ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ እትወጽእ ሓዳስ ዓንቀጽ
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ ኣብታ ናይ መጀመርታ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር፡ ነታ “ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር” ዘርእስታ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ እትወጽእ ዝነበረት ተኸታታሊት ዓንቀጽ ኢና እንጥቀም ኔርና። ካብ ለካቲት ጀሚሩ፡ እታ ተኸታታሊት ዓንቀጽ በታ “መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስታ ሓዳስ ተኸታታሊት ዓንቀጽ ክትትካእ እያ፣ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ እታ ሕታም ህዝቢ ኽትወጽእ እያ። ነዛ “መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ በቲ ነታ “ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር” እትብል ዓንቀጽ እንጥቀመላ ዝነበርና መገዲ ኽንጥቀመላ ንኽእል ኢና። (km 12/10 ገጽ 2) ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኸም ቀደሙ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ ኣብታ ናይ መጀመርታ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተጀምር ዜርኢ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ሒዙ ኺወጽእ እዩ።