“ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ: ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧”
1 እቲ ወንጌላዊ ፊልጶስ ነቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ: ነቲ ካብ ቃል ኣምላኽ ዘንብቦ ዝነበረ ተረዲእዎ እንተ ዀይኑ ምስ ሓተቶ: እቲ ሰብኣይ “ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ: ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧” ኢሉ መለሰ። ፊልጶስ ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዝገልጽ ብስራት ተሓጒሱ ኣረድኦ: ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ እቲ ሰብኣይ ብኡንብኡ ተጠምቀ። (ግብ. 8:26-38) ፊልጶስ ነቲ ክርስቶስ ‘ንዅሎም ኣህዛብ እናኣጥመቕኩምን እናመሃርኩምን ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም’ ብምባል ዝሃበና መዝነት ኢዩ ዝእዘዝ ነይሩ።—ማቴ. 28:19, 20
2 ንሕና እውን ልክዕ ከም ፊልጶስ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ንኽንገብር እተዋህበና መዝነት ክንእዘዞ ኣሎና። እንተዀነ ግን: እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ዝገበሮ ቅልጡፍ መንፈሳዊ ዕቤት: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቶም ሎሚ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እንገብረሎም ሰባት ኣይርአን ኢዩ። እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ጽቡቕ ሌላ ከምኡውን ተቐባሊ ልቢ ስለ ዝነበሮ: የሱስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ከም ዝዀነ ምቕባል ጥራይ ኢዩ ዘድልዮ ነይሩ። እቶም ጽንዓት እንገብረሎም ሰባት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ሌላ ዘይብሎም: ብናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ትምህርትታት እተታለሉ: ወይ ከቢድ ብሕታዊ ጸገማት እተጻዕኖም እንተ ዀይኖም በዳሂ ኢዩ ዝኸውን። ንተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ርእሶም ናብ ምውፋይን ምጥማቕን ኣብ ምምራሕ ዕዉታት ንኽንከውን ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧
3 መንፈሳዊ ድሌት ናይቲ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስተውዕል:- ናይ ነሓሰ 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹርን ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍን ገይርና ንሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ክወስደልና ዝኽእል ንውሓት ግዜ ጠቒሳ ኣላ። ከምዚ ዝብል መምርሒ ሃበት:- “ንሓደ ሰብ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ጽንዓት ክንገብረሉ ከም ዘሎና ንምውሳን ናይቲ ተማሃራይ ኵነታትን ክእለት ምርድኡን ኣብ ግምት ምእታው የድልየና። . . . ነታ መጽሓፍ ቅልጥፍ ኢልና ክንውድኣ ብምባል እቲ ተማሃራይ ንጹር ምርዳእ ከይረኸበ ክሓልፍ ኣይንደልን ኢና። ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዝረኽቦ ሓድሽ እምነት ድልዱል መሰረት ክረኽበሉ ይደሊ ኢዩ።” ስለዚ: ንመጽሓፍ ፍልጠት ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ክንውድኣ ኢልና ነቲ ዝጽናዕ ጽሑፍ ብታህዋኽ እንተ ዘይሓለፍናዮ ጥበባዊ ኢዩ። ገለ ውልቀ-ሰባት ናብ ጥምቀት ክበጽሑ ንኽንሕግዞም ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ንላዕሊ የድልዮም ይኸውን። ኣብ ሰሰሙን ጽንዓት ክትመርሓሉ ከሎኻ: እቲ ተማሃራይ ነቲ ካብ ቃል ኣምላኽ ዝማሃሮ ነገራት ክርድኦን ክቕበሎን ምእንቲ ክኽእል ንምሕጋዙ ዘድሊ ዘበለ ግዜ መድብ። ኣብ ገሊኡ ንሓንቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ዘላ ምዕራፍ ንምሽፋን ክልተ ወይ ሰለስተ ሰሙን የድሊ ይኸውን ኢዩ። እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ምዕራፉን ቍጽሩን ጥራይ እተገልጸ ጥቕስታት ንኽንበብን ንኽበርህን ግዜ ይህብ።—ሮሜ 12:2
4 ይኹን እምበር: እቲ ተማሃራይ መጽሓፍ ፍልጠት ምስ ወድአ ብዛዕባ ሓቂ ዘለዎ ምርዳእ ገና ከም ዝጐድሎ ወይ ንሓቂ ንምቛምን ህይወቱ ንኣምላኽ ንምውፋይን ገና ምሉእ ብምሉእ ድራኸ ዘይሓደሮ ምዃኑ እንተ ኣስተውዒልካ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ (1 ቈረ. 14:20) ናብታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ንምምርሑ እንታይ ተወሳኺ ነገር ክትገብር ትኽእል፧—ማቴ. 7:14
5 መንፈሳዊ ድሌት ናይቲ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዕግብ:- ሓደ ሰብ ዋላ እውን ቀስ እናበለ ይኹን: ምምሕያሽ ይገብር ምህላዉን ነቲ እተማሃሮ ነገር ዘለዎ ሞሳ ይዓቢ ከም ዘሎን ንጹር እንተድኣ ዀይኑ: ነታ ብሮሹር ብቕዓት ከምኡውን መጽሓፍ ፍልጠት ድሕሪ ምውዳኡ ብኻልእ መጽሓፍ ጽንዓት ቀጽለሉ። እዚ ኣብ ኵሎም ጽንዓታት ዝውዕል ከይከውን ይኽእል ኢዩ: ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ግን በታ ናይ ሓቂ ሰላም (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ: ሓድነት ኣምልኾ ዘርእስታ መጽሓፍ: ወይ በታ ቃል ኣምላኽ (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ገይርካ ጽንዓት ቀጽለሉ። ጉባኤታት እዚ መጻሕፍቲ እዚ ከይህልወን ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ብዙሓት ኣስፋሕቲ ግን ናይ ብሕቶም ቅዳሕ ኣለዎም። እታ ቃል ኣምላኽ እትበሃል መጽሓፍ ጥራይ ኢያ ናብ ማሕበር ትእዛዝ ብምስዳድ ክትርከብ እትኽእል። ኵሎም ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግን ቅድም ንብሮሹር ብቕዓት ከምኡውን መጽሓፍ ፍልጠት ክጽንዑ ኣለዎም። ዋላ እውን እቲ ተማሃራይ ነታ ካልኣይቲ መጽሓፍ ቅድሚ ምውድኡ እንተ ተጠምቀ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ: ተመላሊስካ ምብጻሕ: ከምኡውን ነቲ ጽንዓት ንምቕጻል እነሕልፎ ግዜ ጸብጻብ ክወሃበሉ ኣለዎ።
6 እዚ ክበሃል ከሎ ግን እቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሓንቲ መጽሓፍ ጥራይ ጽንዓት ተገይሩሎም እተጠምቁ ኣሕዋት ካልኣይቲ መጽሓፍ ንምጽናዕ ከም ብሓድሽ ሓገዝ ክወሃቦም ኣለዎ ማለት ድዩ፧ የግዲ እዚ ክግበር ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ዛሕቲሎም ወይ ኣብ ሓቂ ዕቤት ከይገበሩ ጸኒሖም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም: ንሓቂ ኣብ ህይወቶም ብዝያዳ ንኽዓዩሉ ብብሕቲ ክሕገዙ ዘድልዮም ኰይኑ እውን ክስምዖም ይኽእል ኢዩ። ንእተጠምቀ ኣስፋሒ ጽንዓት ክትገብረሉ ቅድሚ ምጅማርካ ምስቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ክትዘራረብ ኣሎካ። ይኹን እምበር: ብመጽሓፍ ፍልጠት ጽንዓት ገይሮም ህይወቶም ናብ ምውፋይን ናብ ጥምቀትን ዘይበጽሑ ሰባት ትፈልጥ እንተድኣ ዄንካ: እንደገና ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ዝደልዩ እንተ ዀይኖም ንምሕታት ተበግሶ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።
7 ንነፍሲ ወከፍ ጽንዓት እንገብረሉ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ዓሚቝን ብሕታውን ሓልዮት ምርኣይ ምልክት ክርስትያናዊ ፍቕሪ ኢዩ። ሸቶና እቲ ተማሃራይ ብዛዕባ ሓቂ ቃል ኣምላኽ ዓሚቝ ምስትውዓል ንኽህልዎ ኢዩ። ድሕርዚ ንሓቂ ንጹርን ኣብ ፍልጠት እተመርኰሰን ኣቕዋም ክሕዝ ይኽእል: ብማይ ጥምቀት ገይሩ ድማ ህይወቱ ንየሆዋ ይውፊ።—መዝ. 40:8፣ ኤፌ. 3:17-19
8 እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ምስ ተጠምቀ እንታይ ከም ዝዀነ ትዝክሮዶ፧ ከም ሓድሽ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ መጠን “ባህ ኢልዎ መገዱ ኸደ።” (ግብ. 8:39, 40) ንሕናን እቶም ናብ መገዲ ሓቂ እንመርሖም ሰባትን ንየሆዋ ኣምላኽ ሕጅን ንዘለኣለምን ብምግልጋል ዓቢ ሓጐስ ንርከብ!