ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣበርክት
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ፡ ንመምሃሪ እንጥቀመላ ቐንዲ ንዋትና እያ። ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ንኺፈልጡ እንጥቀመላ ጽሕፍቲ እያ። ይኹን እምበር፡ በዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣቢልና ንሓደ ሰብ መጽናዕቲ ኽንመርሓሉ ቕድሚ ምጅማርና፡ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ሰብ ክንህቦ ኣሎና። ስለዚ፡ ኵላትና ነዛ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣብ ምብርካት ክኢላታት ንምዃን ክንጽዕር ይግብኣና። (ምሳ. 22:29) ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ንምብርካት ብዙሕ ኣማራጺታት ስለ ዘሎ፡ ኣስፋሕቲ ንዓታቶም ዚሰማማዕ ኣማራጺ ኺጥቀሙ ኣለዎም። ቀጺሉ፡ ኪሕግዝ ዚኽእል እተወሰነ ሓሳባት ቀሪቡ ኣሎ።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነዚ ፈትኖ፦
ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትካ፡ ነዚ ተለማመደሉ።
ኣብ ኣገልግሎት ከለኻ፡ እንታይ ክትብል ከም ዝሓሰብካ ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ኣካፍሎም። (ምሳ. 27:17) መእተዊኻ ውጽኢታዊ እንተ ዘይኰይኑ፡ ቀይሮ።