መደብ 31 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
31 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 30ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
lv ምዕ. 16 ሕ.ጽ. 9-14፡ ኣብ ገጽ 192-193 ዘላ ሳጹን (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ነህምያ 1-4 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ነህምያ 2:11-20 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ድያብሎስ ዘይርአ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ—td 40ለ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 22:21 ዚርከብ ቃላት የሱስ እንእዘዘሉ መገድታት (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
20 ደቒቕ፦ “ንስድራ ቤታት ዚኸውን ሓገዝ”—2ይ ክፋል። (ሕጡብ ጽሑፍ 7-13) ሕቶታትን መልስታትን። ሰማዕቲ ንገለ ኻብቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም ስድራ ቤቶም ብኸመይ ከም እተጠቕመት ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር እትሕግዝ ሓዳስ ዓንቀጽ።” ሕቶታትን መልስታትን። ምይይጥ ቅድሚ ምጅማርካ፡ ናይ 1 ጥሪ 2011 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ሒዞም ንዘይመጹ ኣስፋሕቲ፡ ሓሓንቲ ቕዳሕ እታ መጽሔት ዓድሎም። በታ “ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር—ካብ ኣምላኽ ክትመሃር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧” እትብል ዓንቀጽ ጌርካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተጀምር ዜርኢ ሓደ ወይ ክልተ መርኣያታት ብምቕራብ ዛዝም።
መዝሙር 17ን ጸሎትን