ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 31 ታሕሳስ 2012 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። ኣስፋሕቲ ኣብ ሰሰሙን፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኪዳለዉ ኸለዉ ኣብ ዚገብርዎ ምርምር ምእንቲ ኺሕግዞም፡ ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ዚቐርበሉ ዕለት ተሓቢሩ ኣሎ።
1. እቲ ብዛዕባ መጥቃዕቲ ሓሸራታት ዚገልጽ ኣብ ዮኤል 2:1-10, 28 ተመዝጊቡ ዚርከብ ትንቢት እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧ [5 ሕዳ.፡ w07 1/10 ገጽ 13 ሕ.ጽ. 1]
2. ኣሞጽ 8:11 ኣብ መን እያ እትውዕል፧ ንሕና ግና ኣብ ውሽጢ መንፈሳዊ ብልጽግና ስለ እንርከብ፡ ንርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትታ ዘሎና፧ [12 ሕዳ.፡ jd-E ገጽ 60-61 ሕ.ጽ. 9]
3. ኤዶማውያን ንኺዕበዩ ዝገበሮም እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ነየናይ ሓቂ ኢና ግና ፈጺምና ኽንርስዕ ዘይብልና፧ (ኦብ. 3, 4) [19 ሕዳ.፡ w07 1/11 ገጽ 14 ሕ.ጽ. 1]
4. የሆዋ ነቲ ኣብ ነነዌ ኼውርዶ ምዃኑ እተዛረበሉ መዓት እተጠዓሰሉ በየናይ መገድታት እዩ፧ (ዮና. 3:8, 10) [19 ሕዳ.፡ w07 1/11 ገጽ 15 ሕ.ጽ. 1]
5. ብስም ኣምላኽ ምምልላስ፡ ነቲ ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ኬደልድሎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ሚክ. 4:5) [26 ሕዳ.፡ jd-E ገጽ 88 ሕ.ጽ. 12]
6. ፍጻሜ እቲ ኣብ ናሆም 2:6-10 ተመዝጊቡ ዚርከብ ትንቢት እንታይ መረጋገጺ እዩ ዚህበና፧ [3 ታሕ.፡ w07 15/11 ገጽ 9 ሕ.ጽ. 2፣ w88-E 15/2 ገጽ 28 ሕ.ጽ. 7]
7. ትርጕም እቲ ኣብ ሃጌ 1:6 ዚርከብ ቃላት እንታይ እዩ፧ ካብዚ ኽንወስዶ ዘሎና ትምህርቲኸ እንታይ እዩ፧ [10 ታሕ.፡ w06 15/4 ገጽ 22 ሕ.ጽ. 12-15]
8. ነቲ ኣብ ዘካርያስ 7:10 ተመዝጊቡ ዚርከብ “ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ እከይ ኣይሕሰበሉ” ዚብል ግብራዊ ምኽሪ ኽንትግብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ [17 ታሕ.፡ jd-E ገጽ 113 ሕ.ጽ. 6፣ w07 1/12 ገጽ 11 ሕ.ጽ. 3]
9. እተን ኣብ ዘካርያስ 4:6, 7 ዚርከባ ቓላት፡ ነቶም ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ኣምለኽቲ የሆዋ ዜጸናንዓኦም ስለምንታይ እየን፧ [17 ታሕ.፡ w07 1/12 ገጽ 11 ሕ.ጽ. 1]
10. ነቲ ኣብ ሚልክያስ 3:16 ተገሊጹ ዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ንኽሕሉ ኣብ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ክንጸንዕ ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧ [31 ታሕ.፡ w07 15/12 ገጽ 29 ሕ.ጽ. 3]