ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/97 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልገሎት ኣኼባታት ንመስከረም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልገሎት ኣኼባታት ንመስከረም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 9/97 ገጽ 2

ናይ ኣገልገሎት ኣኼባታት ንመስከረም

1 መስከረም እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 26

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት።

20 ደቒቕ:- “ነቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ነገራት ብቐዳምነት ስርዓዮ።” ሕቶን መልስን። ግዜ እንተ ፈቒዱ ካብቲ “ነቲ ቀዳምነት ክዋሃቦ ዝግባእ ምስራዕ” ዝብል ኣብ 22 ለካቲት 1987 ገጽ 8-9 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዘሎ ሓሳባት ሃብ።

15 ደቒቕ:- “ካልኦት ምጽንናዕ ክረኽቡ ሓግዞም።” ቍጽሪ 1 ከምኡ⁠ውን ቍጽሪ 6-8 ዝሽፍን ዝርርብ። ካብ ቍጽሪ 2-5 ዘሎ ብመርኣያታት ኣቕርቦ። ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ጽንዓታት ናይ ምጅማር ሸቶ ምብጻሕን ዝብል ሓሳብ ከነተኵር ከም ዘሎና ኣጕልሓዮ።

መዝሙር 107ን መዕጸዊ ጸሎትን።

8 መስከረም እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 27

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

20 ደቒቕ:- “ደቀ መዛሙርቲ ዘፍሪ ጽንዓታታት መጽሓፍ ቅዱስ።” ዝርርብን ናይ ጉጅለ ምይይጥን። እቲ ሽማግለ ነቲ ዓንቀጽ የቕርቦ። ብድሕሪኡ ነቲ “ተማሃሮ ናብ ወፈያን ጥምቀትን ገጾም ክዓብዩ ኣለዓዕልዎም” ዝብል (km 6/96 እታው ቍ. 20-2) ምስ ጽንዓታታት ዝመርሑ ተመክሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ይመያየጠሉ።

መዝሙር 109ን መዕጸዊ ጸሎትን።

15 መስከረም እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 30

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- “ምህናጽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ።” ሕቶን መልስን።

20 ደቒቕ:- እታ ቤት ትምህርቲ እትበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ትጥቀመላዶ ኣሎኻ፧ ሓደ ሽማግለ ነቲ ኣብ 1 ጥቅምቲ 1985 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 30-31 (እንግሊዝኛ) ዘሎ ምስ ገለ ወለድን ውሉዳትን ይመያየጠሉ። በታ ቤት ትምህርቲ እትበሃል ብሮሹር ተጠቒሞም ዝገበርዎ ናይ ብሕቶም ተመክሮ ይዛረቡ።

መዝሙር 112ን መዕጸዊ ጸሎትን።

22 መስከረም እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 32

8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት

17 ደቒቕ:- ከመይ ገይርካ ዕላል ከም ዝጅመር። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦ ዓወታት ንኻልኦት ሰባት ኣብቲ ትርጕም ዘለዎ ዕላል ከነሕብሮም ኣብ ምኽኣልና እተመርኰሰ ኢዩ። ሰባት ጽን ክብሉ ዝገብሮም ገለ ነገር ምስ እንዛረብ ገለ ካብቶም ኣብ ምስክርነት ዘጋጥሙና ዓበይቲ ዕንቅፋታት ሓደ ሓሊፍናዮ ማለት ኢዩ። ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ መጽናዕቲ 16 ቍጽሪ 11-14 (እንግሊዝኛ) ዘሎ ቐንዲ ነጥብታት ተመያየጠሉ። ምስ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ማለት (1) ምስ ሓላፊ መገዲ (2) ምስ ኣብ ኣውቶቡስ ዝጓዓዝ ሰብ (3) ምስ በዓል ዱኳን (4) መኪና ደው ብምባል ክዕድግ ምስ ዝመጽእ ሰብ (5) ኣብ መናፈሻ ቦታ ኰፍ ምስ ዝብል ሰብ: ከምኡውን (6) ምስ ኣብ ናይ ቴለፎን ምስክርነት ክግበር ከሎ ዝርከብ ሰብ ዝሰማማዕ መእተዊ ተጠቒሞም ዕላል ዝኸፍቱ ክኢላታትን ኣስለጥትን ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ኣዳሉ።

20 ደቒቕ:- ነቲ ናይ 1997 ኣገልግሎት ዓመት ናይታ ጉባኤ ኣቕርቦ። እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ብፍላይ ነቲ ኣብ መጋቢት: ሚያዝያ: ከምኡውን ኣብ ግንቦት እተገብረ ሰናይ ጻዕሪ ይንእድ። ንምምሕያሽ ሓሳባት ሃብ። ኣብቲ ሓድሽ ናይ ኣገልግሎት ዓመት ዝፍጸም ገለ ተግባራዊ ሸቶታት እንተላይ ኣብተን ሓሙሽተ ሰሙናት ዘለወን ኣዋርሕ ማለት ሕዳር: ግንቦት: ከምኡውን ነሓሰ ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን ዝብል ሸቶ ክግበር ከም ዝከኣል ግለጽ።

መዝሙር 113ን መዕጸዊ ጸሎትን።

29 መስከረም እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 37

15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ክህቡ ንዅሎም ኣዘኻኽሮም። ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እንገብሮ ናይ መጽሔት ምብርካት ንምድላው ነቲ ኣድላይነት ናይ “ንዞባኻ ኣጽንዓዮ ” “ምስቲ መጽሔታት ተላለ ” “ናይ ገዛእ ርእስኻ መእተዊ ዝኸውን ቃላት ኣዳሉ  ” “ምስቲ በዓል ቤት ዝሰማማዕ ነገር ኣቕርብ” “ንሓድሕድኩም ተደጋገፉ ” ዝብል ኣብ ናይ ጥቅምቲ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ተመያየጠሉ።

15 ደቒቕ:- ነቲ ናይ ምውጋድ ውሳነ ብምድጋፍ ንየሆዋ ተኣማንነት ምርኣይ። ናይ 15 ሓምለ 1985 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 30-31 (እንግሊዝኛ) ከምኡውን 15 መስከረም 1981 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 20-31 እተመስረተ ብሽማግለ ዝወሃብ ዝርርብ።

15 ደቒቕ:- ንኣገልግሎትኩም ኣኽ​ብርዎ። በቲ ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና ገጽ 81-3 (እንግሊዝኛ) ዘሎ ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ንምጕላሕ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ሕተት:- (1) ነቲ ናይ የሱስ ኣብነት ብምስዓብ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧ (2) እቲ ናይ ምስባኽ መዝነትና ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኢዩ፧ (3) ህይወትና ንየሆዋ ክንውፊ ዘለዓዓለና እንታይ ኢዩ፧ (4) ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ከገልግሎ እንተድኣ ዀይኑ እንታይ ዓይነት ጠባይ ኢዩ ዘድሊ፧ (5) ካብቲ የሱስ ንስብከት እተጠቕመሉ ኣገባብ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

መዝሙር 121ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ