ሕቶ ሳጹን
◼ ምስ ሓደ ሰብ ብመጽሓፍ ፍልጠት ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኢዩ ስርዓታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክዕየ ዘለዎ፧
የሆዋ ሎሚ ንማሕበሩ ይባርኻ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሓደስቲ ሰባት ናብ ሓቂ ክመጹ ከለዉ: ናይዚ በረኸት እዚ መረጋገጺ ንርኢ ኢና። መጽሓፍ ፍልጠት ነዚ ኣብ ምፍጻም ኣስላጢት መሳርሒ ምዃና ተረጋግጽ ኣላ። እታ ናይ 15 ጥሪ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ: እዛ መጽሓፍ እዚኣ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብመጠኑ ቅልጡፍ መንፈሳዊ ዕብየት ክገብሩ: ምናልባት ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ደረጃ ጥምቀት ክበጽሑ ንኽትሕግዞም ተባሂላ ከም እተዳለወት ጠቒሳ ነይራ ኢያ።
በዚ ምኽንያት እዚ: እዛ ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ኣብ ገጽ 17 “ሓደ ውልቀ-ሰብ ብመጽሓፍ ፍልጠት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱሱ ወዲኡ ምስ ተጠምቀ: ካልኣይ መጽሓፍ . . . ገይርካ ምስኡ ስርዓታዊ ጽንዓት ምግባር ኣድላዪ ከይከውን ይኽእል ኢዩ” ብምባል ትመክር።
ሓደ ሰብ መጽሓፍ ፍልጠት ድሕሪ ምውድኡ ምስ ዘይጥመቕከ፧ ናይ ሰነ 1996 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ገጽ 6 ቍጽሪ 23: መጽሓፍ ፍልጠት ምስ ዝወድአ ተማሃራይ ተወሳኺ መጻሕፍቲ ክጽናዕ ከም ዘይብሉ ዝገልጽ ኣብታ ግምቢ ዘብዐኛ ዘሎ ነጥቢ ኣዘኻኺራትና ኢያ። ካብዚ ንንዮ ነቲ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሕጋዙ ኣይንግደስን ኢና ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። ሰባት መሰረታዊ ፍልጠት ሓቂ ክረኽቡ ኢና እንደሊ። እንተዀነ ግን: ሓደ ንፉዕ መምህር ንሓደ ማእከላይ ናይ ምርዳእ ክእለት ዘለዎ ቅኑዕ ሰብ: ብተዛማዲ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ንየሆዋ ንምግልጋል ምስትውዓል ዘለዎ ውሳነ ንኽገብር ዘኽእሎ ብቑዕ ፍልጠት ከም ዝረክብ ክገብሮ ኢዩ ትጽቢት ዝግበሮ። ብምኽንያት ብሕታዊ ኵነታቶም ገለ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰሙን ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ እውን ከይተረፈ ከጽንዑ ስለ ዝደልዩ ከምዚ ክግበር ይከኣል ኢዩ።
ገለ ተማሃሮ ካብ ካልኦት ብዝያዳ ቀስ ኢሎም ከም ዝዓብዩ: ዘይከሓድ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ሰብ ካብቲ ክወስዶ ዘለዎ ልሙድ ግዜ ዝነውሐ ብምውሳድ: መጽሓፍ ፍልጠት ኣጽኒዑ ድሕሪ ምውድኡ ምስታ ጉባኤ ክሓብር ከም ዝደሊ እንተ ዘይወሰነ: እቲ ኣስፋሒ ነቲ ኵነታት ምስ ሓደ ካብቶም ኣብ ናይ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚቴ ዘለዉ ሽማግለታት ክዘራረበሉ ኣለዎ። ብመጠኑ ምኽንያት ዘለዎ ወይ እተፈልየ ኵነታት ምስ ዘጋጥም: ገለ ተወሳኺ ሓገዝ ክወሃብ ይከኣል ኢዩ። እዚ ምስቲ ኣብ ናይ 15 ጥሪ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 17 ቍጽሪ 11 ከምኡውን 12 ዝርከብ ስርዓት ናይቲ ተገሊጹ ዘሎ ነጥቢ ዝሰማማዕ ኢዩ።
መሰረታዊ ፍልጠት ሓቂ ብምምሃሩ እውን ከይተረፈ ዝህልዎ ሞሳ ነቲ ተማሃራይ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክካፈል ከለዓዕሎ ኣለዎ። እዚ ነቲ ተማሃራይ ንየሆዋ ንምግልጋል ዘለዎ ባህጊ ንጹር መረጋገጺ ናብ ምሃብ ገጹ ክመርሖ ይኽእል ኢዩ። ንንውሕ ዝብለ እዋን መጽሓፍ ፍልጠት ድሕሪ ምጽናዕ ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ምምሳው እንተድኣ ዘይተራእየ: ነቲ ጽንዓት ምቍራጹ ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።