ምዕዳል መጽሔት ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትቅይሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
1. መጽሔታት ከነበርክት ከለና ሸቶና እንታይ እዩ፧
1 ብሓፈሻ: ቀዳም ቀዳም መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ኢና እንዕድል። እዚ ግን ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ሓቂ ንምምሃር እንገብሮ ቐዳማይ ስጕምቲ ጥራይ እዩ። ኣብ ታሕቲ ነቶም ተመላሊስካ ምብጻሕ እንገብረሎም ሰባት ብኸመይ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ከም እነበርክትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እነጀምርን ዚገልጽ ሓሳባት ኣሎ። ነዚ ሓሳባት እዚ ምስ ክልኻ ብዚሰማማዕ መገድን ብናትካ ኣበሃህላን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ውጽኢታዊ ዀይኑ ዝረኸብካዮ ኻልእ ኣቀራርባ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ።
2. ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ዘሎ መእተዊ ገጻት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧
2 ነቲ መእተዊ ገጻት ተጠቐም:- ተመሊስካ ኽትበጽሕ ከለኻ ኸምዚ ኽትብል ትኽእል:- “እተን ዝገደፍኩልካ መጽሔታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እየን ዜተኵራ። መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት እሞ ኣስተብህል።” ኢሳይያስ 48:17, 18፣ ዮሃንስ 17:3 ወይ ካልእ ዚሰማማዕ ጥቕሲ ኣንብብ። ብድሕሪኡ: ምስታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ምስ ኣላለኻዮን ሓንቲ ቕዳሕ ምስ ሃብካዮን ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ሓቂ ተስፋ ይህብና እዩ።” ነቲ ብዓል ቤት ገጽ 4-5 ኣርኢኻ: “ካብዚ ኣብዚ ዘሎ መብጽዓታት ኣየናይ ኪፍጸም ትደሊ፧” ኢልካ ሕተቶ። ነታ ዝመረጻ ቕዱስ ጽሑፋዊ መብጽዓ እትገልጽ ምዕራፍ ኣርእዮ: ፍቓደኛ እንተ ደኣ ዀይኑ ድማ ንሓንቲ ወይ ክልተ ሕጡብ ጽሑፍ ኣሕጽር ኣቢልካ ተመያየጠለን።
◼ ወይ ከምዚ ኽትብል ትኽእል ኢኻ:- “መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶታት ይምልስ እዩ።” ነቲ ብዓል ቤት ገጽ 6 ኣርኢኻ ነቲ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል እታ ገጽ ዚርከብ ሕቶታት ሓሲቡሉ ዚፈልጥ እንተ ዀይኑ ሕተቶ። ናብታ ነታ ሕቶ እትምልስ ምዕራፍ ገንጺልካ ንሓንቲ ወይ ክልተ ሕጡብ ጽሑፍ ኣሕጽር ኣቢልካ ተመያየጠለን።
◼ ወይ ድማ ኣብ ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ካብ ዘሎ ገለ ኣርእስታት ጠቒስካ: ኣየነይቲ ኣርእስቲ ኸም እተገድሶ ሕተቶ። ናብታ ምዕራፍ ገንጺልካ ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚግበር ኣርእዮ።
3. (ሀ) ብዛዕባ እናኸፍኣ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት ዓለም: (ለ) ብዛዕባ ስድራቤት: (ሐ) ብዛዕባ ሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ: ዚዛረብ መጽሔታት ድሕሪ ምዕዳልና ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምር ንኽእል፧
3 ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕካ ሕቶ ገዲፍካሉ ኺድ:- ካልእ ኣማራጺ ድማ ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕካ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ዜኽእል መሰረት ምንባር እዩ። እቲ ብዓል ቤት ነቲ መጽሔታት ምስ ተቐበለካ: ሕቶ ኣልዒልካ ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕካ ኸም እትምልሰሉ ንገሮ። ተመሊስካ እትመጸሉ ውሱን ቈጸራ ግበር: ኣብ ቈጸራኻ ድማ ተረኸብ። (ማቴ. 5:37) ተመሊስካ ምስ መጻእካ: ነቲ ብዓል ቤት እታ ሕቶ ኣዘክሮ: ካብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ዚርከብ መልሲ ኣሕጽር ኣቢልካ ኣንብብን ተመያየጠሉን። ምእንቲ ኺከታተለካ ቕዳሕ እታ መጽሓፍ ሃቦ። እንታይ ከም እትብል ድማ ሒደት ኣብነታት እንሆ:-
◼ እታ ዘበርከትካያ መጽሔት ብዛዕባ እዚ እናኸፍኣ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት ዓለም ትዛረብ እንተ ደኣ ዀይና: ከምዚ ኽትብል ትኽእል ኢኻ:- “ኣብ ዚመጽእ: ‘ኣምላኽ ኣብ ምድሪ እንታይ ለውጥታት ኬምጽእ እዩ፧’ ንእትብል ሕቶ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መልሲ ኽንመያየጠሉ ኢና።” ተመሊስካ ኽትበጽሖ ኸለኻ ገጽ 4-5 ተመያየጠሉ። ወይ “ዜሕዝን ነገር ኬጋጥመናስ ፍቓድ ኣምላኽ ድዩ፧” ኢልካ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ተመሊስካ ኽትበጽሖ ኸለኻ ነቲ ብዓል ቤት ኣብ ምዕራፍ 1 ሕጡብ ጽሑፍ 7-8 ኣርእዮ።
◼ እታ ዘበርከትካያ መጽሔት ብዛዕባ ስድራቤት ትዛረብ እንተ ደኣ ዀይና: ካብቲ ብዓል ቤት ቅድሚ ምፍላይካ እዛ ሕቶ እዚኣ ኸተልዕል ትኽእል ኢኻ:- “ሕጉስ ናብራ ስድራቤት ንምህላው ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ስድራቤት እንታይ ኪገብር ይኽእል፧” ምስ ተመለስካ: ምዕራፍ 14 ሕጡብ ጽሑፍ 4 ተመያየጠላ።
◼ እታ ዘበርከትካያ መጽሔት ብዛዕባ ሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ ትዛረብ እንተ ደኣ ዀይና: ንዚቕጽል ምይይጥካ ነዛ ሕቶ እዚአ ኸተልዕል ትኽእል ኢኻ:- “መጽሓፍ ቅዱስ ብስነ-ፍልጠታዊ መዳይ ልክዕ ድዩ፧” ተመሊስካ ኽትበጽሖ ኸለኻ: ንምዕራፍ 2 ሕጡብ ጽሑፍ 8 ተመያየጠላ።
4. እቲ ብዓል ቤት ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ምቕባል እንተ ደኣ ኣብዩ: እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧
4 ኣብ መዛዘሚ ነፍሲ ወከፍ ምይይጥ: ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕካ እትምልሶ ኻልእ ሕቶታት ኣበጊስካ ኺድ። ሓንሳእ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተጀመረ: ነታ መጽሓፍ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽንዕዋ። እቲ ብዓል ቤት ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ምስ ዘይቅበለካኸ፧ መጽሔታት ምብጻሕን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ ምግባርን ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። ተገዳስነቱ ኸም ዚዓቢ ምስ ገበርካ: ድሕሪ ግዜ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ይሰማማዕ ይኸውን።
5. መጽሔታት ካብ ምዕዳል ንላዕሊ ኽንገብር እንጽዕር ስለምንታይ ኢና፧
5 መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ንሓደ ሰብ: መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ትምህርቲ ንኺፍልጥ ባህጊ ኼለዓዕለሉ ይኽእል እዩ። ስለዚ: ነቶም መጽሔታት ዚቕበሉ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ግበር። በዚ ኸምዚ: ነቲ የሱስ “እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ዝሃበና ትእዛዝ ንሕሉ።—ማቴዎስ 28:19, 20