ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/94 ገጽ 3-4
  • ብስርዓታዊ ልማድ እናዓቤኹም ቀጽሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብስርዓታዊ ልማድ እናዓቤኹም ቀጽሉ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ርእሲ ስድራቤታት—ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ይሃልኹም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ንየሆዋ ወትሩ ተገልግሎ ዲኻ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • መንፈሳዊ ዕቤት ምግባር ቀጽል!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ጽቡቕ ልማድ ኣማዕብል: ብዙሕ በረኸት ድማ ዕጸድ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
km 8/94 ገጽ 3-4

ብስርዓታዊ ልማድ እናዓቤኹም ቀጽሉ

1 ሃዋርያ ጳውሎስ ናብታ ባዕሉ ዘቖማ ኣብ ፊልጲ ዝነበረት ጉባኤ ፍሉይ ፍቕሪ ኢዩ ነይርዎ ። ነቲ ዝገበሩሉ ስጋዊ ሓልዮ ኣመስጋኒ ኢዩ ነይሩ : ጽቡቕ ኣብነት ከም ዝኾኑውን ተዛሪቡሎም ኣሎ ። — 2 ቈ⁠ረ. 8 : 1 – 6

2 እታ ንሰብ ፊልጲ እተጻሕፈት ናይ ጳውሎስ ደብዳበ ብዓሚቍ ፍቕሪ ዝተደረኸት ኢያ ነይራ ። እታ ኢንሳይት እትብሃል መጽሓፍ ጥራዝ 2 ገጽ 631 ከምዚ ትብል :- “ኣብ ብምልእታ እታ ደብዳበ ንጉባኤ ፊልጲ በቲ ጽቡቕ መገዲ እናቀጸሉ ዝያዳ ምርዳእ ክደልዩን ነቲ ቃል ህይወት ኣጽኒዖም ክሕዝዎ ከረጋግጹን : ድልዱል እምነት ክህልዎምን ናብቲ ዓስቢ ኸኣ ተስፋ ክገብሩን ኢዩ ዘተባብዖም ።” ኣብ መንጎኦምን ሃዋርያ ጳውሎስን ነቲ ማእሰር ፍቕሪ ብምጽንዖም ድማ ብምዉቕ ስምዒት መለሹሉ ። ናይ ጳውሎስ ቃላት : ብፍላይ እቲ ኣብ ፊልጲ 3 : 15 – 17 ተመዝጊቡ ዘሎ ምዕዶ ተጠንቂቕና ከነቕልበሉ ዘእምን ምኽንያት ስለ ዝህበና ሕጂ ንዓና ፍሉይ ትርጉም ኢዩ ዘለዎ ።

3  ብስለት ዘለዎ ናይ ኣእምሮ ኣረኣእያ ኣድላዪ ኢዩ :- ኣብ ፊልጲ 3 : 15 ጳውሎስ ከም ናይ ብዙሕ ዓመታት ተሞክሮ ዘለዎ ኮይኑ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ ። ነቲ ናይ ሰብ ፊልጲ መንፈሳዊ ምዕባለ ኣፍልጦ እናሃበ ከም ቅኑዕ ናይ ኣእምሮ ኣረኣእያ ዘለዎም ብሱላት ክርስትያናት ገይሩ ኢዩ ቀሪብዎም ። ናይ ኣእምሮኦም ኣረኣእያ ነቲ ብየሱስ ዝተራእየ ትሕትናን ሞሳን እንተድኣ ኣንጸባሪቑ ‘ነቲ ቃል ህይወት ኣጽኒዖም ብምሓዝ : መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ’ ኮይኖም ክቕጽሉ ይኽእሉ ኢዮም ። (ፊል. 2 : 15, 16) ነተን ናይ ጳውሎስ ቃላት ከነንብብ ከሎና : ንዓና ዝዛረበና ዘሎ ኮይኑ ክስመዓና ኣለዎ ። ስለዚ ነቲ ዘሎና ፍሉይ መሰል ትሕት ኢልና ብሞሳ ክንርእዮን ከምቲ የሱስ ዝነበሮ ዓይነት ኣተሓሳስባ ክህልወናን ልባዊ ድልየት ኢዩ ዘሎና ። የሆዋ ኣብዝን ኣብ ካልእ ነገራትን ክሕግዘና ከየቋረጽና ብጸሎት ንቅረቦ ኢና ። — ፊል. 4 : 6, 7

4 ፊልጲ 3 : 16 ከም ዝሕብሮ ኩላትና ዕቤት ከነርኢ ክንጽዕር ይግብኣና ። እታ “ዕቤት” እትብል ቃል ትርጕማ “ንቕድሚት ገጽካ ምድፋእ : ምዕባለ ምርኣይ” ማለት ኢያ ። እቶም እናዓበዩ ዝኸዱ ሰባት እቶም “ኣብ ሓድሽ ሓሳባት : ርኽበታት ወይ ድማ ኣጋጣሚታት ዝግደሱ” ኢዮም ። ጳውሎስ እቶም ሰብ ፊልጲ ክርስትና ፈጺሙ ጠጠው ዘይብልን እቶም ንስዕቦ ኢና ዝብሉ ድማ ንቕድሚት ገጾም ክደፍኡ ከም ዘለዎምን ክፈልጡ ይደሊ ነበረ ። እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ መንፈሶም ገዛእ ርእሶም ክምርምሩ : ድኻሞም ክእመኑን ኣብዚሖም ክዓዩን ወይ ድማ ነቲ ዝዓይዎ ዝነበሩ ከመሓይሽዎ ኣጋጣሚታት ክደልዩ ፍቓደኛታት ብምዃኖም ኢዩ ዝግለጽ ። ሎሚ እታ ናይ የሆዋ ምድራዊት ማሕበር ዓውዲ ዕዮታታን ናይ ቃል ኣምላኽ ምርዳኣን እናኣስፍሐት ንቅድሚት እናሰጎመት ትዓቢ ኢያ ዘላ ። ነፍሲ ወከፍና ካብ ኵሉ እቲ እተገብረልና ምስንዳእ ክንጥቀምን ኣብቲ ዕዮኣ መሊእና ብምስታፍን ምስኣ ክንስጉም ይግብኣና ።

5 ዕቤት ስርዓታዊ ልማድ ክህሉ ይሓትት :- ጳውሎስ ዘረብኡ ብምቕጻል ነሕዋቱ “ብሓደ መገዲ ንመላላስ” ኢሉ ይምዕዶም ። (ፊል. 3 : 16) ስርዓታዊ ምዃን ማለት ንሰባት ይኹን ንነገራት ምስ ካልኦት ኣዛሚድካ ግቡእ ቦታኦም ምሃብን ጽቡቕ ጠባይ ክህልወካን ይሓትት ። እቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት ምስ ማሕበር የሆዋን ኣብ ነሓድሕዶምን ጠቢቖም ብምጽናዕ ግቡእ ቦታኦም ሓልዮም ኢዮም ። ህይወቶም ብናይ ፍቕሪ ሕጊ ኣግዚኦማ ኢዮም ። (ዮሃ. 15 : 17 ፣ ፊል. 2 : 1, 2) ጳውሎስ ‘ንብረቶም ንወንጌል ዝበቅዕ’ ክኸውን መዓዶም ። (ፊል. 1 : 27) ኣድላይነት ናይ ስርዓታዊ ምዃንን ጽቡቕ ጠባይን ሎሚውን ንክርስትያናት ኣገዳሲ ኢዩ ።

6 ልማድ ናይ ሓደ ቅቡል ዝኾነ ኣገባብ ወይ ዕዮ ተደጋጋሚ ፍጻሜ ኢዩ ። ስለዚ ነገራት ብንቡር መገዲ ጌርካ ምዕያይ ምስዝብል ሓሳብ ኣዝያ ዝተቐራረበት ኢያ ። ልማድ ክህልወና ንጥቕምና ክዓዪ ይኽእል ኢዩ : ምኽንያቱ ኣቐዲምና ሓደ ቅቡል ዝኾነ ኣገባብ ንኽተል ስለ ዘሎና ብዛዕባ ናይ ዝመጽእ ስጉምትና ውሳኔ ክንገብር ጠጠው ክንብልን ክንሓስብን ኣየድልየናን ኢዩ።

7 ስርዓታዊ ቲኦክራቲካዊ ልማድ ምሉእን ጠቓምን ኣምላኻውን ዝኾነ ኣመልን ኣገባብን ኢዩ : ዕላምኡ ድማ ገዛእ ርእስና ብመንፈስ እንሃንጸሉ : ካልኦት እንሕግዘሉን እንተተኻኢሉ ድማ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ እንዓየሉን ኢዩ ። ነዞም ሸቶታት እዚኣቶም ክትዕወተሎም ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ : ስርዓታዊ ኴንካ ኣብ ኣኼባታት ምክፋልን ኣብ ዕዮ ስብከት ምክፋልን ዘጠቓለለ ልማድ ምቋምን ምዕቃቡን የድሊ ።

8 ኣብ ስርዓታዊ ልማድ ዘድልዩ ነገራት :- ሓደ ካብቲ ዘድሊ ነገር ‘ፍልጠትን ምስትውዓልን’ ኢዩ ። (ፊል. 1 : 9) ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ እምነትና የዕሙቐልና : ንሓቂ ዘሎና ሞሳ የደልድለልና ሰናይ ግብሪ ክንገብር የለዓዕለና ። ይኹን እምበር ገለ ሰባት ኣብቲ ናይ ምጽናዕ ልማዶም ጽኑዓት ክኾኑ ከቢድ ኮይኑ ረኺቦምዎ ኣለዉ ። ሓደ ካብቲ ዝወሃብ ቀንዲ ምኽንያታት ሕጽረት ግዜ ኢዩ ።

9 መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ምንባብ ዝህቦ ጥቕምታት ዘተሓታትት ኣይኰነን ። መምርሒታቱ ብኹሉ መገዲ ‘ጠቓሚ’ ኢዩ ። (2 ጢሞ. 3 : 16, 17) ኣብቲ መዓልታዊ ልማድና ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ዝኸውን ግዜ ብኸመይ ክንረክብ ንኽእል ? ገሊኦም ኣእምሮኦም ንቑሕ ከሎ ንግሆ ቍሩብ ደቓይቕ ኣቐዲሞም ክትንስኡ ዝኽእሉ ምዃኖም ረኺቦምዎ ኣለዉ ። ካልኦት ድማ ምሸት ቅድሚ ምድቃሶም ቍሩብ ደቓይቕ ምንባብ ዝሓይሽ ኮይኑ ረኺቦምዎ ኣለዉ ። ኣብ ገዝአን ዝውዕላ ኣንስቲ ሓዳር ካልኦት ካብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ቅድሚ ምምላሶም ኣብ ድሕሪ ቀትሪ ቍሩብ ግዜ ክምድባ ይኽእላ እየን ። ኣብ ርእሲ እቲ ስርዓታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባቦም ገሊኦም ድማ ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ መጽናዕቲ መደቦም ነታ ኣወጅቲ እትብል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ የንብብዋ ኣለዉ ።

10 ሓደስቲ ልማዳት ክንሕዝ ከሎና ምስቶም ናይ ቅድም ዝነበሩ ልማዳትና ዝጋጨዉሉ ኣጋጣሚታት ክህሉ ይኽእል ኢዩ ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘየድልዩ ዕዮታት ነቲ ዘሎና ግዜ ንከጻብቡልና ነፍቅደሎም ኔርና ንኸውን ኢና ። ካብ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣገባብ ክትላቐቕ ቀሊል ኣይከውንን ይኸውን ። ናይ መጽናዕቲ ልማድና ብኸመይ ከም እንፍጽሞ ዝእዝዘና ዋላሓደ የለን ። ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ከም እንገብር ጸብጻብ ክንህብ ኣየድልየናን ኢዩ ። ናይ መጽናዕትና ልማድ ዘየቋርጽ ክኸውን ብዓቢኡ ነቲ ‘ዝሓይሽ ክንምርምር’ ዘሎና ባህግን “[ምቹእ ትሓዓ ] ግዜ” ክንዕድግን ካብኡ ክንጥቀምን ፍቓደኛታት ኣብ ምዃን ዝተመክሐ ኢዩ ። — ፊል. 1 : 10 ፣ ኤፌ. 5 : 16

11 ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዘድሊ መምርሕን መተባብዕን ብምሃብ ኣብ መንፈሳዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ተራ ኢዮም ዝጻወቱ ። ስለዚ ኣኼባታት ምክፋል ስርዓታዊ ልማድ ክህልወና ሓደ ካልእ ኣድላዪ ነገር ኢዩ ። ጳውሎስ ኣገዳስነት ናይዚ ኣብሪህዎ ኣሎ ። ክርስትያናዊ ኣኼባ ምክፋል ብምርጫ ዝውሰን ኣማራጺ ኣይኮነን ። — እብ. 10 : 24, 25

12 ሰሙናዊ መደብ ናይ ዕዮታትና ክንምድብ ከሎናስ ስርዓታውነትና ብኸመይ ክርአ ምተኻእለ ? ገሊኦም ንብሕታዊ ዕማሞም ግዜ ይምድቡሞ ብድሕሪኡ ነቲ ኣኼባታት ኣብቲ ዘለዎም ትርፊ ሰዓት ከጻብብዎ ይፍትኑ ። ግን ከምኡ ክኸውን ኣይግብኦን ኢዩ ። ሰሙናዊ ኣኼባታትና ቀዳምነት ተዋሂብዎም : ካልኦት ዕዮታትና ኣብቲ ኣኼባታት ዘይብሉ ግዜ ክምደቡ ኣለዎም ።

13 ስርዓታዊ ኾይንካ ኣብ ጉባኤ ምስታፍ ጽቡቕ መደብ ምግባርን ናይ ስድራቤት ምትሕብባርን የድሊ ። መብዛሕትና ኣብቲ ናይ ስራሕ መዓልታት ብመደብ ስራሕ ትሑዛት ስለ ዝኾንና ግዜ ኣዝዩ ይውሕደና ኢዩ ። ስለዚ እምበኣር ዝከኣል እንተድኣ ኮይኑ እቲ ናይ ምሸት መግቢ ቀልጢፉ ክቐርብ መደብ እንተተገይሩ እታ ስድራቤት መግቢ ክትበልዕ : ክትቅረብን ቅድሚ ምጅማሩ ናብ ኣኼባ ክትበጽሕን ዝኣክል ግዜ ክትረክብ ትኽእል ኢያ ። ኣባላት ናይ ስድራቤት ከምዚ ገይሮም ብዝተፈላለየ መግድታት ክተሓባበሩ ይኽእሉ ኢዮም ።

14 ብስርዓታዊ ልማድ እናዓበና ጸኒዕና ክንመላለስ እንተ ደኣኾይንና ስርዓታዊ ዝኾነ ግራት ኣገልግሎት ኣዝዩ ወሳኒ ኢዩ ። ኩላትና ነቲ መልእኽቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንሰብኽ ዘሎና ከቢድ ሓላፍነት ብንጹር ንርድኦ ኢና ። እዚ ኢዩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘብለና ። (ኢሳ. 43 : 10) እዚ ሕጂ ዝፍጸም ዘሎ ኣዝዩ ህጹጽን ጠቓምን ዕዮ ስለ ዝኾነ ኣብ ክፍሊ ናይ ልማድና ብኣጋጣሚ ከም ዝኣተወ ጌርና ክንርእዮ ኣይግብኣናን ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ይመኽረና :- “እምበኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኩሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና : ማለት ንስሙ ዝእመና ፍረ ኸናፍር : ነቕርብ ።” — እብ. 13: 15

15 ንነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዕዮታትና ክንምድብ ከሎና : ንግራት ኣገልግሎት ዝኸውን ውሱን ግዜ ክንፈሊ ይግብኣና ። እታ ጉባኤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብዙሕ ግዜ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ትምድብ ትኸውን ኢያ : ኣየነይቲ መዓልቲ ከም ዝሰማማዓና ውሳኔ ምግባር ጥራሕ ኢዩ ዘድልየና ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ናይቲ ኣገልግሎት ክንሳተፍ ጽቡቕ ኢዩ : ማለት ብመጽሔታትን ካልኦት ጽሑፋትን ናይ ቤተ ቤት ዕዮ ምዕያይ : ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባርን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕን ። ጽሑፋት ብምሓዝን ንዝተረኽቡ ኣጋጣሚታት ዝርርብ ንምጅማር ክንጥቀመሎም ንቑሓት ብምዃንን ናይ እግረ መገዲ ምስክርነት ክንህብ ኣቐዲምና ክንምድብ ንኽእል ኢና ። ዝበዝሕ ግዜ ናብ ግራት ኣገልግሎት ምስ ካልኦት ስለ እንኸይድ : ንኹልና ብዝጥዕም መገዲ ምእንቲ ክንምድቦ ብዛዕባ መደቦም ክንሓትት ኣድላይ ኢዩ ።

16 ኣብቲ ዞባ ዋላኳ ዘይተገዳስነት ይሃሉ እምበር ናይ ሰብከት ልማድና ክዕቀብ ኣለዎ ። እቶም ብጽቡቕ ዝቕበሉና ውሑዳት ምዃኖም ኣቐዲምና ንፈልጥ ኢና ። (ማቴ. 13 : 15 ፣ 24 : 9) ህዝቅኤል ነቶም ‘ዓለወኛታት : ተረርትን ልቦም ሓራን’ ዝኾኑ ህዝቢ ክሰብኽ ኢዩ ዝተመዘዘ ። የሆዋ ንህዝቅኤል ‘ንግንባሩ ኣንጻር ግንባሮም ብምትራር : ኸም ኣልማዝ : ካብ ብላድ ዚብርትዕ’ ብምግባር ክሕግዞ ኣተስፍዩም ነበረ ። (ህዝ. 2 : 3, 4 ፣ 3 : 7 – 9) ስለዚ ንኣገልግሎት ስርዓታዊ ልማድ ክህልወካ ጻዕሪ ይሓትት ኢዩ ።

17 ክቕድሑ ዘለዎም ጽቡቓት ኣብነታት :- መብዛሕትና ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝመርሓና ምስ ዝህሉ ጽቡቕ ኢና እንሰርሕ ። ጳውሎስን ብጾቱን ጽቡቕ ኣብነት ገዲፎም ኣለዉ : ካልኦት ክቐድሕዎ ድማ ተላብዩዎም ኣሎ ። (ፊል. 3 : 17) እቲ ልማዱ ብምሉኡ ብመንፈስ ድልዱል ክኸውን ዘድልይዎ ረቋሒታት ዘማልአ ኢዩ ነይሩ ።

18 ሎሚ’ውን እንተኾነ ብሰናይ ዝኾኑ ኣብነታት ተባሪኽና ኢና ። ኣብ እብራውያን 13 : 7 ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ይምሕጸን :- “ነቶም . . . መራሕትኹም ዘክርዎም : መወዳእታ ንብረቶም እናተቋመትኩም : ኣስኣሰር እምነቶም ሰዓቡ ።” ልክዕ’ዩ ክርስቶስ እኳ ኣርኣያና እንተኾነ ንእምነት ናይቶም መራሕትና ክንቀድሖ ንኽእል ኢና ። ሽማግለታት ልክዕ ከም ጳውሎስ ንኻልኦት ጽቡቕ ኣብነት ክኾኑ ክሓስቡሉ ኣለዎም ። ብሕታዊ ኩነታቶም እኳ ዝፈላለ እንተኾነ ነፍሲ ወከፍ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምቕዳም ስርዓታዊ ልማዱ ይዕቅብ ምህላዉ ከርኢ ክኽእል ኣለዎ ። ምስቲ ናይ ስራሕን ስድራቤትን ዘለዎም ሓላፍነታት ሽማግለታት ኣብ ናይ ብሕቲ መጽናዕትን : ኣኼባታት ምስታፍን ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት መሪሕነት ብምውሳድን ድልዱል ዝኾነ ልማድ ክህልዎም ኣለዎ ። ሽማግለታት ‘ቤቶም ብጽቡቕ ጌሮም ዘስተናብሩ’ ምዃኖም እንተድኣ ኣርእዮም : ኩሎም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ብስርዓታዊ ልማድ ክመላለሱ ክተባብዑ ኢዮም ። — 1 ጢሞ. 3 : 4, 5

19 ነቲ ሓድሽ ናይ ኣገልግሎት ዓመት ዝኸውን ሸቶታት :- ምጅማር ናይ ሓድሽ ናይ ኣገልግሎት ዓመት ብሕታዊ ልማድና እነንጸባርቐሉ ዝበለጸ ግዜ ኢዩ ። ነቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዕዮና ምልስ ኢልና ምስ እንርእዮስ እንታይ ኢዩ ዝሕብረና ? ነቲ መጠን ናይ ዕዮና ኣብቲ ዘለዎ ዲና ዓቂብናዮ ወይስ ኣማሓይሽና ኢና ? ናይ ብሕቲ መጽናዕትና ኣዕሚቍና ክንገብር ጸኒሕና ንኸውን ። ኣኼባታት ብዝበለጸ ስርዓታውያን ኴንና ንካፈል ንህሉ ወይ ድማ ሓገዝቲ ፓይነራት ብምዃን ግራት ኣገልግሎትና ኣዕቢናዮ ንኸውን ። ምናልባት ንኻልኦት ኣብታ ጉባኤና ዘለዉ ወይ ስድራቤት ገለ ክርስትያናዊ ሕያውነት ጌርና ንኸውን ። ከምኡ እንተድኣ ጌርና በቲ ንኣምላኽ ባህ ዘብሎ መገዲ ስለ ዝተመላለስና ክንሕጐስ ንኽእል ኢና ። ‘ኣዚና ብእኡ ክንስስን’ ድማ ጽቡቕ ዝኾነ መተባብዒ ኣሎና ። — 1 ተ⁠ሰ. 4 : 1

20 ልማድና ዘይጽኑዕ ወይ ድማ ሓሓሊፉ ዝርአ እንተኾነኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ ? ንመንፈሳውነትና ብኸመይ ነኺእዎ ? ብገለ ምኽንያት ዕቤትና ጠጠዉ ኢሉዶ ጸኒሑ ኢዩ ? ምምሕያሽ ዝጅመር ንየሆዋ ክሕግዘካ ብምሕታት ኢዩ ። (ፊል. 4 : 6, 13) ንገለ ክፍሊ ናይ ልማድካ ከተተዓራሪ ሓገዝ ክትሓቶም ብዛዕባ እቲ እትደልዮ ነገር ምስ ስድራቤትካ ተመያየጠሉ ። ጸገም እንተድኣ ሃልዩካ ክሕግዙኻ ንሽማግለታት ሕተቶም ። ልባዊ ጻዕሪ እንተጌርናን ንናይ የሆዋ መምርሒ እንተተቐቢልናዮን ‘ሃካያትን ዘየፍርዩን ምዃን’ ከም እነወግዶ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና ። — 2 ጴጥ. 1 : 5 – 8

21 ብስርዓታዊ ልማድ ምምልላስ ንጻዕርኻ ትርጕም ዘለዎ ዝገብር በረኸታት የምጽኣልካ ። ብስርዓታዊ ልማድ እናዓበኹም ክትቅጽሉ እንተድኣ ቆራጽነት ጌርኩም “ንምትጋህ ኣይትተሃከዩ : ብመንፈስ ተቓጸሉ : ንእግዚኣብሄር [ንየሆዋ ትሓዓ] ኣገልግሉ ።” (ሮሜ 12 : 11) — ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ነታ ናይ 1 ግንቦት 1985 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 13 – 17 ተመልከቱ ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ