ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/09 ገጽ 3
  • ንቤት ትምህርቲ ተዳሊኻዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንቤት ትምህርቲ ተዳሊኻዶ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ውሉዳትካ ተዳልዮምዶ ኣለዉ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • መንእሰያት—ንቤት ትምህርትኹም ብጽቡቕ ተጠቐምሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ድሕር ኣይትበል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ምስክርነት ኣብ ቤትን ቤት ትምህርትን ፍረ የፍሪ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
km 8/09 ገጽ 3

ንቤት ትምህርቲ ተዳሊኻዶ፧

1. ትምህርቲ ምስ ተጀመረ፡ እንታይ ኣጋጣሚታት እዩ ዚኽፈተልካ፧

1 ንኣሽቱን መንእሰያትን ክርስትያናት፡ እቲ ዚምዝገቡሉ ቤት ትምህርቲ ሓድሽ ይኹን ዝጸንሑሉ ብዘየገድስ፡ ሓድሽ ብድሆታትን ጸቕጥታትን የጋጥሞም እዩ። ኰይኑ ግን፡ ‘ንሓቂ ንኺምስክሩ’ ሓድሽ ኣጋጣሚታት እውን ይረኽቡ እዮም። (ዮሃ. 18:37) እሞኸ ንምምስካር ተዳሊኻዶ፧

2. ንቤት ትምህርቲ ብኸመይ ተዳሊኻ ኣለኻ፧

2 ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትካ ዕዉት ምእንቲ ኽትከውን፡ ካብ የሆዋን ካብ ወለድኻን ካብ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያን ብዙሕ ስልጠና ተዋሂቡካ እዩ። (ምሳ. 1:8፣ 6:20፣ 23:23-25፣ ኤፌ. 6:1-4፣ 2 ጢሞ. 3:16, 17) ኣብ ቤት ትምህርትኻ እንታይ ብድሆታት ከም እትጽበ ትፈልጥ ኢኻ። በቲ ኣምላኻዊ ስልጠናን ብዛዕባ ኸባቢኻ ዘሎካ ፍልጠትን ጌርካ፡ ንምምስካር ተዳሎ። (ምሳ. 22:3) ነቲ ኣብተን መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታት ዚበሃላ ኽልተ ጥራዛት ዘሎ መምርሒታትን ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባትን ኰነ ነቲ ብስሩዕ ኣብ ንቕሑ! ዚወጽእ ምስኡ ዚዛመድ ዓንቀጻት ኣርዚንካ ርኣዮ።

3. ብኸመይ ኢኻ ኽትምስክር እትኽእል፧

3 እቲ ፍሉይ ክልኻ፡ ብብዙሕ መገድታት ንኽትምስክር የኽእለካ። ካልኦት ነቲ ኣብነታዊ ኣከዳድናኻን ኣመለኻኽዓኻን፡ ኣኻይዳኻን ኣዘራርባኻን፡ ንደቂ ኽፍልኻን ንመምህራንካን ዘሎካ ኣኽብሮት፡ ከምኡውን ኣብ ትምህርቲ ዝረኸብካዮ ነጥቢ ምስ ረኣዩ፡ ድልዱል መሰረት ህይወት ከም ዘሎካ ኸኣ ምስ ተገንዘቡ፡ ገሊኦም፡ “ስለምንታይ ኢኻ እተፈለኻ ዄንካ፧” ኢሎም ኪሓቱኻ ይኽእሉ እዮም። (ሚል. 3:18፣ ዮሃ. 15:19) ንኽትምስክርን እምነትካ ንኽትገልጽን ኣጋጣሚ ኪኽፈተካ ይኽእል እዩ። (1 ጢሞ. 2:9, 10) ኣብ ምሉእ ዓመት፡ ኣብ ግዜ በዓላት ኰነ ኣብ ካልእ እዋን ብድሆታት ኬጋጥመካ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ስለምንታይ ኣብኡ ኸም ዘይትሳተፍ ምስ ተሓተትካ፡ “ምስ ሃይማኖተይ ዚጻረር እዩ፣ ኣነ ናይ የሆዋ ምስክር እየ” ጥራይ ኢልካ ዲኻ ኽትምልስ፡ ወይስ ነቲ ኣጋጣሚ ብዛዕባ እቲ ፈቃር ኣቦኻ የሆዋ ንኽትምስክር ክትጥቀመሉ ኢኻ፧ በቲ የሆዋ ዚህቦ መምርሒ ኣቢልካ ብጽቡቕ እንተ ተዳሊኻ፡ ንመምህራንካን ንመማህርትኻን ንኻልኦትን ጽቡቕ ጌርካ ንምምስካር ድሉው ክትከውን ኢኻ።—1 ጴጥ. 3:15።

4. ኣብ ትምህርትኻ ዕዉት ክትከውን ከም እትኽእል ምትእምማን ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

4 ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ቍሩብ ዜፍርሃካ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ትምህርትኻ ዕዉት ክትከውን ዚደልዩኻ ብዙሓት ዚድግፉኻ ኸም ዘለዉኻ ኣይትረስዕ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ኣብቲ ፍሉይ ክልኻ ንኻልኦት ንምምስካር ኣጋጣሚታት ዘሎካ ምዃኑ የሐጕሰና እዩ። ስለዚ፡ ትባዕ፡ ንቤት ትምህርቲ ድማ ተዳሎ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ