31 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
31 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 2 ሳሙኤል 16-18
ቍ. 1፦ 2 ሳሙኤል 17:1-13
ቍ. 2፦ የሱስ “ጐይታ ሰንበት” እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧ (ማቴ. 12:8)
ቍ. 3፦ td 27ሀ ተስፋ ምዉታት
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ “ኣብ ፈለማ ምብጻሕ፡ መጽናዕቲ ብኸመይ ከም ዚግበር ኣርኢኻዶ፧” መደረ። ነቲ ኣብታ ዓንቀጽ ዚርከብ ርእይቶ ድሕሪ ምግላጽካ፡ ብመርኣያ ኣቕርቦ።
20 ደቒቕ፦ “ንሓደስቲ ሰባት ብኸመይ ከም ዚሰብኩ ኣሰልጥኖም።” ብሕቶን መልስን ዚቐርብ ምይይጥ። ንሕጡብ ጽሑፍ 5 ምስ ተመያየጥኩምላ፡ ሓደ ሽማግለ ምስ ሓድሽ ኣስፋሒ ኺዓዪ ኸሎ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። እቲ ሓድሽ ኣስፋሒ ንኣቀራርባኡ ተጠቒሙ ንሓደ ብዓል ቤት እኳ እንተ ኣዘራረበ፡ ጥቕሲ ግን ኣየንበበን። ነቲ ብዓል ቤት ኣዘራሪቦም ምስ ወድኡ፡ እቲ ሽማግለ ነቲ ሓድሽ ኣስፋሒ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀም ብሜላን ብሕያውነትን ይነግሮ።