ኣብ ፈለማ ምብጻሕ፡ መጽናዕቲ ብኸመይ ከም ዚግበር ኣርኢኻዶ፧
ገሊኦም ሰብ ቤት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሎም ምስ ተሓተቱ፡ ከም ዘይደልዩ ወይ ከኣ ኣብ ቤተ-ክርስትያኖም መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜጽንዑ ይገልጹ እዮም። ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ቐደም ዚፈልጥዎ ስለ ዜተሓሕዝዎ፡ ክሳዕ ክንደይ ዜነቓቕሕን ባህ ዜብልን ምዃኑ ኣይፈልጡን እዮም። ስለዚ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓሎም ኣብ ክንዲ እትሓቶም፡ ንምንታይ ኣብ ፈለማ ምብጻሕካ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ኣብ ውሽጢ እተወሰነ ደቓይቕ ዘይተርእዮም፧ ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ንፉዕ ኸሻኒ ኸም ዝዀንካን ካልእ መዓልቲ ምግቢ ሒዝካሎም ኸም እትመጽእን ጥራይ ኣብ ክንዲ እትነግሮም፡ ሽዑ ንሽዑ ኣጥዕሞም። በቲ ኣብ ናይ ጥሪ 2006 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 6 ዚርከብ ኣቀራርባ ተመርኲስካ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ከምዚ ዚስዕብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፦
“እዘን ቃላት እዚኣተን ዚፍጸማሉ እዋን ዚመጽእዶ ይመስለካ፧ [ኢሳይያስ 33:24 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ።] ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ፡ ሓደ ባህ ዜብል ነገር ከርእየካ።” ነቲ ብዓል ቤት መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ድሕሪ ምሃብ፡ ኣብ ገጽ 36፡ ሕጡብ ጽሑፍ 22 ኣርእዮ። ኣብታ ገጽ እቲኣ፡ ኣብ ታሕቲ እትርከብ ሕቶ ኣንብበሉ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ ሕጡብ ጽሑፍ ከተንብበሉ ኸለኻ ኻብኡ መልሲ ኺረክብ ንገሮ። ንባብ ምስ ወዳእካ፡ መሊስካ ነታ ሕቶ ሕተቶ፣ ዚህበካ ሓሳባት እውን ስማዕ። ቀጺልካ፡ ኣብኡ ዘሎ ኻልእ ጥቕስታት ኣንብበሉ። ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕካ እትምልሳ ሕቶ ኣበግስ፣ ቈጸራ ድማ ግበር። ከምዚ እንተ ጌርካ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀሚርካ ኺበሃል ይከኣል እዩ።