መደብ 7 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
7 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 9ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 15 ¶8-12፡ ኣብ ገጽ 118 ዘላ ሳጹን (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ማቴዎስ 1-6 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ማቴዎስ 5:21-32 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸበባ ተሓታቲ መን እዩ፧—td 34ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ የሆዋ “ግዴኻ” ኸም ዚኸውን ምግባር እንታይ ማለት እዩ፧—ዘሁ. 18:20 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ኣብ ጥሪ መጽሔታት ንምዕዳል ዚጠቅም ሓሳባት። ምይይጥ። እተን መጽሔታት ኣብ ክልኹም ሰፊሕ ተቐባልነት ኪህልወን ዚኽእለሉ ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ፡ ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ግምቢ ዘብዐኛ ተጠቒሞም እንታይ ተገዳስነት ዜለዓዕል ሕቶ ኺሓትቱ ኸም ዝሓሰቡን ነየነይቲ ጥቕሲ ኼንብቡ ኸም ዝወሰኑን ኪገልጹ ዓድሞም። ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ንቕሑ! እውን ከምኡ ግበር፣ ግዜ እንተ ኣልዩ ድማ ካብ ሓዲኡ መጽሔት ካልእ ዓንቀጽ ወስኽ። ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ ንጹህ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንየሆዋ የኽብሮ። ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ። የሆዋ ቕዱስ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ህዝቡ ንኣካላዊ ንጽህና ቐዳምነት ኪህብዎ ኣለዎም። (ዘጸ. 30:17-21፣ 40:30-32) ንቦታ ኣምልኾና በብእዋኑ ነጽርዮን ንጽግኖን እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ኽብሪ ነምጽኣሉ ኢና። (1 ጴጥ. 2:12) ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እተገብረሉ ጽቡቕ ኣተሓሕዛ፡ ኣብቲ ማሕበረሰብ ጽቡቕ ምስክርነት ከም ዝዀነ ዚሕብር ኣብቲ ኸባቢ እተረኽበ ወይ ኣብ ጽሑፋት ዝወጸ ተመክሮታት ኣዘንቱ። ነቲ ንጽሬትን ንጽገናን ዚከታተል ሓው ብዛዕባ እቲ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ መሰናድዎ ቓለ መጠይቕ ግበረሉ። ኵላቶም ነቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብንጽህና ኣብ ምሓዝ እጃሞም ኬበርክቱ ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 13ን ጸሎትን