ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/11 ገጽ 2
  • ውሉዳትካ ተዳልዮምዶ ኣለዉ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውሉዳትካ ተዳልዮምዶ ኣለዉ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ደቅኻ ንዜጋጥሞም ብድሆታት ኪዋጽኡሉ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ንቤት ትምህርቲ ተዳሊኻዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ስድራ ቤትካ ብኸመይ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል፧—2ይ ክፋል
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም፡ ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ኣሰልጥንዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
km 7/11 ገጽ 2

ውሉዳትካ ተዳልዮምዶ ኣለዉ፧

1. ተመሃሮ ኺዳለዉ ዘለዎም ስለምንታይ እዩ፧

1 ቤት ትምህርቲ ዚኽፈተሉ ሓድሽ ዓመት ይቐርብ ኣሎ። ውሉዳትካ ሓድሽ ብድሆታትን ጸቕጥታትን ከም ዜጋጥሞም ዜጠራጥር ኣይኰነን። ‘ንሓቂ ኺምስክሩ’ እውን ሓድሽ ኣጋጣሚ ኪረኽቡ እዮም። (ዮሃ. 18:37) እሞኸ ተዳልዮምዶ ኣለዉ፧

2. ውሉዳትካ ድሉዋት ምእንቲ ኪዀኑ እንታይ ኪፈልጡ ኣለዎም፧

2 ውሉዳትካ፡ ኣብ ሃገራውን ኣረማውን በዓላት ምክፋል እንታይ ከም ዜጠቓልልን ስለምንታይ ኣብኡ ኺካፈሉ ኸም ዘይብሎምን ብንጹር ይፈልጡ ድዮም፧ ዝለዓለ ትምህርቲ ኺመሃሩ፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ኺተዓራረኹ፡ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ሓሽሽ ኪወስዱ ዚግበረሎም ጸቕጢ ንኺዋጽኡሉ ተዳልዮም ድዮም፧ ኣብ ሕማቕ ንጥፈታት ዘይካፈሉ፡ ሃይማኖቶም ስለ ዘይፈቕደሎም ከም ዝዀነ ጥራይ ድዮም ዚዛረቡ ወይስ፡ እምነቶም ብኸመይ ኪገልጹ ኸም ዘለዎም ይፈልጡ እዮም፧—1 ጴጥ. 3:15።

3. ወለዲ ንውሉዳቶም ንምድላው፡ ነታ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚገብሩላ ምሸት ብኸመይ ኪጥቀሙላ ይኽእሉ፧

3 ነታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብሩላ ምሸት ተጠቐመላ፦ ኣብ ወቕቲ ትምህርቲ፡ ውሉዳትካ ሓድሽ ብድሆታት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ምሳታቶም ከም እትመያየጥ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ትምህርቲ ቕድሚ ምጅማሮም፡ ምስ ቤት ትምህርቲ ዚተሓሓዝ ነገራት ንምምይያጥ ፍሉይ ጻዕሪ ምስ እትገብር፡ ውሉዳትካ ምትእምማን ከም ዚሓድሮም ኪገብር እዩ። ካብተን ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብሩለን ምሸት፡ ሓንቲ መዓልቲ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ነዚ ዕላማ እዚ ንምንታይ ዘይትጥቀሙለን፧ ውሉዳትኩም ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ኺሓስቡ ኸለዉ ኣዝዩ ዜጨንቖም እንታይ ከም ዝዀነ ኽትሓትዎም ትኽእሉ ኢኹም። ውሉዳት እናዓበዩን ምርዳኦም እናወሰኸን ስለ ዚኸይድ፡ ዓሚ ተዘራሪብኩምሉ ዝነበርኩም ነገራት ከም ብሓድሽ ክትመያየጥሉ ትኽእሉ ኢኹም። (መዝ. 119:95) ከም መምህር፡ ኣማኻሪ ተመሃሮ፡ ተመሃራይ ኴንኩም እትዋስኡሉ ልምምድ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ውሉዳትኩም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ምላሽ ኪህቡ ኸም ዚኽእሉን ነተን ሪዝኒንግ ከምኡውን መንእሰያት ዚሓትዎ ዚበሃላ መጻሕፍቲ ብኸመይ ኪጥቀሙለን ከም ዚኽእሉን ምሃርዎም። ሓንቲ ወላዲት ንውሉዳታ፡ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዚኽፈተሉ እዋን ንዚረኽብዎም ሓደስቲ መምህራኖም ብኸመይ ኪፋለጥዎምን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ብኸመይ ኪነግርዎምን ከም ዚኽእሉ ተለማምዶም እያ።​—ናይ 15 ታሕሳስ 2010 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 3-5 ርአ።

4. ጥበበኛታት ወለዲ እንታይ እዮም ዚገብሩ፧

4 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ክርስትያን መንእሰያት ዜጓንፎም ብድሆታት ‘እናኸፍአ’ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። (2 ጢሞ. 3:1) ጥበበኛታት ወለዲ ንውሉዳቶም፡ ነዚ ብድሆታት እዚ ኺዋጽኡሉ ኣቐዲሞም የዳልውዎም እዮም። (ምሳ. 22:3) እምበኣር፡ ቤት ትምህርቲ ዚኽፈተሉ ሓድሽ ዓመት ቅድሚ ምብጻሑ፡ ኵላትኩም ንውሉዳትኩም ንምሕጋዝ ዝከኣለኩም ግበሩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ