ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/96 ገጽ 7
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብመጽሓፍ ፍልጠት ገይርካ ብኸመይ ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝግበር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ደቅሰብ ፍልጠት ኣምላኽ የድልዮም ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ብዛዕባ እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ህጹጽ ዕዮ ብቐጻሊ ምሕሳብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 5/96 ገጽ 7

ሕቶ ሳጹን

◼ ሕጂ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ኣላትና: ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኢና ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ዘሎና፧

ኣብ መስከረም 1993 ዝወጸ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ምስ ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ዝግበር ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክልተ መጻሕፍቲ ክሳዕ ዘጽንዑ ክቕጽል ከም ዘለዎ ሓሳብ ሂባ ነይራ። ሕጂ መጽሓፍ ፍልጠት ኣላትና: ከምቲ ኣብ ናይ 15 ጥሪ 1996 ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታም ገጽ 13 ከምኡውን 14 ተገሊጹ ዘሎ: ኣብዚ ናይ ኣተዓይያ ኣገባብ ሓደ ምትዕርራይ ክግበር ጽቡቕ ኢዩ።

መጽሓፍ ፍልጠት እቶም “ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ [“ዝበቕዑ:” ትሓዓ ]” ሰባት ንየሆዋ ህይወቶም ንኽውፍዩን ንኽጥመቑን እንታይ ክፈልጡ ከም ዘለዎም ምእንቲ ክማሃሩ ንምሕጋዞም ተባሂላ ኢያ ተዳልያ። (ግብ. 13:48) ስለዚ: ነዛ ሓዳስ ጽሕፍቲ ምስ ወዳእናያ: ምስቲ ተማሃራይ ካልኣይ መጽሓፍ ምጽናዕ ኣድላዪ ኣይኰነን። ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስኩም ንሓቂ ክቕበልዎ ምስ ጀመሩ: ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኸር ኣኼባታት ብምክፋል ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስን እተፈላለየ ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ብምንባብ ፍልጠቶም ከዕብዩ በብደረጃኡ ከተተባብዕዎም ትኽእሉ ኢኹም።

ምስቲ ኣብታ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና (እንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 175 ክሳዕ 218 ዘሎ ሕቶታት ብምሉኡ ሌላ እንተድኣ ገይርኩም ድማ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ሕቶታት ክትጠቕስዎም ወይ ምስቲ ተማሃራይ ኴንኩም ክትደግምዎም እኳ እንተ ዘይብልኩም: እቲ ተማሃራይ ምስቶም ሽማግለታት ኰይኑ ናይ ጥምቀት ሕቶታት ክደግም ከሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ሓቅታት ግቡእ ምርዳእ ከም ዘለዎ ንምግላጽ ዘኽእሎ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ዘሎ ነጥብታት ከተጕልሕዎም ግን ጽቡቕ ኢዩ።

ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታት ንምድጋፍ ወይ ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነታት ሓሶት ምዃኑ ንምርግጋጽ: ካልእ ሓሳባት ብምምጻእ ወይ ተወሳኺ መእመኒ ዝበሃል ነጥብታት ብምቕራብ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ዘሎ ሓበሬታ ክትምልእሉ ኣየድልን ኢዩ። እዚ ነቲ ጽንዓት ንነዊሕ እዋን ከም ዝምጠጥ ጥራይ ኢዩ ዝገብሮ። ኣብ ክንድኡ: እታ መጽሓፍ ብቕልጡፍ: ምናልባት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክትሽፈን ክትክእል ኢዩ ተስፋ ዝግበረላ። እዚ ነታ መጽሓፍ ብንጹርን ብሓጺርን ንምቕራባ ምእንቲ ክንክእል: ኣቐዲምና ነታ መጽሓፍ ብምልእታ ከነጽንዓ ከም ዘድልየና ኢዩ ዘርኢ። እቲ ተማሃራይውን ኣቐዲሙ ከጽንዓ: ነቲ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት ከንብቦ: ከምኡውን እታ መጽሓፍ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ እንታይ ከም እትምህር ኣነጺሩ ንምስትውዓል ክጽዕር ክተባባዕ ኣለዎ።

ግምቢ ዘብዐኛ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ዝቝጽሩ ስሉጥ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክዓዩ ከም ዘድልዮም ይጸቕጠሉ ኢዩ ዘሎ። (ኢሳይያስ 60:22 ርአ።) ስሉጥ ዝዀነ ኣጠቓቕማ ናይ መጽሓፍ ፍልጠት ንሓደስቲ ሰባት ነቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ክረኽቡን ምስኡ ተሰማሚዖም ክመላለሱን ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ።​—⁠ዮሃ. 17:⁠3

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ