ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/11 ገጽ 2
  • ድሕር ኣይትበል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ድሕር ኣይትበል
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንእሰያት—ንቤት ትምህርትኹም ብጽቡቕ ተጠቐምሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ውሉዳትካ ተዳልዮምዶ ኣለዉ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • 17 ትምህርቲ ኽገድፎዶ፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ምዝገባ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
km 10/11 ገጽ 2

ድሕር ኣይትበል

1. እንታይ ንምግባር እዩ ትብዓት ዚሓትት፧ ስለምንታይከ፧

1 ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣደዳ ላግጺ ንኸይትኸውን ብምፍራህ፡ ካብ ምምስካር ድሕር ኢልካ ትፈልጥዶ፧ ብፍላይ ትሓፍር እንተ ዄንካ፡ ሓቦ ጌርካ ንኽትዛረብ ትብዓት ከም ዚሓተካ ፍሉጥ እዩ። እሞኸ፡ ንኽትተብዕ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

2. ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስክርነት ንምሃብ ምምዝዛን ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧

2 ኣመዛዝን፦ ንቤት ትምህርቲ ኸም ናይ ብሕቲ ኽልኻ ጌርካ ኽትርእዮ ግቡእ እኳ እንተ ዀነ፡ ከምቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ ከለኻ እትገብሮ፡ ምስ ኵሉ ሰብ ተበግሶ ወሲድካ መንፈሳዊ ዝርርብ ክትገብር ኣሎካ ማለት ከም ዘይኰነ ፍለጥ። መዓስ ክትዛረብ ከም ዘሎካ ኣመዛዚንካ ወስን። (መክ. 3:1, 7) ኣብ ክፍሊ ንምይይጥ ዚቐርብ ሓደ ርእሰ ነገር፡ ወይ ዕዮ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ እምነትካ ንኽትገልጽ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልካ ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ሓደ መማህርትኻ፡ ኣብ ገሊኡ ንጥፈታት ስለምንታይ ከም ዘይትካፈል ይሓተካ ይኸውን። ሓድሓደ ክርስትያናት ቤት ትምህርቲ ምስ ተኸፍተ፡ ንመምህራኖም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ይሕብርዎምን ብዛዕባ እምነትና ዚገልጽ ጽሑፋት ይህብዎምን እዮም። ገሊኣቶም ከኣ፡ መማህርቶም ሕቶታት ምእንቲ ኺሓትዎም፡ ኣብ ሰደቓኦም ጽሑፋት የቐምጡ።

3. ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስክርነት ንምሃብ ብኸመይ ክትዳሎ ትኽእል፧

3 ተዳሎ፦ ምድላው፡ ዝያዳ ምትእምማን ከም ዚህልወካ እዩ ዚገብር። (1 ጴጥ. 3:15) ስለዚ፡ ኣቐዲምካ እንታይ ሕቶታት ኪለዓል ከም ዚኽእልን ብኸመይ ክትምልስ ከም እትኽእልን ሕሰብ። (ምሳ. 15:28) ኬድሊ ኸሎ ምእንቲ ኽትጥቀመሉ፡ እንተ ተኻኢሉ፡ ከም መጽሓፍ ሪዝኒንግ፡ መንእሰያት ዚሓትዎ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ፍጥረት ዚገልጽ ጽሑፋት ዝኣመሰለ ሒደት መወከሲታትን መጽሓፍ ቅዱስካን ናብ ቤት ትምህርቲ ተማላእ። ኣብ እዋን ኣምልኾ ስድራ ቤትኩም ልምምድ ክትገብሩ፡ ንወለድኻ ሕተቶም።

4. ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዘውቲርካ ምስክርነት ክትህብ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

4 ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ፦ ብዛዕባ ሓቂ እንተ ጠቒስካ፡ መማህርትኻ ወትሩ ኸም ዜላግጹልካ ጌርካ ኣይትሕሰብ። ገሊኣቶም ብትብዓትካ ኺንእዱኻን ኪሰምዑኻን ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግና ኣወንታዊ ምላሽ እንተ ዘይሂቦምኻ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ምስክርነት ንምሃብ ብምፍታንካ የሆዋ ይሕጐስ እዩ። (እብ. 13:15, 16) ‘ብዅሉ ትብዓት ንኽትዛረብ’ ምእንቲ ኺሕግዘካ ኣዘውቲርካ ለምኖ። (ግብ. 4:29፣ 2 ጢሞ. 1:7, 8) ዚሰምዕ ሰብ እንተ ረኺብካ ኽሳዕ ክንደይ ከም እትሕጐስ እሞ ገምት። እቲ ሰብ እቲ መወዳእታኡ ኣገልጋሊ የሆዋ ኪኸውን እውን ይኽእል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ