(1) ሕቶ: (2) ጥቕሲ: ከምኡውን (3) ምዕራፍ
ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ክንዕድለሉ እንኽእል ቀሊል መገዲ (1) እቲ ሰብ ኣረኣእያኡ ኺገልጽ ዜኽእሎ ሕቶ ብምሕታት: (2) ምስቲ ዅነታት ዚሰማማዕ ጥቕሲ ብምንባብ: ከምኡውን (3) ነቲ ኣብ ትሕቲ ኣርእስቲ እታ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እትመያየጥ ኣብታ መጽሓፍ እትርከብ ምዕራፍ ዘሎ ናይ መእተዊ ሕቶታት ብምንባብ እዩ። እቲ ብዓል ቤት ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ: ነቲ ናይ መጀመርታ ቝጽርታት እታ ምዕራፍ ተጠቒምካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ከተርእዮ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣገባብ እዚ ተጠቒምካ ኣብ ናይ መጀመርታ ምብጻሕካ ይኹን ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ መጽናዕቲ ኽትጅምር ትኽእል ኢኻ።
◼ “ልክዕ ከምዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ: ሰባት ነቲ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪና ኺፈልጥዎ ዚኽእሉዶ ይመስለካ፧” ግብሪ ሃዋርያት 17:26, 27 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ምስ ምዕራፍ 1 ኣላልዮ።
◼ “ነዚ ሎሚ ዜጋጥመና ዘሎ ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታው: ነቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ምጽንናዕን ተስፋን ክንረኽቦ እንኽእልዶ ይመስለካ፧” ሮሜ 15:4 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ምስ ምዕራፍ 2 ኣላልዮ።
◼ “ክእለት እንተ ዚህልወካ: ነቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ለውጥታት መምጻእካዶ፧” ራእይ 21:4 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ምስ ምዕራፍ 3 ኣላልዮ።
◼ “ደቅና ነቲ ኣብዚ ናይ ጥንቲ መዝሙር ተገሊጹ ዘሎ ዅነታት ኬስተማቕሩ ዚኽእሉዶ ይመስለካ፧” መዝሙር 37:10, 11 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ምስ ምዕራፍ 3 ኣላልዮ።
◼ “እዘን ቃላት እዚኣተን ዚፍጸማሉ እዋን ዚመጽእዶ ይመስለካ፧” ኢሳይያስ 33:24 (ትርጕም 1990) ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ምስ ምዕራፍ 3 ኣላልዮ።
◼ “ምዉታት: ህያዋን እንታይ ይገብሩ ኸም ዘለዉ ዚፈልጡዶ ይመስለካ፧” መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ መክብብ 9:5 ኣንቢብካ ምስ ምዕራፍ 6 ኣላልዮ።
◼ “ከምቲ የሱስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዝበሎ: ነቶም ብሞት እተፈልዩና እነፍቅሮም ሰባት ንረኽቦምዶ ይመስለካ፧” ዮሃንስ 5:28, 29 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ምስ ምዕራፍ 7 ኣላልዮ።
◼ “ከምቲ ኣብታ ኣቡነ-ዘበሰማያት እትበሃል ፍልጥቲ ጸሎት ተጠቒሱ ዘሎ: ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ንኪኸውን እንታይ የድሊ ምበልካ፧” ማቴዎስ 6:9, 10 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ምስ ምዕራፍ 8 ኣላልዮ።
◼ “ኣብዚ ብትንቢት ተገሊጹ ዘሎ እዋን ንነብር ዘለናዶ ይመስለካ፧” 2 ጢሞቴዎስ 3:1-4 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ምስ ምዕራፍ 9 ኣላልዮ።
◼ “ብዙሓት ሰባት በዚ እናገደደ ዚኸይድ ዘሎ ሽግራት ደቅሰብ ይግረሙ እዮም። እዚ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት ነዚ መልሲ ዚኸውንዶ ይመስለካ፧” ራእይ 12:9 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ምስ ምዕራፍ 10 ኣላልዮ።
◼ “ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ዚኸውን መልሲ ኽትረክብ ምደለኻዶ፧” እዮብ 21:7 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ምስ ምዕራፍ 11 ኣላልዮ።
◼ “ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል: ሰባት ሕጉስ ስድራቤት ንኺህልዎም ዚሕግዝዶ ይመስለካ፧” ኤፌሶን 5:33 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ምስ ምዕራፍ 14 ኣላልዮ።
ድሕሪ እታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ነቲ ሰብ ዘርኣኻሉ እዋን: ክልተ ሳዕ መጽናዕቲ እንተ መሪሕካሉ ኸምኡውን ዚቕጽል መሲሉ እንተ ተራእዩካ ጸብጻብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትህበሉ ትኽእል ኢኻ።