ብዛዕባ እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ህጹጽ ዕዮ ብቐጻሊ ምሕሳብ
1 የሱስ ንሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ: ‘ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ክገብሩ’ ንሰዓብቱ ኣዘዞም። እዚ ሰፊሕ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ወፈራ ክፍጽሙ: ነቲ ንጥፈቶም ናብ ኵሎም ነበርቲ ምድሪ ከስፍሕዎ ዝሓትት ነበረ። (ማቴ. 28:19, 20፣ ግብ. 1:8) ነዚ ትእዛዝ እዚ ክትስከሞ ዘይከኣል ከቢድ ጾር ከም ዝዀነ ገይሮም ድዮም ወሲዶምዎ፧ ብመሰረት እቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝበሎ ከምኡ ገይሮም ኣይወሰድዎን። ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ን65 ዓመታት ድሕሪ ምክፋሉ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” ብምባል ጸሓፈ።—1 ዮሃ. 5:3
2 እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመዝጊቡ ዘሎ ንጥፈት ናይቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ንኽገብሩ እተዋህቦም ትእዛዝ ብህጹጽ ከም ዝዓየይዎ ዘረጋግጽ ኢዩ። (2 ጢሞ. 4:1, 2) ነዚ ዝገበርዎ ግዴታ ኰይንዎም ዘይኰነስ ንኣምላኽ ንምውዳስን ንኻልኦት ሰባት ከኣ ናይ ድሕነት ተስፋ ንምንጋርን ፍቕራዊ ባህጊ ስለ ዝነበሮም ኢዩ። (ግብ. 13:47-49) ኵሎም እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝዀኑ ብድሕሪኡ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ስለ እተሳተፉ: እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ- ዘበን ብቕልጡፍ ዓበየት።—ግብ. 5:14፣ 6:7፣ 16:5
3 እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ይቀላጠፍ:- ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ እቲ ዝዓበየ ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን እዚ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ! ክሳዕ እዚ እዋን እዚ: ሚልዮናት ሰባት ነቲ ብስራት ተቐቢሎሞን ኣብ ግብሪ ኣውዒሎሞን ኢዮም። (ሉቃ. 8:15) እዚ ኣገባብ እዚ ዝውድኣሉ ግዜ ኣዝዩ ይቐርብ ስለ ዘሎ: እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ነቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ንሓቂ ቀልጢፎም ንኽማሃሩ ዘኽእሎም መሳርሒታት የዳልወልና ኣሎ።—ማቴ. 24:45
4 ኣብ 1995 ነታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ተቐቢልና ኢና: ስዒቡ ድማ ብ1996 እታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ረኺብና ኢና። እታ ናይ 15 ጥሪ 1996 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ንመጽሓፍ ፍልጠት ኣመልኪታ ኣብ ገጽ 14 ከምዚ ብምባል ገለጸት:- “እዛ 192 ገጽ ዘለዋ መጽሓፍ ብተዛማዲ ኣብ ሓጺር ግዜ ክትጽናዕ ትኽእል ኢያ: ከምኡውን እቶም ‘ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ’ ሰባት ንየሆዋ ህይወቶም ወፍዮም ምእንቲ ክጥመቑ ብመጽናዕቲ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ገይሮም ብዙሕ ክማሃሩ ክኽእሉ ኣለዎም።”—ግብ. 13:48
5 እታ ኣብ ናይ ሰነ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘላ “ብመጽሓፍ ፍልጠት ገይርካ ብኸመይ ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝግበር” እትብል እታው ነዚ ዝስዕብ ሸቶ ሂባትና ነበረት:- “ከም ናይቲ ተማሃራይ ኵነታትን ክእለት ምርድኡን ኣብ ሓደ እዋን ብሓደ ሰዓት ወይ ዝያዳ ኣብቲ ጽንዓት ከይተሃወኽኩም ሓደ ምዕራፍ ክትሽፍኑ ይከኣል ይኸውን። ክልቲኦም ማለት መምህርን ተማሃራይን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ናይ ጽንዓት ቈጸራኦም ምስ ዝሕልዉ ተማሃሮ ዝሓሸ ዕብየት ክገብሩ ኢዮም።” እታ ዓንቀጽ ቀጺላ ከምዚ ትብል:- “ሓደ ሰብ መጽሓፍ ፍልጠት ኣጽኒዑ ምስ ወድአ ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ዘለዎ ቅንዕናን ዕምቈት ተገዳስነቱን ግሁድ ክኸውን ትጽቢት ክግበረሉ ኣለዎ።” ኣብ ናይ ጥቅምቲ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘላ ሕቶ ሳጹን ከምዚ ብምባል ገለጸት:- “ሓደ ንፉዕ መምህር ንሓደ ማእከላይ ናይ ምርዳእ ክእለት ዘለዎ ቅኑዕ ሰብ: ብተዛማዲ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ንየሆዋ ንምግልጋል ምስትውዓል ዘለዎ ውሳነ ንኽገብር ዘኽእሎ ብቑዕ ፍልጠት ከም ዝረክብ ክገብሮ ኢዩ ትጽቢት ዝግበሮ።”
6 መጽሓፍ ፍልጠት ፍረ ተፍሪ:- ሓንቲ ሰበይቲ ኣብቲ እተጠመቐትሉ እዋን: ንመጽሓፍ ፍልጠት ከተጽንዕ ከላ ከመይ ከም እተሰምዓ ኣዘንተወት። በታ ንዘለኣለም ምንባር እትበሃል መጽሓፍ ገይራ ንእተወሰነ እዋን ጽንዓት ትገብር ነበረት። መጽሓፍ ፍልጠት ምስ ወጸት ግን: እታ ጽንዓት ትገብረላ ዝነበረት ሓብቲ ናብዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ኣሰጋገረታ። እታ ተማሃሪት ብወገና ገለ ውሳነ ክትገብር ከም ዝሓታ ብኡንብኡ ክትርዳእ ከኣለት: ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር ድማ ቅልጡፍ ምዕባለ ክትገብር ተደረኸት። እዛ ሕጂ ሓብትና ዀይና ዘላ ሰበይቲ “መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ንየሆዋ ከፍቅሮ ሓገዘትኒ: መጽሓፍ ፍልጠት ግን ንዕኡ ንምግልጋል ዘድሊ ውሳነ ክገብር ሓገዘትኒ” ትብል።
7 ሓንቲ ካልእ ሰበይቲ ድማ ንሓቂ ብኸመይ ብቕልጡፍ ከም እተማህረት ርአ። ንኻልኣይ ግዜ ጽንዓት ምስ ገበረት: ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ተኻፈለት። ኣብታ ሰሙን እቲኣ ንሳልሳይ ግዜ ጽንዓት ኣብ ዝገበረትላ መዓልቲ ህይወታ ንየሆዋ ከም ዝወፈየትን ዘይተጠምቀት ኣስፋሒት ክትከውን ከም እትደልን ነገረቶ። ምስ ሽማግለታት ተራኸበት እሞ ኣስፋሒት ክትከውን ድማ ፈቐዱላ: ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ሰሙን ከኣ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክትካፈል ጀመረት። ኣብ ሰሙን ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ምእንቲ ኸተጽንዕን ኣብቲ ኣገልግሎት ዝያዳ ሰዓታት ምእንቲ ኸተሕልፍን ከኣ ካብ ስርሓ ዕረፍቲ ወሰደት እሞ ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታ ኣዝያ ትሕዝቲ ዀነት። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ሓደ እዋን ክልተ ወይ ሰለስተ ምዕራፋት ይሽፍና ነበራ። እታ ተማሃሪት ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰሙን ንመጽሓፍ ፍልጠት ወድኣታ: ነቲ እትምሃሮ ዝነበረት ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወታ ኣብ ተግባር ከተውዕሎ ጀመረት እሞ ተጠምቀት!
8 በዓል ቤታ ንሓንቲ ሓብቲ “ዝወጸሉ ዘይኣማኒ በዓል ቤት” ከም ዝነበረ ይገልጽ። ሓንቲ መዓልቲ: ሓደ ሓው ብመጽሓፍ ፍልጠት ገይሩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓት ክገብረሉ ዓደሞ: ሓንሳእ ጥራይ ምስ ኣጽንዐ ወይ ብድሕሪኡ ኣብ ቃሕ ዝበሎ ከቋርጽ ከም ዝኽእል ነገሮ። እቲ ሰብኣይ ዋላ እኳ ተማሃራይ ከሎ ሕማቕ እንተ ነበረን ንልዕሊ 20 ዓመታት ድማ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖታዊ ጽሑፍ ኣንቢቡ ዘይፈልጥን እንተ ነበረ: ንኽርእዮ ተሰማምዐ። መጽሓፍ ፍልጠት ከጽንዕ ምስ ጀመረኸ ከመይ ረኸቦ፧ ከምዚ ይብል:- “እዚ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ዝሕግዝ መሳርሒ እዚ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ቀሊል ኣገባብ ተጻሒፉ ክትረኽቦ ብሓቂ ዘሐጕስ ኢዩ። እቲ ሓበሬታ ኣዝዩ ቀሊልን ምኽንያታውን ብዝዀነ መገዲ ስለ እተዳለወ: ነዊሕ ከይጸናሕኩ ነታ ቐጺልና እነጽንዓላ መዓልቲ ብሃንቀውታ እጽበያ ነበርኩ። መምህረይ ነቲ ብማሕበር እተዳለወ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ዝሕግዝ ኣገባብ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ተጠቕመሉ: ብሓገዝ መንፈስ የሆዋ ድማ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ተጠመቕኩ። ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ፍቕሪ እንተድኣ ኣሕዲርና: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ንምርካብ ብቐጻሊ ንደሊ እንተድኣ ዄንና: ነቲ ብማሕበር እተዳለወ ማለት ንመጽሓፍ ፍልጠት ኰነ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳእ ዝሕግዝ ካልእ መሳርሒ እንተድኣ ተጠቒምናሉ: ልዕሊ ዅሉ ድማ: መምርሒ የሆዋ ንኽንረክብ እንተድኣ ጸሊና: ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ንኽንሕግዝ ፍሉይ መሰል ክህልወና ይኽእል ኢዩ ኢለ ኣፈይ መሊአ ክዛረብ እኽእል ኢየ።” እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ተመክሮታት ብሓቂ ልሙድ ኣይኰነን። መብዛሕትኦም ተማሃሮና ክሳዕ ክንድዚ ቅልጡፋት ኰይኖም ናብ ሓቂ ኣይመጹን ኢዮም።
9 ተማሃሮ ብእተፈላለየ መጠን ኢዮም ዕቤት ዘርእዩ:- ኵሎም መምህራንን ተማሃሮን ቃል ኣምላኽ ሓደ ዓይነት ክእለት ከም ዘይብሎም ዘይከሓድ ኢዩ። እቲ ዝግበር መንፈሳዊ ዕቤት ዝሑል ወይ ቅልጡፍ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ገሊኦም ተማሃሮ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ዕቤት ከርእዩ ኸለዉ ካልኦት ግን ካብኡ ንላዕሊ ግዜ ይወስደሎም። ሓደ ሰብ እቲ ዘኻዕበቶ ዓለማዊ ትምህርቲ: ንመንፈሳዊ ነገራት ዘርእዮ ሞሳ: ከምኡውን እቲ ንየሆዋ ዘለዎ ዕምቈት ናይ ተወፋይነት ነቲ ዝገብሮ መንፈሳዊ ዕቤት ይትንክፎ ኢዩ። ከምቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ናይ ጥንቲ ሰብ ቤርያ “ብዅሉ ፍቓዶም” እተቐበልዎ: ንቕዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ-መዓልቲ ንምጽናዕ ከምኡ ዓይነት መንፈስ ዘንጸባርቑ ኵሎም እቶም ጽንዓት እንገብረሎም ሰባት ኣይኰኑን።—ግብ. 17:11, 12
10 በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢያ እታ ናይ ሚያዝያ 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና “ዝያዳ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይድለዩ ኣለዉ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ እታው ነዚ ክውንነታዊ መምርሒ እዚ ዝሃበት:- “ርግጽ ኢዩ: ኵሉ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኰነን ብሓደ ዓይነት ደረጃ ዝዓቢ። ገሊኦም ከምቲ ናይ ካልኦት መንፈሳዊ ዝንባለ የብሎምን: ነቲ ዝማሃርዎ ዘለዉ ነገራት ንኽርድእዎ እውን ከምቶም ካልኦት ቅልጡፋት ኣይኰኑን። ካልኦት እውን ናብርኦም ኣዝዩ ትሑዝ ስለ ዝዀነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሓንቲ ምልእቲ ምዕራፍ ንምሽፋን ዘድሊ ግዜ ንምውፋይ ዘይክእሉ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ ድማ: ኣብ ሓድሓደ ኵነታት ንእተወሰነ ምዕራፋት ንምሽፋን ልዕሊ ሓደ ግዜ ጽንዓት ምግባርን ነታ መጽሓፍ ንምውዳእ ገለ ተወሳኺ ኣዋርሕ ምውሳድን ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።”
11 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ዝካፈሉ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ይሕዙ:- ንሓደ ሰብ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ጽንዓት ክንገብረሉ ከም ዘሎና ንምውሳን ናይቲ ተማሃራይ ኵነታትን ክእለት ምርድኡን ኣብ ግምት ምእታው የድልየና። በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ገይርና ጽንዓት ክንጅምር ስለ እተተባባዕና: ናብ መጽሓፍ ፍልጠት ቅድሚ ምስግጋርና ካብ ክልተ ክሳዕ ሰለስተ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል ኢዩ። ንዅሉ እቲ ኣብ ናይ ሰነ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ተገሊጹ ዘሎ ሓሳባት እንተድኣ ተጠቒምናሉ: ንመጽሓፍ ፍልጠት ንምውዳእ ብተወሳኺ ካብ ሽዱሽተ ክሳዕ ትሽዓተ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል ኢዩ። ብመጽሓፍ ፍልጠት ጽንዓት ዝጀመሩ ገለ ሰባት: እቲ ተማሃራይ ንመሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ቅልጥፍ ኢሉ ንኽምሃር ነታ መጽሓፍ ኣቋሪጾም ናብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ተሳገሩ። ድሕርዚ ብመጽሓፍ ፍልጠት ተጠቒሞም ጽንዓት ቀጺሎም ኢዮም። እቲ ጽንዓት ብመጽሓፍ ፍልጠት እንተድኣ ተጀሚሩን ጽቡቕ ዕቤት ድማ ተራእዩን: እታ መጽሓፍ ምስ ተወድአት በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ብምምራሕ ንመሰረታዊ ሓቂ ናይ ቃል ኣምላኽ ቅልጥፍ ኢልካ ምድጋሙ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዝዀነ ዀይኑ ነታ መጽሓፍ ቅልጥፍ ኢልና ክንውድኣ ብምባል እቲ ተማሃራይ ንጹር ምርዳእ ከይረኸበ ክሓልፍ ኣይንደልን ኢና። ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዝረኽቦ ሓድሽ እምነት ድልዱል መሰረት ክረኽበሉ ይደሊ ኢዩ።
12 እዚ ኣገባብ እዚ ክውዳእ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ንነብር ካብ ሃሎና: ካልኦት ንሓቂ ክማሃሩ ምሕጋዝ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብዝያዳ ህጹጽ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ሓደስቲ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ እንገብሮ ቀጻሊ ጸሎት: ምእንቲ እቶም ድሮ ጽንዓት ንገብረሎም ዘሎና እውን ንጸሊ። ድሕርዚ “ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ” ብቐጻሊ ዝያዳ ደቀ መዛሙርቲ ብምጥማቕና ክንሕጐስ ኢና።—ማቴ. 28:20