ድሕር ኣይትበል
1. እንታይ ንምግባር እዩ ትብዓት ዚሓትት፧ ስለምንታይከ፧
1 ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣደዳ ላግጺ ንኸይትኸውን ብምፍራህ፡ ካብ ምምስካር ድሕር ኢልካ ትፈልጥዶ፧ ብፍላይ ትሓፍር እንተ ዄንካ፡ ሓቦ ጌርካ ንኽትዛረብ ትብዓት ከም ዚሓተካ ፍሉጥ እዩ። እሞኸ፡ ንኽትተብዕ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
2. ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስክርነት ንምሃብ ምምዝዛን ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧
2 ኣመዛዝን፦ ንቤት ትምህርቲ ኸም ናይ ብሕቲ ኽልኻ ጌርካ ኽትርእዮ ግቡእ እኳ እንተ ዀነ፡ ከምቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ ከለኻ እትገብሮ፡ ምስ ኵሉ ሰብ ተበግሶ ወሲድካ መንፈሳዊ ዝርርብ ክትገብር ኣሎካ ማለት ከም ዘይኰነ ፍለጥ። መዓስ ክትዛረብ ከም ዘሎካ ኣመዛዚንካ ወስን። (መክ. 3:1, 7) ኣብ ክፍሊ ንምይይጥ ዚቐርብ ሓደ ርእሰ ነገር፡ ወይ ዕዮ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ እምነትካ ንኽትገልጽ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልካ ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ሓደ መማህርትኻ፡ ኣብ ገሊኡ ንጥፈታት ስለምንታይ ከም ዘይትካፈል ይሓተካ ይኸውን። ሓድሓደ ክርስትያናት ቤት ትምህርቲ ምስ ተኸፍተ፡ ንመምህራኖም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ይሕብርዎምን ብዛዕባ እምነትና ዚገልጽ ጽሑፋት ይህብዎምን እዮም። ገሊኣቶም ከኣ፡ መማህርቶም ሕቶታት ምእንቲ ኺሓትዎም፡ ኣብ ሰደቓኦም ጽሑፋት የቐምጡ።
3. ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስክርነት ንምሃብ ብኸመይ ክትዳሎ ትኽእል፧
3 ተዳሎ፦ ምድላው፡ ዝያዳ ምትእምማን ከም ዚህልወካ እዩ ዚገብር። (1 ጴጥ. 3:15) ስለዚ፡ ኣቐዲምካ እንታይ ሕቶታት ኪለዓል ከም ዚኽእልን ብኸመይ ክትምልስ ከም እትኽእልን ሕሰብ። (ምሳ. 15:28) ኬድሊ ኸሎ ምእንቲ ኽትጥቀመሉ፡ እንተ ተኻኢሉ፡ ከም መጽሓፍ ሪዝኒንግ፡ መንእሰያት ዚሓትዎ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ፍጥረት ዚገልጽ ጽሑፋት ዝኣመሰለ ሒደት መወከሲታትን መጽሓፍ ቅዱስካን ናብ ቤት ትምህርቲ ተማላእ። ኣብ እዋን ኣምልኾ ስድራ ቤትኩም ልምምድ ክትገብሩ፡ ንወለድኻ ሕተቶም።
4. ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዘውቲርካ ምስክርነት ክትህብ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
4 ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ፦ ብዛዕባ ሓቂ እንተ ጠቒስካ፡ መማህርትኻ ወትሩ ኸም ዜላግጹልካ ጌርካ ኣይትሕሰብ። ገሊኣቶም ብትብዓትካ ኺንእዱኻን ኪሰምዑኻን ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግና ኣወንታዊ ምላሽ እንተ ዘይሂቦምኻ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ምስክርነት ንምሃብ ብምፍታንካ የሆዋ ይሕጐስ እዩ። (እብ. 13:15, 16) ‘ብዅሉ ትብዓት ንኽትዛረብ’ ምእንቲ ኺሕግዘካ ኣዘውቲርካ ለምኖ። (ግብ. 4:29፣ 2 ጢሞ. 1:7, 8) ዚሰምዕ ሰብ እንተ ረኺብካ ኽሳዕ ክንደይ ከም እትሕጐስ እሞ ገምት። እቲ ሰብ እቲ መወዳእታኡ ኣገልጋሊ የሆዋ ኪኸውን እውን ይኽእል እዩ።