ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/97 ገጽ 3
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 9/97 ገጽ 3

ምልክታታት

◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ መስከረም:- ብሮሹራት​—⁠ኣብተን ናይ ወጻኢ ቋንቋታት ዝዛረቡ ሰባት ዘለወን ዞባታት መጽሓፍ ሓጐስ ስድራቤት (እንግሊዝኛ) እውን ምጥቃም ይከኣል ኢዩ። ጥቅምቲ:- ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንጽል ቅዳሓት ከምኡውን ኵንትራት ;ከም ዝኣትዉ ምግባር። ሕዳር:- ምዝርጋሕ ዜና መንግስቲ ቍ. 35። ነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ዘለዉ ሰብ ቤትን ኣብኡ ዝቕመጡ ሰባትን በታ ቅዳሕ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ተጠቒመን ብምብጻሕ ዞባአን ዝሸፈና ጉባኤታት: መጽሓፍ ፍልጠት ከበርክታ ይኽእላ ኢየን። ታሕሳስ:- እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ (እንግሊዝኛ) ከምኡውን/ወይ ድማ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ (እንግሊዝኛ)።

◼ እቲ ኣቦ መንበር ወይ ንሱ ዝወከሎ ሰብ 1 መስከረም ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይነገር።

◼ ሽማግለታት ብዛዕባ እተወገዱ ወይ ካብ ማሕበር እተፈለዩ እሞ ክምለሱ ዝደልዩ ሰባት ነቲ ኣብ ናይ 8/112 ግምቢ ዘብዐኛ ዘሎ መምርሒታት ክስዕቡ ምዝኽኻር ተዋሂብዎም ኣሎ።

◼ እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ንዅሉ እቲ ሓድሽ ይኹን ዝሕደስ ኵንትራት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ናይ ብሕቶም ኵንትራት እውን ይኹን በታ ጉባኤ ኣቢሎም ክሰድዎ ኣለዎም።

◼ ማሕበር ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ንጽሑፋት ዝምልከት ሕቶታት ከተማልእ ኣይትኽእልን ኢያ። እቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ እቶም ናይ ብሕቶም ጽሑፍ ክለኣኸሎም ዝደልዩ ነቲ ጽሑፋት ዝሕዝ ሓው እቲ ብብሕቶም ዝደልይዎ ጽሑፋት ምእንቲ ክነግርዎ ክኽእሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ቅድሚ እቲ ናይ ጉባኤ ወርሓዊ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ናብ ማሕበር ምልኣኹ ምልክታ ከም ዝንገር ክገብር ይግብኦ። ኣየኖት ጽሑፋት ፍሉይ ትእዛዝ ምዃኖም በጃኹም ኣይትረስዕዎ።

◼ ጉባኤታት እቲ ናይ ማሕበር ሲዲ⁠-​ሮም ብሓፈሻ ንህዝቢ ዘይከውን ሓበሬታ ሒዙ ስለ ዘሎ ጽሑፋት ክትሓቱ ከለኹም ንዕኡ ክጥቀምሉ ዝኽእሉ ኣስፋሕቲ ጥራይ ምዃኖም ክትዝክርዎ ይግባእ።

◼ ኣብታ ናይ ግንቦት 1997 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸ “ሕቶ ሳጹን” ኣብ ኣገልግሎት ምስ ኣንጻር ጾታ ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ምዕያይ ዝምልከት ጥንቁቓት ክንከውን ርእይቶ ተዋሂቡ ነይሩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኵላትና ናይ ምምዝዛን ክእለት ክንጥቀም ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎ። እዚ ክበሃል ከሎ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ወይ ድማ ካልኦት ኣሕዋት ከይተረፈ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስ ኣሓት ኰይኖም ከገልግሉ ኣይክእሉን ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: እቲ ሓሳባት ሓደ ሓው ምስ ኣንጻር ጾታ ዝዀነ ውሱን ሰብ እሞ ዝምድና ኸኣ ዘይብሎም ኵሉ ግዜ ንበይኖም ኰይኖም ግዜ ከሕልፉ ጥበባዊ ኣይኰነን ዝብል ኢዩ ገሊጹ።

◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ክመጽእ እንጽበዮ:- ብዓረብኛ:- ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን ኢዩ፣ ኣምሓርኛ:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት: ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት፣ እንግሊዝኛ:- ትራክት ቍጽሪ 13, 14, 15, 16 ከምኡውን 20፣ ናይ 1958: 1986: 1988 ጥሙር ጥራዛት ግምቢ ዘብዐኛ፣ ናይታ መንግስቲ መዛሙራት ቍ. 1 (ብኣውድዮ ካሴት)። ፈረንሳይኛ:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ጣልያንኛ:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ