ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ተጠቒምካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚምራሕ ኣርኢ
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፦ ሓያሎ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኸም እንመርሕ ክንነግሮም ከለና፡ እንታይ ማለትና ምዃኑ ኣይርድኦም ይኸውን። ኣባል ሓንቲ ጕጅለ መጽናዕቲ ኪዀኑ፡ ወይ ከኣ ብምልእኣኽ ኪመሃሩ ኸም ዘለዎም ኰይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትመርሓሎም ኣብ ክንዲ እትሓትቶም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚምራሕ ንምንታይ ዘይተርእዮም፧ ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኴንካ እውን ከይተረፈ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ቀሊልን ባህ ዜብልን ከም ዝዀነ ኸተርእዮ ትኽእል ኢኻ።
እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
• ነቲ ብዓል ቤት ምስ ተላለኻዮ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዜተሓሳስቦ እንተ ዀይኑ ሕተቶ።
• ንሓያሎ ሰባት ተመሳሳሊ ነገራት ከም ዜተሓሳስቦም ድሕሪ ምጥቃስካ፡ ነቲ ኣብ ገጽ 2 ዚርከብ ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣርእዮ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ብዛዕባ መጻእን ካልእ ርእሰ ነገራትን ዚገልጽ ብቕልል ዝበለ መገዲ እተዳለወ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘለዋ ድሕሪ ምግላጽካ፡ ኣየነይቲ ምዕራፍ ከም እተገድሶ ሕተቶ።
• ሓንቲ መጽሓፍ ብምሃብ፡ ነታ ዝመረጻ ምዕራፍ ኣርእዮ። መልሲ እተን ኣብ መእተዊ እታ ምዕራፍ ዘለዋ ሕቶታት፡ ኣብተን ዚስዕባ ሕጡብ ጽሑፋት ከም ዚርከባ ግለጸሉ።
• ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ እቲ ብዓል ቤት ነታ ቐዳመይቲ ሕጡብ ጽሑፍ ኬንብባ ሕተቶ። ድሕሪኡ፡ ነታ ሕቶ ሕተቶ እሞ፡ መልሳ ሓቢርኩም ርኣይዎ። ነቲ መልሲ ዚድግፍ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብኩም ከኣ ተመያየጡሉ። ነቲ መልስታት ብኸመይ ከም ዘስመርካሉ ኻብ መጽሓፍካ ኣርእዮ።
• ነታ ቐጺላ ዘላ ሕጡብ ጽሑፍ ተመያየጡላ፣ እቲ ብዓል ቤት ነታ ሕቶ ብናቱ ቓላት ንኺምልሳ ኣተባብዓዮ።
• ነቲ ብዓል ቤት ንኣዶ፣ ነቲ ዝጀመርኩምዎ ርእሰ ነገር ምእንቲ ኽትውድእዎ ድማ ተመሊስካ ንኽትመጽእ ቈጸራ ግበር።
• ዚጥዕም እንተ ዀይኑ፡ ነታ ኣብ jw.org/ti እትርከብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚምራሕ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኣርእዮ።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነዚ ፈትኖ፦
• ሓድሽ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ፡ የሆዋ ኺባርኸካ ጸሊ።—ፊል. 2:13።
• ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽትሳተፍ ከለኻ፡ እንተ ወሓደ ሓንሳእ በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ተጠቒምካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚምራሕ ኣርኢ ወይ ነታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚምራሕ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኸተርኢ ፈትን።