ደቀ መዛሙርቲ ዘፍሪ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ
1 ፊልጶስ “ብዛዕባ የሱስ ወንጌል [ምስ] ሰበኸሉ” እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ “ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧” ብምባል ሓተተ። (ግብ. 8:27-39) ኣብ ጕዳይ ናይቲ ስሉብ እንተድኣ ርኢና: ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋት ድሮ ፍቕሪ ነይርዎ ኢዩ: ካብ ፊልጶስ መንፈሳዊ ሓገዝ ምስ ረኸበ ድማ ወደ መዝሙር ክኸውን ድሉው ኢዩ ነይሩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ክምርምሩ ከም ዘድልዮም ዝኣምኑ ግን ኵሎም ሰባት ኣይኰኑን።
2 ማሕበር የሆዋ: ሰባት ንግዜና ዝምልከት መልእኽቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽምርምሩ ከተተባብዕ ጽሑፋት ብምድላዋ መመስገንቲ ኢና። እቲ ዝወጽእ ጽሑፋት ነቶም ምናልባት ምሁራት ክዀኑ ዝኽእሉ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ሒደት ፍልጠት ጥራይ ዘለዎም ቅኑዓት ሰባት ዝማርኽ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኽምርምሩ ድሌቶም ከለዓዕሎም ተባሂሉ ኢዩ ተዳልዩ።
3 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክንጅምር ከሎና: ነቲ ኣብ ናይ ሰነ 1996 እታው ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸ ከመይ ገይርካ ብመጽሓፍ ፍልጠት ፍረ ዘለዎ ጽንዓት ክምራሕ ከም ዝከኣል ዝሕብር ጽቡቕ ሓሳባት ምድጋሙ ሓጋዚ ኢዩ። ኣብቲ ተኸታታሊ ናይ መጽናዕቲ እዋናት እቲ ተወሳኺ ኣቓልቦ ዘድልዮ መዳያት ምእንቲ ክትፈልጥ ነቲ ተማሃራይ ዝገብሮ ዕቤት ኣስተብህለሉ። እቲ ተማሃራይ ነቲ ጥቕስታት ብምንባብ ኣቐዲሙ ነቲ ትምህርቲ ክዳለወሉ ኣተባብዓዮ። እቲ ብናይ ገዛእ ርእሱ ቃላት ዝህቦ ሓሳባት ንሓቂ ዘለዎ ልባዊ ሞሳ ከንጸባርቕ ይኽእል ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ቅልጡፍ ዕቤት ዝገብሩ እቶም ተወሰኽቲ ናይ ማሕበር ጽሑፋት ዘንብቡን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኰይኖም ዝካፈሉን ኢዮም። ብዛዕባ እቲ ዝማሃሮ ዘሎ ብናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ገይሩ ንኻልኦት ክዛረብ ኣተባብዓዮ። መንፈሳዊ ዕቤት ንኸርኢ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ብሕያውነት ንገሮ። ምስቶም ውሳነ ዘይገብሩ ሰባት ንነዊሕ ግዜ ከነጽንዕ ኣይግብኣናን ኢዩ። ጽንዓታት ንኽማሃሩ ተበግሶ ክወስዱ: ንሓቂ ድማ ጽኑዕ ኣቃውማ ክገብሩ: ከምኡውን ናብ ህይወትካ ምውፋይን ጥምቀትን ክበጽሑ ይግብኦም።
4 ኣብ ገለ ኣባይቲ: እቶም ኣባላት ናይ ስድራቤት በበይኖም ስለ ዘጽንዑ ልዕሊ ሓደ ጽንዓት ይግበር ኢዩ። ነታ ስድራቤት ብመንፈስ ከሕብራ ስለ ዝኽእል ግን ብሓባር ዝግበር ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ከም ተወሳኺ ክምረጽ ይከኣል ኢዩ።
5 ትእዛዝ የሱስ ኬድና ደቀ መዛሙርቲ ክንገብር ኢዩ። (ማቴ. 28:19) ከምዚ ንምግባር ከኣ: ካልኦት ናብቲ “ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ” ኢሎም ዝሓትሉ ደረጃ ዕቤት ክበጽሑ ዝሕግዝ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ይግብኣና።