ኣቱም ክርስትያን ስድራ ቤታት፡ “እተዳሎኹም ኩኑ”
“ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ እተዳሎኹም ኩኑ።” —ሉቃ. 12:40።
1, 2. ነቲ “እተዳሎኹም ኩኑ” ዚብል የሱስ ዝሃቦ ማዕዳ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
“ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡” ንሰባት ከኣ “ካብ ነንሓድሕዶም” ምስ ፈላለዮም፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን እንታይ ክትኰኑ ኢኹም፧ (ማቴ. 25:31, 32) ወዲ ሰብ ኣብ ዘይሓሰብናዮ ሰዓት ስለ ዚመጽእ፡ ነቲ “እተዳሎኹም ኩኑ” ዚብል የሱስ ዝሃቦ ማዕዳ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ኣሎና።—ሉቃ. 12:40።
2 ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ነናይ ርእሱ ሓላፍነት ምስ ዚስከም፡ ብምልእታ ስድራ ቤት ብመንፈስ ንቕሕቲ ንኽትከውን ብኸመይ ኪሕግዝ ከም ዚኽእል ርኢና ኢና። ሕጂ ኸኣ፡ ንመንፈሳውነት ስድራ ቤትና ኣበርክቶ ንኽንገብር ዚሕግዘና ኻልእ መገድታት እስከ ንርአ።
“ጥዕይቲ” ዓይኒ ትሃልኹም
3, 4. (ሀ) ክርስትያን ስድራ ቤታት ካብ ምንታይ ኪጥንቀቑ ኣለዎም፧ (ለ) ዓይንና “ጥዕይቲ” ኽትከውን ኪበሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧
3 ስድራ ቤታት ንምጽኣት ክርስቶስ ድሉዋት ኰይነን ምእንቲ ኺጸንሓ፡ ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኸየላግሳ ኺጥንቀቓ ኣለወን። ካብ መስገሊታት፡ ርእሰን ኪሕልዋ ኣለወን። ፍቕረ-ንዋይ ንሓያሎ ስድራ ቤታት መፈንጠራ ስለ ዝዀነን፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ “ጥዕይቲ” ዓይኒ ዝሃቦ ምኽሪ እስከ ንመርምር። (ማቴዎስ 6:22, 23 ኣንብብ።) ከምቲ መብራህቲ ንመገድና ዜብርሃልናን ንኸይንወድቕ ዚሕግዘናን፡ እቲ ‘ብኣዒንቲ ልብና’ ዚኣቱ ዘበለ እውን ንኸይንዕንቀፍ ኬብርሃልና ይኽእል እዩ።—ኤፌ. 1:18።
4 ዓይንና ብንጹር ንኽትርኢ፡ ጥዕይቲ ኽትከውንን ከተተኵርን ኣለዋ። ኣዒንቲ ልብና እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ምሳልያዊት ዓይንና ጥዕይቲ እያ ኺበሃል ከሎ፡ ኣብ ሓደ ዕላማ ዘተኰረት እያ ማለት እዩ። ኣብ ፍቕረ-ንዋይ ኣብ ክንዲ እነተኵርን ንስድራ ቤትና ብስጋ ዜድልዮም ጥራይ ንምምላእ ኣብ ክንዲ እንጽዕርን፡ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኢና እነተኵር። (ማቴ. 6:33) ከምኡ ኺበሃል ከሎ፡ ብዘሎና መሰረታዊ ነገራት ዓጊብና፡ ንኣገልግሎት ኣምላኽ ቀዳምነት ንህቦ ማለት እዩ።—እብ. 13:5።
5. ሓንቲ ጐርዞ፡ “ዓይና” ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከም ዘተኰረት ብኸመይ ኣርኣየት፧
5 ውሉዳት፡ ጥዕይቲ ዓይኒ ንኽትህልዎም እንተ ሰልጢኖም፡ ጽቡቕ ፍረ ኺርከብ ይከኣል እዩ። ንሓንቲ ኣብ ኢትዮጵያ እትነብር ጐርዞ ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ኣብ ትምህርታ ኣዝያ ንፍዕቲ ስለ ዝነበረት፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ኽትውድእ ከላ፡ ብናጻ ተወሳኺ ትምህርቲ ንኽትመሃር ኣጋጣሚ ረኸበት። ዓይና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘተኰረት ብምንባራ ግን፡ ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ነጸገቶ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ኣብ ወርሒ 3,000 ዩሮ ዚኽፈሎ ስራሕ ረኸበት፣ እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዚርከብ ገምጋም ደሞዝ ኪነጻጸር ከሎ፡ ኣዝዩ ልዑል እዩ። “ዓይኒ” እታ ጓል ግን፡ ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት ዘተኰረት ብምንባራ፡ ነቲ ስራሕ ኣይተቐበለቶን። ውሳነ ንምግባር፡ ንወለዳ እውን ከተማኽር ኣየድለያን። ወለዳኸ ብዛዕባ እቲ ውሳነኣ ኸመይ ተሰምዖም፧ ኣዝዮም ተሓጐሱ፡ ብኣኣ ኸም ዚሕበኑ እውን ገለጹላ።
6, 7. ካብ ምንታይ ሓደጋ ኢና ‘ኽንጥንቀቕ’ ዘሎና፧
6 እቲ ኣብ ማቴዎስ 6:22, 23 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት የሱስ፡ ብዛዕባ ስስዐ ዜጠንቅቕ ሓበሬታ ኣለዎ። የሱስ ኣንጻር “ጥዕይቲ” ዓይኒ፡ “ሕምምቲ” ዓይኒ እዩ ጠቒሱ። እታ ኣብ በዅሪ ቛንቋ ‘ሕምምቲ ዓይኒ’ ተባሂላ ዘላ፡ ንኽፍእቲ ወይ ንስስዕቲ ዓይኒ ኸተመልክት ትኽእል እያ። የሆዋ ብዛዕባ ስስዐ ኸመይ ይስምዖ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም” ይብለና።—ኤፌ. 5:3።
7 ኣብ ካልኦት ብቐሊሉ ኸነለልዮ ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ኣባና ግን ምልላዩ የሸግረና እዩ። ስለዚ፡ ነቲ የሱስ፡ “ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ” ኢሉ ዝሃበና ማዕዳ ኽንስዕቦ ኣሎና። (ሉቃ. 12:15) ከምኡ ምእንቲ ኽንገብር፡ ልብና ኣበይ ከም ዜድህብ ንምፍላጥ፡ ርእስና ኽንምርምር ኣሎና። ክርስትያን ስድራ ቤታት ብዛዕባ እቲ ኣብ መዘናግዕን ኣብ ንብረትን ዜሕልፍዎ ግዜን ገንዘብን ኣርዚኖም ኪሓስቡ ኣለዎም።
8. ኣቕሓ ኽንዕድግ ከለና፡ ብኸመይ ኢና ‘ኽንጥንቀቕ’ እንኽእል፧
8 ዓቕሚ ስለ ዘሎና ጥራይ፡ ኣቕሓ ኽንዕድግ ኣይግባእን። ‘ነቲ ዝዕድጎ ኣቕሓ ኣዘውቲረ ኽጥቀመሉን ክከናኸኖን ድየ፧ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ንኽፈልጦ ኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኺወስደለይ እዩ፧’ ኢልና ንርእስና ንሕተት። ኣቱም ውሉዳት፡ ንዅሉ እቲ ዓለም ብዛዕባ ሃለኽቲ ኣቕሑ እተናፍሶ መወዓውዒ ኸም ዘለዎ ብምእማን፡ ዘየድሊ ኽቡር ክዳውንቲ ወይ ካልእ ኣቕሑ ኺዕደገልኩም ክትጠልቡ የብልኩምን። ርእስኹም ግትኡ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ኣቕሓ ምጥራይና፡ ስድራ ቤትና ንምጽኣት ወዲ ሰብ ተዳልያ ኸም ዘይትጸንሕ ዚገብራ እንተ ዀይኑ ኽንሓስብ ኣሎና። ነቲ የሆዋ፡ “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ኢሉ ዝኣተዎ መብጽዓ ኽንተኣማመነሉ ኣሎና።—እብ. 13:5።
መንፈሳዊ ሸቶታት ስዓቡ
9. ስድራ ቤታት፡ መንፈሳዊ ሸቶታት ምስ ዚስዕቡ፡ እንታይ ኪጥቀሙ ይኽእሉ፧
9 ስድራ ቤታት እምነቶምን መንፈሳውነቶም ኬደልድሉ ዚኽእሉሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ፡ መንፈሳዊ ሸቶታት ምውጻእን ነቲ ሸቶታት ምስዓብን እዩ። ከምኡ ምግባር፡ ኣብቲ ንየሆዋ ንምሕጓስ ዘውጽእዎ ቐንዲ ዕላማኦም ክሳዕ ክንደይ ዚኣክል ከም ዝሰጐሙ ንኺፈልጡ፡ ንኣገዳስነት ሓደ ነገር ከኣ ምስ ካልእ ብምንጽጻር ንኺግምግሙ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ።—ፊልጲ 1:10 ኣንብብ።
10, 11. ብስድራ ቤት እንታይ ዓይነት መንፈሳዊ ሸቶታት ትስዕቡ ኣለኹም፧ ንመጻኢኸ እንታይ ዓይነት ሸቶታት ከተውጽኡ ትኽእሉ፧
10 እቲ እተውጽእዎ ሸቶታት፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤትኩም ኪበጽሖ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ብዙሕ ጥቕሚ ኽትረኽቡሉ ትኽእሉ ኢኹም። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ጥቕሲ ዕለት መዓልታዊ ንኽትመያየጡ፡ ሸቶ ኸተውጽኡ ትኽእሉ ኢኹም። እቶም ኣባላት ስድራ ቤት ዚህብዎ ሓሳባት፡ ነቲ ርእሲ ስድራ ቤት፡ መንፈሳውነቶም ኣበየናይ ደረጃ ኸም ዘሎ ንኺፈልጥ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርካ ብሓባር ንምንባብ ዚወጽእ ሸቶ፡ ንውሉዳት፡ ናይ ምንባብ ክእለቶም ንኼመሓይሹን ብዛዕባ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ግንዛበ ንኼስፍሑን ኣጋጣሚ ኪኸፍተሎም ይኽእል እዩ። (መዝ. 1:1, 2) ብዘይካዚ፡ ትሕዝቶ ጸሎትና ንምምሕያሽ ሸቶ ኽንገብርዶ ኣይግባእን፧ ፍረ መንፈስ ብዝያዳ ምፍራይ እውን፡ ብሉጽ ሸቶ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ገላ. 5:22, 23) ብዘይካዚ፡ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ድንጋጸና ኸነርኢ እንኽእለሉ መገዲ ኸነናዲ ንኽእልዶ፧ ብስድራ ቤት ከምኡ ኽንገብር ምጽዓርና፡ ውሉዳት ርሕሩሓት ንኪዀኑ ስለ ዚሕግዝ፡ እቶም ውሉዳት ነዊሕ ከይጸንሑ ስሩዓት ፈለምቲ ወይ ሚስዮናውያን ንምዃን ባህጊ ኼሕድሩ ይኽእሉ እዮም።
11 ብዛዕባ እቲ ንስኻን ስድራ ቤትካን ክትስዕብዎ እትኽእሉ ሸቶታት ስለምንታይ ዘይትሓስብ፧ ስድራ ቤትካ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ንኼሕልፉ ሸቶ ኼውጽኡ ይኽእሉዶ፧ ብተሌፎን፡ ኣብ መገዲ፡ ወይ ኣብ ቦታታት ስራሕ ምምስካር ዜምጽኦ ፍርሂ ኼሰንፍዎ ይኽእሉዶ፧ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ከይዶም ኬገልግሉ ይኽእሉዶ፧ ሓደ ኣባል ስድራ ቤት ንኻልኦት ነቲ ብስራት ንኼካፍል ኢሉ ሓድሽ ቋንቋ ኺመሃር ይኽእልዶ፧
12. ርእሲ ስድራ ቤታት፡ ስድራ ቤቶም ብመንፈስ ንኽትዓቢ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧
12 ኣቱም ርእስታት ስድራ ቤት፡ ስድራ ቤትኩም ብመንፈስ ኪዓቢ ዚኽእለሉ መዳያት ኣለልዩ። ነዚ ዕላማ እዚ ንምውቃዕ ከኣ፡ ንጹር ሸቶታት ኣውጽኡ። ሸቶታትኩም፡ ንዅነታትኩምን ንኽእለትኩምን ኣብ ግምት ዜእቱን ኪብጻሕ ዚከኣልን ኪኸውን ኣለዎ። (ምሳ. 13:12) ሸቶኻ ንምውቃዕ ግዜ ኸም ዚሓትት ዜጠራጥር ኣይኰነን። ስለዚ፡ ካብቲ ተለቪዥን ኣብ ምርኣይ እነሕልፎ ሰዓታት ግዜ ዓዲግና፡ መንፈሳዊ ሸቶታትና ንምስዓብ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 5:15, 16) ነቲ ብስድራ ቤት ዘውጻእኩምዎ ሸቶታት ክትወቕዑ ኣበርቲዕኩም ጽዓሩ። (ገላ. 6:9) መንፈሳዊ ሸቶታት እትስዕብ ስድራ ቤት፡ እናወሰኸት ትኸይድ ከም ዘላ ‘ኣብ ኵሉ ይግለጽ’ እዩ።—1 ጢሞ. 4:15።
ኣዘውቲርኩም ኣምልኾ ስድራ ቤት ግበሩ
13. ኣብ ሰሙናዊ መደብ ኣኼባታት ጉባኤ እንታይ ለውጢ እዩ ተገይሩ፧ ንርእስናኸ እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧
13 እቲ ኻብ 1 ጥሪ 2009 ጀሚሩ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ኣኼባታት እተገብረ ዓብዪ ለውጢ፡ ስድራ ቤታት ንምጽኣት ወዲ ሰብ ‘እተዳለዉ ኪዀኑ’ ብዙሕ ይሕግዝ እዩ። እቲ ቐደም መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤ ዚበሃል ዝነበረ፡ ምስ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ምስ ኣኼባ ኣገልግሎትን ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ተጠርኒፉ እዩ። እዚ ምትዕርራይ እዚ እተገብረ፡ ክርስትያን ስድራ ቤታት ኣብ ሰሰሙን እተወሰነት ምሸት ንኣምልኾ ስድራ ቤት ብምምዳብ፡ ንመንፈሳውነት ስድራ ቤቶም ንኼደልድሉ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኪኽፈተሎም ተባሂሉ እዩ። እዚ ለውጢ እዚ ኻብ ዚግበር እተወሰነ ግዜ ሓሊፉ ስለ ዘሎ፡ ‘ነቲ ዝረኸብክዎ ግዜ፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ወይ ብሕታዊ መጽናዕቲ ንምግባር እጥቀመሉዶ ኣለኹ፧ ንዕላማ እዚ መሰናድዎ እዚ ኽወቅዕ ክኢለ ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና።
14. (ሀ) ኣምልኾ ስድራ ቤት ወይ ብሕታዊ መጽናዕቲ እንገብረሉ ቐንዲ ዕላማ እንታይ እዩ፧ (ለ) መጽናዕቲ እንገብረሉ ግዜ ምምዳብና፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
14 ኣምልኾ ስድራ ቤት ወይ ብሕታዊ መጽናዕቲ እንገብረሉ ቐንዲ ዕላማ፡ ንየሆዋ ምእንቲ ኽንቀርቦ እዩ። (ያእ. 4:8) ብስሩዕ መጽሓፍ ቅዱስ ነጽንዕን ብዛዕባ ፈጣሪና ዘሎና ፍልጠት ነዕብን እንተ ዄንና፡ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ይድልድል እዩ። ንየሆዋ ብዝቐረብናዮ መጠን፡ ንዕኡ ‘ብምሉእ ልብናን ብዅሉ ነፍስናን ብዅሉ ሓሳብናን’ ንኸነፍቅሮ ብዝያዳ ኽንድረኽ ኢና። (ማር. 12:30) ንኣምላኽ ክንእዘዞን ሰዓብቱ ኽንከውንን ሃረር ክንብል ኢና። (ኤፌ. 5:1) እምበኣር፡ ኣዘውቲርና ኣምልኾ ስድራ ቤት ምግባርና፡ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤትና ነቲ ብትንቢት እተነግረ ዓብዪ “መከራ፡” ብመንፈሳዊ ‘እተዳለዉ ዀይኖም’ ንኺጽበይዎ ይሕግዝ እዩ። (ማቴ. 24:21) ንድሕነትና ኸኣ ወሳኒ እዩ።
15. ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ኣባላት ስድራ ቤት ንሓድሕዶም ኣብ ዘለዎም ርክብ እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧
15 ኣምልኾ ስድራ ቤት እንገብረሉ ኻልእ ዕላማ ድማ፡ ኣባላት ስድራ ቤት ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቀራረቡ እዩ። ኣብ ሰሰሙን ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት እትመያየጠሉ ግዜ ምምዳብ፡ ንኣባላት ስድራ ቤት የቀራርብ እዩ። ሰብ ሓዳር፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብዎ ኽቡር መንፈሳዊ ነገራት ንሓድሕዶም ምስ ዚመያየጡ፡ ሓዳሮም ይድልድል እዩ። (መክብብ 4:12 ኣንብብ።) ወለድን ውሉዳትን ሓቢሮም ንየሆዋ ምስ ዜምልኹ ኸኣ፡ በታ “ማእሰር ፍጻሜ” ዝዀነት ፍቕሪ ኣቢሎም ስጡም ሓድነት ይህልዎም እዩ።—ቈሎ. 3:14።
16. ሰለስተ መንፈሳውያን ኣሓት፡ ካብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺህልወና እተገብረ መሰናድዎ ብኸመይ ከም እተጠቕማ ኣዘንቱ።
16 ሰለስተ መንፈሳውያን ኣሓት፡ ካብቲ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተመደበት ምሸት ንኽትህልወና እተገብረ መሰናድዎ ብኸመይ ከም እተጠቕማ እስከ ንርአ። እዘን ኣብ ሓንቲ ኸተማ ዚነብራ ብዕድመ ዝደፍኣ ኣሓት፡ ኣዝማድ እኳ እንተ ዘይኰና፡ ንብዙሕ ዓመታት መሓዙት እየን ነይረን። ብሓባር ዝያዳ ግዜ ኼሕልፋ ስለ ዝደለያ፡ እቲ ግዜ እቲ እውን ኣብ መንፈሳውነት ዘተኰረ ኪኸውን ስለ ዝደለያ፡ ሓቢረን መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዓላ ምሸት መደባ። ነታ ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተማልአ መገዲ መስክር’ ዘርእስታ መጽሓፍ ከኣ ኬጽንዓኣ ጀመራ። ሓንቲ ኻባታተን ከምዚ በለት፦ “እቲ እንገብሮ መጽናዕቲ ኣዝዩ ባህ ስለ ዚብለና፡ ዚበዝሕ ግዜ ኻብ ሓደ ሰዓት ንላዕሊ ኢና እንገብር። ነቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣሕዋትና ዝነበርዎ ዅነታት ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንፍትን፡ ከም ናታቶም ዓይነት ኵነታት እንተ ዜጋጥመና እንታይ ከም እንገብር ከኣ ንመያየጥ ኢና። ድሕሪኡ፡ ካብ ምይይጥና እተመሃርናዮ ነገራት ኣብ ኣገልግሎትና ኸነተግብሮ ንጽዕር ኢና። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮና ዝያዳ ባህ ዜብልን ፍረ ዘለዎን ገይርዎ እዩ።” እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ነዘን ሰለስተ መሓዙት፡ ብመንፈሳዊ ንኺድልድላ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሓድሕደን ብዝያዳ ንኺቀራረባ እውን ሓጊዝወን እዩ። “ነዚ መሰናድዎ እዚ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ” ድማ በላ።
17. ጽቡቕ ኣምልኾ ስድራ ቤት ንኺህልወና ኣበርክቶ ዚገብር እንታይ እዩ፧
17 ንስኻትኩምከ ኻብቲ ኣምልኾ ስድራ ቤት ወይ ብሕታዊ መጽናዕቲ ንኺህልወና እተገብረ መሰናድዎ ብኸመይ ትጥቀሙ ኣለኹም፧ ጅምር ግድፍ ተብልዎ እንተ ዄንኩም፡ ንዕላማ እዚ መሰናድዎ እዚ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም። ኣብታ ዝመደብኩምዋ ሰዓት፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ንመጽናዕቲ ድሉው ኪኸውን ኣለዎ። ደቀቕቲ ነገራት ንመሰናድዎኹም ኪዓናቕፍ ኣይተፍቅዱ። ብዘይካዚ፡ እቲ እተጽንዕዎ ጽሑፍ፡ ስድራ ቤትኩም ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ኪጥቀምሉ ዚኽእሉ ኪኸውን ኣለዎ። መጽናዕትኹም ባህ ዜብል ንኪኸውን እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧ ውጽኢታዊ ዝዀነ ሜላ ኣመሃህራ ተጠቐሙ፣ ኣኽብሮታውን ህዱእን ሃዋህው ከም ዚሰፍን ድማ ግበሩ።—ያእ. 3:18።a
‘ንቕሑ፡’ “እተዳሎኹም ኩኑ”
18, 19. ምጽኣት ወዲ ሰብ ከም ዝቐረበ ምፍላጥና፡ ንዓናን ንስድራ ቤትናን ኪጸልወና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
18 እቲ እናበኣሰ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት ዓለምና፡ ካብ 1914 ኣትሒዙ፡ ዳሕሮት መዓልትታት እዛ እክይቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ከም ዝጀመረ ዜርኢ እዩ። ኣርማጌዶን ቀሪባ እያ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ወዲ ሰብ ኣብ ልዕሊ እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት፡ ፍርዲ የሆዋ ኼውርድ እዩ። (መዝ. 37:10፣ ምሳ. 2:21, 22) እዚ ምፍላጥኩም፡ ንዓኹምን ንስድራ ቤትኩምን ኪጸልወኩምዶ ኣይግባእን፧
19 ነቲ የሱስ፡ “ጥዕይቲ” ዓይኒ ኽትህልወና ኸም ዚግባእ ዝሃቦ ምኽሪ ተቕልብሉዶ ኣለኹም፧ ስድራ ቤትኩም፡ ካብቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ገንዘብ፡ ዝና፡ ወይ ስልጣን ኪረኽቡ ዚደልዩ ሰባት ብእተፈልየ መገዲ፡ መንፈሳዊ ሸቶታት ድዮም ዚስዕቡ፧ ኣምልኾ ስድራ ቤት ወይ ብሕታዊ መጽናዕቲ ምግባር ይኸብደኩምዶ ኣሎ፧ ነቲ እዚ መሰናድዎ እዚ እተገብረሉ ዕላማኸ ትወቕዑዶ ኣለኹም፧ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ስድራ ቤትኩም ‘ንቑሓት’ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ንሰብኣይ፡ ንሰበይቲ፡ ወይ ንውሉዳት እተዋህበ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነት ትስከሙዶ ኣለኹም፧ (1 ተሰ. 5:6) ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ ንምጽኣት ወዲ ሰብ ‘እተዳሎኹም ክትኰኑ’ ኢኹም።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት እንታይ ከም እተጽንዑ፡ ብኸመይ ከኣ ስሩዕን ግብራውን ክትገብርዎ ኸም እትኽእሉ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 2009 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 29-31 ርአ።
እንታይ ተማሂርካ፧
• ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት፡ ክርስትያን ስድራ ቤታት ብኸመይ ‘እተዳለዉ ኪዀኑ’ ኸም ዚኽእሉ ግለጽ፦
“ጥዕይቲ” ዓይኒ ኣብ ምህላው
መንፈሳዊ ሸቶታት ኣብ ምስዓብ
ኣዘውቲርካ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኣብ ምግባር
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
“ጥዕይቲ” ዓይኒ ኻብ መስገሊታት እዛ ዓለም እዚኣ ኽንርሕቕ ትድርኸና