መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር እትሕግዝ ሓዳስ ዓንቀጽ
1. ኣብ ሕታም ህዝቢ ግምቢ ዘብዐኛ እንታይ ሓዳስ ዓንቀጽ እያ ኽትወጽእ፧ ንምንታይከ እያ ተዳልያ፧
1 ካብዛ ወርሒ እዚኣ ጀሚሩ፡ ኣብ ሕታም ህዝቢ ግምቢ ዘብዐኛ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር እትሕግዘና ሓዳስ ዓንቀጽ ክትወጽእ እያ። ኣርእስታ፡ “ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር” ዚብል እዩ። ኣብ ክልና ዘለዉ ገሊኦም ሰባት ነዛ ብተኸታታሊ እትወጽእ ዓንቀጽ ባህ ኢልዎም ዜንብብዋ እኳ እንተ ዀኑ፡ እታ ዓንቀጽ ንምይይጥ ተባሂላ እያ ተዳልያ።
2. እዛ ብተኸታታሊ እትወጽእ ዓንቀጽ እንታይ ትሕዝቶ እዩ ዘለዋ፧
2 ትሕዝቶኣ፦ ኣርእስታን ንኡስ ኣርእስትታታን ኣብ እዋን ምይይጥ ንብዓል ቤት ንምሕታት ኪኸውን ተባሂሉ ብመልክዕ ሕቶ እዩ ቐሪቡ። ብዓል ቤት ብቐጥታ ኻብ ቃል ኣምላኽ ገንጺሉ ምእንቲ ኺመሃር፡ ቀንዲ ቐንዲ ጥቕስታት ተሓቢሩ ደኣ እምበር ሓሳባቱ ኣይተጠቕሰን። ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኴንካ ንምምይያጥ ንኽጥዕም ተባሂሉ፡ ሕጽር ሕጽር ዝበለ ሕጡብ ጽሑፋት ከም ዚህልዋ እዩ ተገይሩ። ነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ዘርእስታ መጽሓፍ ትጠቅስ እያ፣ እዚ ኸኣ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋናት ነቲ መጽናዕቲ ናብታ መጽሓፍ ምእንቲ ኸተሰጋግሮ እዩ።
3. ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከለና፡ በታ ሓዳስ ዓንቀጽ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኴንና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ብኸመይ ከም እትጥቀመላ፦ መጽሔታት ክትዕድል ከለኻ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እታ ዓንቀጽ ዘተኰረ ተገዳስነት ዜልዕል ሕቶ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ናይ 1 ጥሪ ሕታም፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ትገልጽ እያ። ከምዚ ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ፦ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ ወይስ ከም ጽቡቕ መጽሓፍ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዚገልጽ ኣገዳሲ ሓሳባት ኬርእየካ።” ነታ ቐዳመይቲ ሕቶ ኣርእዮ፡ ነታ ቐዳመይቲ ሕጡብ ጽሑፍ ኣንብበሉ፡ ነቲ ተሓቢሩ ዘሎ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ገንጺልካ ኣንብበሉ። ነታ ሕቶ እንደገና ኣንብባ፡ ነቲ ብዓል ቤት ከኣ ሓሳባት ኪህብ ሕተቶ። ነቲ ቝጽሪ ዘለዎ ሕቶታት ተጠቒምካ ኸከም ኵነታቱ ብዝሕ ዝበለ ነጥብታት ተመያየጥ። ቅድሚ ምኻድካ፡ ነታ ቐጺላ ዘላ ሕቶ ኸም ዜቕልበላ ግበር እሞ ተመሊስካ ንኽትመያየጠላ መደብ ግበር። እታ እትቕጽል ሕታም ክሳዕ እተምጽኣሉ፡ ሰሙን ሰሙን እናተመላለስካ ዝያዳ ሕጡብ ጽሑፋት ተመያየጥ። ካልእ ኣማራጺ ኸኣ ቀጥታዊ ኣቀራርባ ተጠቒምካ፡ ነቲ ብዓል ቤት መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጽንዕ ምሕታቱ እዩ። ቀጺልካ፡ ነቲ ዓንቀጽ ተጠቒምካ መጽናዕቲ ጀምረሉ።
4. ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ከለና፡ ነታ ሓዳስ ዓንቀጽ ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧
4 ነዛ ሓዳስ ዓንቀጽ እዚኣ ብስሩዕ መገዲ መጽሔታት ንምዕዳልን ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባርን እውን ክትጥቀመላ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ኽትብል ትኽእል ኢኻ፦ “ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ሓዳስ ዓንቀጽ ወጺኣ ኣላ። ብኸመይ ከም እትጥቀመላ ኸርእየካ።” እዛ ሓዳስ ዓንቀጽ እዚኣ ንብዙሓት ሰባት ‘ናብ ፍልጠት ሓቂ ኺመጹ’ ንኽትሕግዞም ጸሎትና እዩ።—1 ጢሞ. 2:4።