መንፈሳዊ ዕቤት ምግባር ቀጽል!
እተጠመቕናላ መዓልቲ ንኣምላኽ ንምግልጋል ህይወትና ከም ዝወፈና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቃል ዝኣተናላ መዓልቲ ስለ ዝዀነት ኵሉ ግዜ ኣኽቢርና ክንርእያን ክንዝክራን ኣሎና።
ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ደረጃ እዚ ንኽበጽሑ ብርቱዕ ጻዕሪ ምግባር ይሓቶም። እዚ ኸኣ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሕማቕ ልማዳት ከቋርጹ: ካብ ጐዳኢ ዝዀነ ምሕዝነት ክርሕቁ: ከምኡውን ኣዕሚቑ እተሰረተ ኣተሓሳስባን ጠባይን ክቕይሩ ማለት ኢዩ።
ይኹን እምበር: ጥምቀት ኣብ ህይወት ሓደ ክርስትያን ዘሐጕስን ትርጕም ዘለዎን ፍጻመ እኳ እንተዀነ: ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ጥራይ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ጥሙቓት ክርስትያናት “ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ ሐዲግና: . . . ናብ ፍጻሜ ንሕለፍ [“ናብ ብስለት ንብጻሕ:” NW ]” ብምባል ነገሮም። (እብራውያን 6:1) እወ: ኵሎም ክርስትያናት “ናብ ሕብረት እምነት: ናብ [“ርጡብ:” NW ] ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ: ናብ እኹል ሰብኣይ: ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ [ክበጽሑ]” የድልዮም ኢዩ። (ኤፌሶን 4:13) ብሓቂ ‘ብእምነት ክንጸንዕ’ እንኽእል ናብ ደረጃ ብስለት ንኽንበጽሕ ዕቤት ብምግባር ጥራይ ኢዩ።—ቈሎሴ 2:7
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት: ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ህይወቶም ዝወፈዩ ሓደስቲ ኣምለኽቲ ናብታ ክርስትያናዊት ማሕበር ውሒዞም ኢዮም። ምናልባት ንስኻ እውን ሓደ ካብኣቶም ነይርካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ኣሕዋትካ: ብመንፈስ ህጻን ክትከውን ኣይትደልን ኢኻ። ንቕድሚት ገጽካ ብምቕጻል ዕቤት ክትገብር ትደሊ ኢኻ! ግን ብኸመይ ኢዩ ዝከኣል፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕቤት ክትገብረሉ እትኽእል ገለ መገድታትከ እንታይ ኢዩ፧
ብሕታዊ መጽናዕቲ ብምግባር ዕቤት ምርኣይ
ጳውሎስ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት “እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠትን [“ብርጡብ ፍልጠትን:” NW ] ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ: እዚ እልምን አሎኹ” ብምባል ነገሮም። (ፊልጲ 1:9) ‘ብርጡብ ፍልጠት’ እናወሰኽካ ምኻድ ንመንፈሳዊ ዕቤትካ ኣዝዩ ወሳኒ ኢዩ። ንየሆዋ ‘ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ምፍላጥ’ ድሕሪ ጥምቀት ከቋርጽ ዘለዎ ነገር ዘይኰነስ ቀጻሊ መስርሕ ኢዩ።—ዮሃንስ 17:3
ሓንቲ ኣሌክሳንድራ ኢልና ሰሚናያ ዘሎና ክርስትያን ሓብቲ ካብቲ ጓል 16 ዓመት ከላ እተጠመቐትሉ ግዜ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ነዚ ክትግንዘቦ ከኣለት። ኣብ ሓቂ ኢያ ዓብያ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ኣብ ዕዮ ስብከትን ኵሉ ግዜ ስርዓታዊት ኰይና ትካፈል ነበረት። ከምዚ ብምባል ድማ ጸሓፈት:- “ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ: ኣብ ሕማቕ ኵነታት ከም ዝነበርኩ ተገንዘብኩ። ንሓቂ ብኸመይ ከም ዝርእያን ስለምንታይ ኣብ ሓቂ ከም ዘሎኹን ንገዛእ ርእሰይ ኣጸቢቐን ብቕንዕናን ክምርምር ወሰንኩ።” እንታይ ውጽኢት ረኸበት፧ ቀጺላ ከምዚ ትብል:- “እቲ ኣብ ሓቂ ንኽህሉ ዝገበረኒ ምኽንያታት ዝርብሸኒ ዀይኑ ረኸብክዎ። እናዓበኹ ክኸይድ ከሎኹ: ንኣኼባታትን ንግራት ኣገልግሎትን ኣትኵሮ ዝገብረሉ ነገር ከም ዝነበረ ዘከርኩ። ብሕታዊ መጽናዕትን ጸሎትን ናይ ምግባር ልምዲ ባዕሉ ዝመጽእ ነገር ገይረ እሓስቦ ነይረ። ንዅነታተይ ምስ መርመርክዎ ግን ከምኡ ኰይኑ ኣይተረኽበን።”
ሃዋርያ ጳውሎስ “በቲ ዝበጻሕናዮ ዕቤት መጠን: በዚ ልምዲ እዚ ብስርዓት ንመላለስ” ኢሉ ይምዕድ። (ፊልጲ 3:16 NW ) እቲ ብተደጋጋሚ እንገብሮ ልምዲ ንቕድሚት ገጽና ንኽንቅጽል ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ቅድሚ ምጥማቕካ: ምስ ሓደ ብቑዕ መምህር ኴንካ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እትገብረሉ ሰሙናዊ ልምዲ ከም ዝነበረካ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ሞሳኻ እናወሰኸ ምስ ከደ: እዚ ልምዲ እዚ ኣብቲ እትማሃሮ ዝነበርካ ጽሑፍ ንእተጠቕሰ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ገንጺልካ ብምንባብን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ነቲ ሰሙን ሰሙን እትማሃሮ ትምህርቲ ኣቐዲምካ ምድላው ከጠቓልል ጀመረ። ካብቲ እተጠመቕካሉ ግዜ ንደሓር ግን ‘በቲ ልምዲ እቲ ምምልላስ’ ቀጺልካዶ ኢኻ፧
ከምኡ እንተ ዘይኰይኑ: ‘ነቲ ዝሓይሽ ብምምርማር’ ነቲ ቀዳምነት እትህቦ ነገራት ምልስ ኢልካ ክትርእዮ ከድልየካ ኢዩ። (ፊልጲ 1:10) ኣብዚ ትሑዝ ዝዀነ ህይወትና ንብሕታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባብን መጽናዕትን ዝኸውን ግዜ ንምምዳብ ርእስኻ ምግታእ ይሓትት ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕሪ ምግባር ግን ረብሓታት የምጽእ ኢዩ። ነቲ ናይ ኣሌክሳንድራ ተመክሮ እንደገና ርኣዮ። ንሳ ከምዚ ብምባል ትእመን:- “ኣብ ኣኼባታት ብምክፋለይን ኣገልግሎት ብምኻደይን ጥራይ ኢየ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣቢሉ ዝኸውን ኣብ ሓቂ ነይረ ክብል ዝኽእል።” ይኹን እምበር: ቀጺላ ከምዚ ትብል:- “ከምኡ ምግባር ኣድላዪ እኳ እንተዀነ: ኵነታት ክኸፍእ ምስ ዝጅምር ግን እዚ ንበይኑ ንኽዋጽኣሉ ክሕግዘኒ ኣይክእልን ኢዩ ኢለ ደምደምኩ። እዚ ዅሉ ኽመጽእ ዝኸኣለ: ብሕታዊ መጽናዕቲ ናይ ምግባር ልምዲ ስለ ዘይነበረኒ ጸሎተይ ድማ ዘይስሩዕን ላዕሊ ላዕልን ጥራይ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ሕጂ ንየሆዋ ብሓቂ ምእንቲ ክፈልጦን ከፍቅሮን ነቲ ወዱ ዝሃበና ነገር ድማ ምእንቲ ከማስወሉን ኣተሓሳስባይ ከተዓራርን ትርጕም ዘለዎ ናይ መጽናዕቲ መደብ ክጅምርን ከም ዘሎኒ እግንዘብ ኢየ።”
ጠቓሚ ዝዀነ ብሕታዊ መጽናዕቲ እትገብረሉ መደብ ከተውጽእ ሓገዝ እንተድኣ ደሊኻ: ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ሽማግለታትን ካልኦት ብሱላት ክርስትያናትን ተሓጒሶም ክሕግዙኻ ኢዮም። ብተወሳኺ: ኣብ ናይ 1 ግንቦት 1995፣ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1993፣ ከምኡውን ናይ 15 ግንቦት 1986 [እንግሊዝኛ] ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ ዓንቀጻት ሓያሎ ሓጋዚ ሓሳባት ሒዙ ኣሎ።
ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ኣድላዪ ኢዩ
ዕቤት ንምግባር ክትጽዕረሉ ዘሎካ ካልእ መዳይ ድማ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ዝምድና ኢዩ። እዚ ኣብ ገለ ገለ ጕዳያት ብፍላይ ኣድላዪ ክኸውን እውን ይኽእል ኢዩ። ንዅነታት ናይቲ ኣብ ንእስነቱ እተጠምቀ ኣንቶኒ ርአ። ከምዚ ብምባል ድማ የዘንቱ:- “ንዅሎም ኣሕዋተይ ቀዲመዮም መጀመርታ ኣነ ተጠመቕኩ። ምስ ተጠመቕኩ: ኣደይ ሕቝፍ ኣቢላ ሰዓመትኒ። ከም ሽዑ ገይራ ተሓጒሳ ርእየያ ኣይፈልጥን። ኣብ ስድራቤትና ብዙሕ ሓጐስ ነበረ: ኣነ ድማ ብዙሕ ትብዓት ረኸብኩ።” እቲ ዅነታት ግን ካልእ መልክዕ ሓዘ። ኣንቶኒ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ንገለ እዋናት ዝኸውን: ኣብታ ጉባኤና እተጠመቐ መንእሰይ ዝበሃል ኣይነበረን። ብርእሰይ ኣዝየ እዀርዕ: በቲ ኣብ ኣኼባታት ዝህቦ ዝነበርኩ ሓሳባትን ዝርርብን እውን እሕበን ነበርኩ። ንየሆዋ ውዳሰ ካብ ምሃብ ንላዕሊ ውዳሰን ስምረትን ሰብ ምርካብ ዝያዳ ኣገደሰኒ። ምስ ኣምላኽ ብሓቂ ጥብቂ ርክብ ኣይነበረንን።”
ልክዕ ከም ኣንቶኒ: ገሊኦም ህይወቶም ዝወፈይሉ ምኽንያት ኣብ ክንዲ ንየሆዋ ብዝያዳ ንኻልኦት ከሐጕሱ ብምድላይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ነቶም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ምስቲ ንዕኡ ንምግልጋል ዝኣተውዎ መብጽዓ ተሰማሚዖም ክነብሩ ይጽበዮም ኢዩ። (ምስ መክብብ 5:4 ኣረኣእዮ።) እዞም ሰባት እዚኣቶም ግን ምስ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ እንተድኣ ዘይመስሪቶም ምስቲ ዝኣተውዎ መብጽዓ ተሰማሚዖም ክነብሩ መብዛሕትኡ ግዜ ይኸብዶም ኢዩ። ኣንቶኒ ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “እቲ ምስ ተጠመቕኩ ዝረኸብክዎ ዓሚቝ ሓጐስ ንነዊሕ እዋን ኣይቀጸለን። ካብ ዝጥመቕ ዓመት ከይመላእኩ ድማ ከቢድ ሓጢኣት ፈጸምኩ: በቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ሽማግለታት ከኣ ክግሰጽ ነበረኒ። እቲ ብተደጋጋሚ ዝገበርክዎ እኩይ ሓጢኣት ካብታ ጉባኤ ከም ዝውገድ ገይሩኒ ኢዩ። ህይወተይ ንየሆዋ ወፍየ ምስ ተጠመቕኩ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ሰብ ቀቲለ ተኣሰርኩ።”
ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ ምምዕባል
ኵነታትካ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ኵሎም ክርስትያናት ነቲ “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዕድመ ክቕበልዎ ይኽእሉ ኢዮም። (ያእቆብ 4:8) መጽሓፍ ቅዱስ መጀመርታ ከተጽንዕ ከሎኻ ምስ ኣምላኽ እተወሰነ ደረጃ ዘለዎ ዝምድና ከም ዘማዕበልካ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣምላኽ ከምቲ ህዝበ-ክርስትያን እተምልኾ ረቂቕ መለኮት ዘይኰነስ የሆዋ ዝብል ስም ዘለዎ ህያው ኣካል ከም ዝዀነ ተማሂርካ ኢኻ። ኣምላኽ ‘መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃት’ ብምዃኑ ዝማርኽ ባህርያት ከም ዘለዎ እውን ተማሂርካ ኢኻ።—ዘጸኣት 34:6
ይኹን እምበር: ምስቲ ንኣምላኽ ንምግልጋል ዝገበርካዮ ወፈያ ተሰማሚዕካ ንምንባር: ናብኡ ብዝያዳ ክትቀርብ ኣሎካ! ብኸመይ ኢኻ ግን እትቐርብ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ: መገድታትካ ምሀረኒ” ኢሉ ጸለየ። (መዝሙር 25:4) መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ማሕበር ጽሑፋትን ተጠቒምካ ብሕታዊ መጽናዕቲ ምግባር ምስ የሆዋ ብዝሓሸ ንኽትላለ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። ስርዓታዊ ዄንካ ልባዊ ጸሎት ምቕራብውን ኣድላዪ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ” ብምባል ይምሕጸን። (መዝሙር 62:8) ጸሎትካ ተመሊሱልካ ምስ እትርኢ: ኣምላኽ ብብሕትኻ ከም ዝግደሰልካ ከተስተብህል ኢኻ። እዚ ብዝያዳ ናብኡ ናይ ምቕራብ ስምዒት ከሕድረልካ ኢዩ።
ገና ግን ፈተናታትን ግድላትን ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ካልእ ኣጋጣሚ ይኸፍት ኢዩ። ከም ሕማም: ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ስራሕን ዘጋጥም ጸቕጥታት: ወይ ድማ ከም ቍጠባዊ ጸገማት ዝኣመሰለ ናይ እምነት ብድሆታትን ፈተናታትን ተሕልፍ ትህሉ ትኸውን። እቲ ዘሎካ ግድል ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍ: ኣብ ኣኼባታት ምክፋል: ወይ ድማ ንደቅኻ መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር ዝኣመሰለ ዝውቱር ቲኦክራሲያዊ ልማድ ምስዓብ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ግድላት በይንኻ ክትዋጽኣሉ ኣይትፈትን! ኣምላኽ መምርሒኡን ሓበሬትኡን ንኽህበካ ብምሕታት ክሕግዘካ ለምኖ። (ምሳሌ 3:5, 6) መንፈስ ቅዱሱ ክህበካውን ለምኖ! (ሉቃስ 11:13) ፍቕራዊ ሓገዝ ኣምላኽ ምስ ረኸብካ: ናብኡ ብዝያዳ ክትቀርብ ኢኻ። ከምቲ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኢልዎ ዘሎ: “እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን: ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ።”—መዝሙር 34:8
ብዛዕባ ኣንቶኒኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ነቲ ምስ ፍቓድ የሆዋ ምግባር ዝተኣሳሰር ኣዝዩ ብዙሕ መንፈሳዊ ሸቶታት ኣውጺአሉ ዝነበርኩ ግዜ ክዝክሮ ጀመርኩ። ስቓይን ተስፋ ምቝራጽን ምስ ተሰምዓኒ ግን ናይ የሆዋ ፍቕሪ ዘከርኩ። ናብ የሆዋ ክጽሊ ቅድሚ ምኽኣለይ ገለ ግዜ ወሲዱለይ ኢዩ: እንተዀነ ግን ይቕረ ክብለለይ ብምሕታት ናይ ልበይ ክነግሮ ክኢለ ኢየ። መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ እውን ጀመርኩ: ክሳዕ ክንደይ ረሲዐዮ ከም ዝነበርኩ ከምኡውን ብዛዕባ የሆዋ ብሓቂ ዝፈልጦ ዝነበርኩ ነገራት ኣዝዩ ሒደት ምንባሩ ብምግንዛበይ ተገረምኩ።” ሽሕኳ ኣንቶኒ ነቲ ገበን ብምፍጻሙ እተፈርዶ ናይ ቤት ማእሰርቲ ፍርዱ ገና ክውድእ እንተለዎ: እቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ኣሕዋት ግን ይሕግዝዎ ኢዮም: መንፈሳዊ ጥዕና ድማ ይረክብ ኣሎ። ብምምስጋን ድማ ኣንቶኒ ከምዚ ይብል:- “ሳላ የሆዋን ማሕበሩን: ነቲ ኣረጊት ሰብነተይ ቀንጢጠ ከልግሶ ክኢለ ኢየ: መዓልቲ-መዓልቲ ሓድሽ ሰብነት ንምልባስ ድማ እጽዕር ኢየ። ሕጂ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ኣገዳሲ ገይረ ኢየ ዝርእዮ።”
ኣብ ኣገልግሎትካ መንፈሳዊ ዕቤት ግበር
የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ሰበኽቲ “ወንጌል መንግስቲ” ክዀኑ ኣዚዝዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14) ብተዛማዲ ከም ሓደ ሓድሽ ኣስፋሒ እቲ ብስራት መጠን: ኣብቲ ኣገልግሎት ዘሎካ ተመክሮ ድሩት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ‘ኣገልግሎትካ [“መሊእካ” NW ] ንኽትፍጽም’ ድኣ እሞ ከመይ ገይርካ ኢኻ ዕቤት ክትገብር እትኽእል፧—2 ጢሞቴዎስ 4:5
ሓደ መገዲ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምምዕባል ኢዩ። እቲ ዕዮ ስብከት “መዝገብ” እወ: ክቡር መሰል ከም ዝዀነ ገይርካ ንምርኣይ ተማሃር። (2 ቈረንቶስ 4:7) ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ተኣማንነትን ንጽህናን እንገልጸሉ ኣጋጣሚ ኢዩ። ኣብ ብጾትና ተገዳስነት ከም ዘሎና ንኽንገልጽ እውን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና ኢዩ። በዚ ዝመጸ ንገዛእ ርእስና ብዘይ ስስዐ ምውፋይ ምንጪ ሓቀኛ ሓጐስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35
የሱስ ንባዕሉ ነቲ ዕዮ ስብከት ብዝምልከት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ነበሮ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ንኻልኦት ምክፋል ንዕኡ ከም ‘ብልዒ’ ነበረ። (ዮሃንስ 4:34) ስለዚ ኸኣ: እቲ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ዝነበሮ ድራኸ ብዝበለጸ መገዲ በቲ “ፈትየ አሎኹ” ዝበሎ ቃላቱ ክግለጽ ይከኣል ኢዩ። (ማቴዎስ 8:3) የሱስ ንሰባት: ብፍላይ ድማ ነቶም ብናይ ሰይጣን ዓለም ‘እተገፍዑን ፋሕ ዝበሉን’ ይድንግጸሎም ነበረ። (ማቴዎስ 9:35, 36) ንስኻኸ ብተመሳሳሊ ነቶም ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዘለዉ እሞ ቃል ኣምላኽ ክበርሃሎም ዝደልዩ ሰባት ክትሕግዞም ‘ትፈቱ’ ዲኻ፧ ድሕርዚ ነቲ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዝብል ትእዛዝ የሱስ ንኽትቅበሎ ክትድረኽ ኢኻ። (ማቴዎስ 28:19) ጥዕናኻን ኵነታትካን ብዘፍቀደልካ መጠን ከኣ ኣብዚ ዕዮ እዚ ምሉእ ብምሉእ ንኽትካፈል ብርግጽ ክትለዓዓል ኢኻ።
ዕቤት ንምግባር ዝሕግዝ ካልእ መፍትሕ ድማ ኣብቲ ኣገልግሎት ስርዓታዊ ዄንካ: እንተ ተኻኢሉውን ሰሙን ሰሙን ምክፋል ኢዩ። ከምዚ ምግባር ሓደ ሰብ ነቲ ሳሕቲ ጥራይ ከም ዝሰብኽ ዝገብሮ ምጅጃውን ፍርሕን ንኸጥፍእ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት ስርዓታዊ ዄንካ ምስታፍ ብኻልእ መገድታትውን ክጠቕመካ ኢዩ። ንሓቂ ዘሎካ ሞሳ ከዛይደልካ: ንየሆዋን ንብጾትካን ዘሎካ ፍቕሪ ከስፍሓልካ: ኣብ ተስፋ እታ መንግስቲ ንኸተድህብ ድማ ክሕግዘካ ኢዩ።
ይኹን እምበር: ህሉው ኵነታትካ ነቲ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ዘሎካ ተሳትፎ ኣዝዩ ዝድርቶ እንተድኣ ዀይኑኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ምትዕርራይ ምግባር ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ እንተድኣ ዀይኑ: ክትገብሮ እትኽእል መጠን ክንደይ ምዃኑ ብዘየገድስ ኣምላኽ በቲ ብምሉእ ነፍስኻ እትገብሮ ኣገልገሎት ከም ዝሕጐስ ብምፍላጥ ተጸናናዕ። (ማቴዎስ 13:23) ምናልባት ናይ ምስባኽ ክእለትካ ምምሕያሽ ብዝኣመሰለ ካልእ መገድታት እውን ዕቤት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣብ ጉባኤ ዝውሰድ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባን በዚ ዝመጸ ብዙሕ ሰናይ ምልምማድ ይህብ ኢዩ። ኣብቲ ኣገልግሎት ብዝያዳ ብቑዓት እናዀንና ብዝኸድና መጠን ከኣ ብዝያዳ ከም እንሕጐስን ፍረ ከም እንረክብን እተረጋገጸ ኢዩ።
ስለዚ እምበኣር: መንፈሳዊ ዕቤት ኣብቲ ሓደ ሰብ እተጠመቐሉ መዓልቲ ከቋርጽ ከም ዘይብሉ ርዱእ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማያት ክረኽቦ ብተስፋ ዝጽበዮ ዝነበረ ዘይመውት ህይወት ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣሕዋተየ: ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ: ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ: ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ: ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ። እምብኣርሲ ፍጹማት ዘበልና ዅልና እዚ ንሕሰብ ብገለ ነገር ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ ድማ: ንእኡውን ኣምላኽ ኪገልጸልኩም እዩ።”—ፊልጲ 3:13-15
እወ: ኵሎም ክርስትያናት: ተስፍኦም ኣብ ሰማይ ዘይሓልፍ ህይወት ንምርካብ ይኹን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝርከብ ዘለኣለማዊ ህይወት ብዘየገድስ: ናብቲ ናይ ህይወት ሸቶ ንምብጻሕ ብዅሉ ሓይሎም ክጽዕሩ ብምሳሌያዊ ኣዘራርባ ‘ክመጣጠሩ’ ኣለዎም! ምጥማቕካ ሰናይ ተበግሶ እኳ እንተዀነ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ጥራይ ምዃኑ ግን ኣይትረስዕ። መንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር ከየቋረጽካ ጽዓር። ኣብ ኣኼባታት ብምክፋልን ብሕታዊ መጽናዕቲ ብምግባርን: ‘በእምሮ ሰብኣይ ኩን።’ (1 ቈረንቶስ 14:20) ንሓቂ ‘ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን ከተስተውዕሎ ክኣል።’ (ኤፌሶን 3:18) እቲ እትገብሮ ዕቤት ሕጂ ሓጐስካን ደስታኻን ንኽትዕቅብ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እታ ሰማያዊት መንግስቱ መንፈሳዊ ዕቤት ንዘለኣለም ክትገብር ዘኽእለካ ዕቝባ ዘለዎ ቦታ ንኽትረክብውን ክሕግዘካ ኢዩ!
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ብሕታዊ መጽናዕቲ ንምግባር ዝኸውን ግዜ ክትረክብ ርእስኻ ምቕጻዕ ዝሓትት ኢዩ
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስ ንኽንረክብ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ