣርእስቲ ተጠቒሞም ብህድኣት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥን መጽናዕትን ንምግባር ምእንቲ ኺጥቀሙሉ እዩ።
4. ስድራ ቤታት ነቲ ዚገብርዎ ምይይጥ ኣብ ሓንቲ ሰዓት ጥራይ ድዮም ኪውስንዎ ዘለዎም፧ ግለጽ።
4 ኣብ ትምህርቲ መጽሓፍ ጉባኤ ኽንካፈል ከለና፡ እንኽደነሉን እንጓዓዘሉን ካልእ ነገራት እንገብረሉን ግዜ ኽንምድብ የድልየና ነበረ። መብዛሕትና፡ ኣብዛ ናይ ሓንቲ ሰዓት ኣኼባ ንምክፋል ብዙሕ ሰዓታት እዩ ዚወስደልና ነይሩ። ኣብ ኣኼባታትና ምትዕርራይ ምስ ተገብረ ግን፡ ንየሆዋ ብስድራ ቤት እነምልኸሉ ምሸት ረኸብና። ስለዚ፡ እታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እንገብረላ ምሸት ኣብ ሓደ ሰዓት ጥራይ ክትሕጸር የብላን። ኣብ ክንዳኡ፡ ንስድራ ቤትና ዜድልያ ነገራትን ዓቕሚ ኣባላት ስድራ ቤትናን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኽንወስድ ከም ዘሎና ኽንውስን ይግባእ።
5. እቲ ግዜ ብምሉኡ ብጕጅለ ብዚግበር ምምይይጥ ድዩ ኺሓልፍ ዘለዎ፧ ግለጽ።
5 እቲ ግዜ ብምሉኡ ብጕጅለ ብዚግበር ምምይይጥ ድዩ ኺሓልፍ ዘለዎ፧ መጻምድቲ ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ኰነ ውሉዳት ዘለዋአን ስድራ ቤታት ሓቢሮም ቅዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ ምስ ዚገብሩ፡ ንሓድሕዶም ይተባብዑ እዮም። (ሮሜ 1:12) እታ ስድራ ቤት ንሓድሕዳ ብዝያዳ ትቀራረብ። ስለዚ፡ እታ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚግበረላ ምሸት ኣብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ ዘተኰረት ክትከውን ይግባእ። ኰይኑ ግን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ብሕታዊ መጽናዕቲ ዚገብረሉ ግዜ እውን ኪምደብ ይከኣል እዩ። ንኣብነት፡ ኣባላት እታ ስድራ ቤት ብጕጅለ ምይይጥ ድሕሪ ምግባሮም፡ ኣብታ ምሸት እቲኣ ነፍሲ ወከፎም፡ ንኣኼባታት ብምድላው ወይ መጽሔታት ብምንባብ በብሕቶም ኬጽንዑ ይኽእሉ እዮም። ገሊአን ስድራ ቤታት ኣብታ ምሸት እቲኣ ተለቪዥን ኪርእዩ ኣይደልዩን እዮም።
6. እቲ መጽናዕቲ ብኸመይ እዩ ኺምራሕ ዘለዎ፧
6 እቲ ምይይጥ ብኸመይ እዩ ኺምራሕ ዘለዎ፧ እቲ መጽናዕቲ ወትሩ ብሕቶን መልስን ጥራይ ኪቐርብ የብሉን። ሓያሎ ስድራ ቤታት፡ እታ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚገብራላ ምሸት ዘየተሰልቹን ባህ እተብልን ምእንቲ ኽትከውን ኢለን፡ ምስቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ኣኼባታትና ዚመሳሰል መደብ እየን ዜውጽኣ። ነቲ ምይይጥ ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ብምምቃል ብእተፈላለየ መገዲ የቕርባኦ። ንኣብነት፡ ሓቢረን መጽሓፍ ቅዱስ የንብባ፡ ንገለ ኽፋል ኣኼባታት ጉባኤ ይዳለዋ፡ ንኣገልግሎት ከኣ ብመርኣያ ይለማመዳ። ኣብ ገጽ 6 ገለ ርእይቶታት ቀሪቡ ኣሎ።
7. ወለዲ ኸመይ ዝበለ ሃዋህው ከም ዚህሉ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧
7 ወለዲ ኸመይ ዝበለ ሃዋህው ከም ዚህሉ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧ ስድራ ቤትካ፡ ፍቕራውን ባህ ዜብልን ሃዋህው ምስ ዚህሉ እዮም ብዝያዳ ኺመሃሩ ዚኽእሉ፧ ጽቡቕ ኵነታት ኣየር ኣብ ዚህልወሉ እዋናት ኣብ ደገ ዄንኩም ከትጽንዑ ትኽእሉ ኢኹም። ኬድሊ ኸሎ ኣብ መንጎ ዕረፍቲ ግበሩ። ገሊአን ስድራ ቤታት ድሕሪ እቲ መደብ እኽለ-ማይ የዳልዋ እየን። ወለዲ ነታ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚግበረላ ምሸት ንምግናሕ ወይ ንምግሳጽ ኪጥቀሙላ እኳ እንተ ዘይብሎም፡ ገለ ኣንፈት ወይ ጸገም እንተ ኣስተብሂሎም፡ ኣብታ ምሸት እቲኣ ኺመያየጡሉ ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግን፡ ንሓደ ቘልዓ ተኣፋፊ ዝዀነ ነገራት ከነመያይጦ ምስ እንደሊ፡ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ኣብ ክንዲ እነሕፍሮ፡ ብብሕቱ ኣብ ካልእ መዓልቲ እንተ ኣመያየጥናዮ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እታ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚግበረላ ምሸት፡ ነቲ እነምልኾ “ሕጉስ ኣምላኽ” እተንጸባርቕ ደኣ እምበር፡ እተሰልኪ ኽትከውን የብላን።—1 ጢሞ. 1:11፡ NW።
8, 9. ርእሲ ስድራ ቤታት እንታይ ምድላው ኪገብሩ እዩ ዜድልዮም፧
8 ርእሲ እታ ስድራ ቤት ብኸመይ እዩ ኺዳሎ ዚኽእል፧ ርእሲ እታ ስድራ ቤት ኣምልኾ ስድራ ቤት ቅድሚ ምግባሮም፡ ብዛዕባ እቲ ኺመያየጡሉ ዘለዎም ኣርእስትን ብኸመይ ኪምራሕ ከም ዘለዎን ኣቐዲሙ ዚዳሎ እንተ ዀይኑ፡ እታ ስድራ ቤት ብዙሕ ክትጥቀም ትኽእል እያ። (ምሳ. 21:5) ሰብኣይ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰበይቱ ኺመያየጥ ኣለዎ። (ምሳ. 15:22) ኣቱም ርእሲ ስድራ ቤታት፡ ደቅኹም እውን ርእይቶ ምእንቲ ኺህብኹም ሓድሓደ ግዜ ንምንታይ ዘይተመያይጥዎም፧ ከምኡ እንተ ጌርኩም ብዛዕባ እቲ ዜገድሶምን ዜጨንቖምን ነገራት ክትፈልጡ ኢኹም።
9 ኣብ መብዛሕትኡ ሰሙናት፡ ርእሲ እታ ስድራ ቤት ንምድላው ኢሉ ብዙሕ ግዜ ኼጥፍእ ኣየድልዮን እዩ። እታ ስድራ ቤት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን እትወስዶ ስሩዕ መደባት ኪህልዋ ይኽእል እዩ፣ ርእሲ እታ ስድራ ቤት ከኣ ኣብ ሰሰሙን ፈጺሙ ሓድሽ ዝዀነ መደብ ኬውጽእ ኣየድልዮን እዩ። ኣምልኾ ስድራ ቤት ምስ ገበሩ፡ ነታ ስድራ ቤት ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልያ ነገር እንታይ ምዃኑ ስለ ዜስተብህል፡ ከይረሰዖ ኸሎ ደድሕሪ እቲ መጽናዕቲ እንተ ተዳለወ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ርእሲ ስድራ ቤታት ሓጺር ዛዕባ ጽሒፎም፡ ከም መዝሓሊት ኣብ ዝኣመሰለ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ኪርእየሉ ዚኽእል ቦታ ይልጥፍዎ። እዚ ኸኣ፡ ኣባላት እታ ስድራ ቤት፡ ነታ ምሸት እቲኣ ብሃንቀውታ ኸም ዚጽበይዎ ኣብ ርእሲ ምግባሩ፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ንኺዳለዉ ይሕግዞም።
10. እቶም ንበይኖም ዚነብሩ ነታ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚግበረላ ምሸት ብኸመይ ኪጥቀሙላ ይኽእሉ፧
10 በይነይ እንተ ዀይነኸ፧ እቶም ንበይኖም ዚነብሩ እውን ነታ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚግበረላ ምሸት፡ ናይ ብሕቶም መጽናዕቲ ንምግባር ኪጥቀሙላ ይኽእሉ እዮም። ጽቡቕ መደብ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ እዚ ዚስዕብ ነገራት ዝሓቘፈ ኪኸውን ይግባእ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ፡ ንኣኼባታት ምድላው፡ ከምኡውን ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን ምንባብ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ነዚ ኸም መመላእታ እቲ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ፕሮጀክቶም እዮም ዚጥቀሙሉ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብቲ ዚሃንጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምይይጦም፡ ዚሓብሮም ኣስፋሒ ወይ ዚሓብርዎም ስድራ ቤት ኪዕድሙ ይኽእሉ እዮም።
11, 12. ስሩዕ ኣምልኾ ስድራ ቤት ምግባር እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧
11 ስሩዕ ኣምልኾ ስድራ ቤት ምግባር እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ እቶም ብምሉእ ልቦም ኣብ ናይ ሓቂ ኣምላኾ ዚካፈሉ ሰባት ናብ የሆዋ ብዝያዳ እዮም ዚቐርቡ። ብተወሳኺ፡ እተን ሓቢረን ዜምልኻ ስድራ ቤታት፡ ንሓድነተን የደልድላ እየን። ሰብኣይን ሰበይትን መጻምድቲ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብዎ በረኸት ከምዚ ኢሎም ጸሓፉ፦ “ቈልዑ ዘይብልና ፈለምቲ ኢና፡ ነታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እንገብረላ ምሸት ከኣ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበያ። ኣብ ንሓድሕድናን ምስ ሰማያዊ ኣቦናን እተቐራረብና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና። ኣብታ ሓቢርና ኸነጽንዕ ዝመደብናላ መዓልቲ ኻብ ድቃስና ኽንበራበር ከለና፡ ንሓድሕድና ‘ሎም ምሸት እንታይ ኣለና፧ ኣምልኾ ስድራ ቤት!’ ንበሃሃል።”
12 እቲ ብዛዕባ ኣምልኾ ስድራ ቤት እተገብረ መሰናድዎ፡ ነተን ግዜ ዘይብለን ስድራ ቤታት እውን ሓጊዙ እዩ። ሓንቲ ኽልተ ቘልዑ እናዕበየት ፈላሚት ኰይና እተገልግል ንጽል ኣደ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ናይ ስድራ ቤት መጽናዕትና ጽቡቕ ኣይነበረን። እደክም ስለ ዝነበረኩ፡ ሓሓሊፍና ጥራይ ኢና ንገብር ኔርና። ስሩዕ ንኺገብሮ እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ስለዚ፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት እንገብረላ ምሸት ስለ ዝሰርዓኹምልና ኸመስግነኩም ኢለ እየ ዝጸሓፍኩልኩም። ካብ ሽዑ ኣትሒዝና ስሩዕ ናይ ስድራ ቤት መጽናዕቲ ንገብርን ንጥቀምን ኣሎና።”
13. ስድራ ቤትካ ኻብዚ መሰናድዎ እዚ ምሉእ ብምሉእ ክትጥቀም እትኽእል ብኸመይ እያ፧
13 ኣምልኾ ስድራ ቤት እንገብረላ ምሸት፡ ልክዕ ከም ሰንበት ንስድራ ቤታት ክትሕግዝ እትኽእል ካብ ሰማያዊ ኣቦና እተዋህበትና ውህበት እያ። (ያእ. 1:17) እስራኤላውያን ስድራ ቤታት ብመንፈሳዊ መዳይ ምሉእ ብምሉእ ኪጥቀሙ ዚኽእሉ ዝነበሩ፡ ንሰንበት ብግቡእ እንተ ተጠቒሞምላ ጥራይ እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ካብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም እንኽእል፡ ነታ ኣምላኾ ስድራ ቤት እንገብረላ ምሸት ብግቡእ እንተ ተጠቒምናላ ጥራይ እዩ። (2 ቈረ. 9:6፣ ገላ. 6:7, 8፣ ቈሎ. 3:23, 24) ነዚ መሰናድዎ እዚ ብግቡእ እንተ ተጠቒምካሉ፡ ስድራ ቤትካ፡ ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ፡ “ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ፡ . . . እሙንቶይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ገበርኩ” ኽትብል ትኽእል እያ።—መዝ. 73:28።
[ኣብ ገጽ 5 ፍረ ሓሳብ]
እታ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚግበረላ ምሸት፡ ነቲ እነምልኾ “ሕጉስ ኣምላኽ” እተንጸባርቕ ደኣ እምበር፡ እተሰልኪ ኽትከውን የብላን
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
ዓቅቦ
ነታ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚግበረላ ምሸት ዚኸውን ርእይቶታት
መጽሓፍ ቅዱስ፦
• ካብ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወሰነ ኽፋል ሓቢርኩም ኣንብቡ። እቲ ዚንበብ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተፈላለዩ ገጸ-ባህርያት ዝሓቘፈ ዛንታ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ሓደ ሰብ ከም ኣዘንታዊ ዀይኑ ኸንብብ ከሎ፡ እቶም ካልኦት ከኣ ነቶም ገጸ-ባህርያት መሲሎም ከንብቡ ይኽእሉ እዮም።
• ካብቲ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ንገለ ኽፋሉ ብመርኣያ ኣቕርብ።
• ንነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ስድራ ቤት ነቲ ኺንበብ እተመደበ ምዕራፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ ብምንባብ፡ ሓደ ወይ ክልተ ሕቶታት ጽሒፉ ኺመጽእ ክፍሊ ሃቦ። ሽዑ ንዅሉ እቲ ዝቐረበ ሕቶታት ሓቢርኩም ምርምር ግበሩሉ።
• ኣብ ሰሰሙን ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ካርታ ጽሒፍኩም ኣዳልዉ፡ ድሕሪኡ ነታ ጥቕሲ ኽትሽምድድዋን ከተብርህዋን ፈትኑ። ክንደይ ጥቕስታት ክትዝክሩ ኸም ዝኸኣልኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ነቲ ካርታታት ኣኪብኩም ኣብ ሰሰሙን እንደገና ርኣይዎ።
• መጽሓፍ ቅዱስኩም ሒዝኩም እናተኸታተልኩም፡ ነቲ ብድምጺ እተቐድሐ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ስምዕዎ።
ኣኼባታት፦
• ንገለ ኽፋል ኣኼባታት ብሓንሳብ ኴንኩም ተዳለዉ።
• ነቲ ኣብ ዚቕጽል ሰሙን ዚዝመር መዝሙራት ተለማመዱሉ።
• ሓደ ኻባኻትኩም ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ክፍሊ እንተ ኣልይዎ ወይ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ዚቐርብ መርኣያ እንተ ኣልይዎ፡ እንታይ ሓሳብ ኬቕርብ ከም ዚኽእል ይመያየጠሉ፡ ወይ ኣብ ቅድሚ እታ ስድራ ይለማመደሉ።
ነታ ስድራ ቤት ዜድልያ፦
• ካብታ መንእሰያት ዚሓትዎ እትበሃል መጽሓፍ፡ ወይ ካብታ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ ዜድልየኩም ሓሳብ ወሲድኩም ተመያየጡሉ።
• ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኼጋጥም ዚኽእል ኵነታት ብኸመይ ከም ዚዋጽእሉ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርቡ።
• ወለድን ወሉዳትን እናተቐያየሩ ዜርእዩሉ መርኣያ ይሃልኹም። እቶም ቈልዑ ብዛዕባ ሓደ ኣርእስቲ ምርምር ብምግባር፡ ነቶም ወለዲ ኼእምንዎም ይጽዓሩ።
ኣገልግሎት፦
• ኣብ መወዳእታ ሰሙን እትጥቀሙሉ ኣቀራርባ ተለማመዱ።
• ኣባላት ስድራ ቤትኩም ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ወይ ኣብ ግዜ ዕረፍቲ፡ ኣገልግሎቶም ንምስፋሕ እንታይ ኪወቕዕዎ ዚኽእል ሸቶ ኼውጽኡ ኸም ዚኽእሉ ተመያየጡ።
• ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ኣብ ኣገልግሎት ኬጋጥም ንዚኽእል እተፈላለየ ሕቶታት ብኸመይ ኪምልስ ከም ዚኽእል ንሒደት ደቓይቕ ምርምር ድሕሪ ምግባሩ ብመርኣያ ኸም ዜቕርቦ ግበሩ።
ተወሳኺ ርእይቶታት፦
• ካብ ናይ ቀረባ ግዜ መጽሔታት ሓንቲ ዓንቀጽ ኣንብቡ።
• ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት፡ ካብ ናይ ቀረባ ግዜ መጽሔታት ዝያዳ እተገድሶ ሓንቲ ዓንቀጽ ኣንቢቡ ብምምጻእ ጸብጻብ ከም ዜቕርብ ግበሩ።
• ሓደ ኣስፋሒ ወይ ሰብኣይን ሰበይትን መጻምድቲ፡ ሳሕቲ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትኩም ንኺሓብሩኹም ክትዕድምዎምን ተመክሮታቶም ክትሓትዎምን ትኽእሉ ኢኹም።
• ንሓደ ኻብ ቪድዮታትና ብምርኣይ ተመያየጡሉ።
• ነቲ ኣብ ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዚርከብ፡ “መንእሰያት ዚሓትዎ” ወይ “ንምይይጥ ስድራ ቤት” ዚብል ኣርእስቲ ሓቢርኩም ተመያየጡሉ።
• ነቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዚርከብ፡ “ንደቅኻ ምሃሮም” ወይ “ንመንእሰያት” ዚብል ኣርእስቲ ተመያየጡሉ።
• ካብ እዋናዊ መጽሓፍ ዓመት እተወሰነ ኽፋል ወይ ንሓደ ኻብቲ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ዝወጸ ሓድሽ ጽሑፍ፡ ኣንቢብኩም ተመያየጡሉ።
• ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ድሕሪ ምክፋልኩም፡ ነቲ ቐንዲ ቐንዲ ነጥብታት ተመያየጡሉ።
• ንፍጥረታት የሆዋ ብምዕዛብ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ከም ዚምህረኩም ተመያየጡ።
• ከም ንድፊ፡ ካርታ፡ ወይ ከኣ ሰሌዳ ዝኣመሰለ ፕሮጀክት ሓቢርኩም ዕየዩ።