ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/09 ገጽ 1
  • ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ትኽእልዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ትኽእልዶ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ፓይነር ኣገልግሎት—ንዓኻ ዝምልከት ድዩ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት መዝገብካ ኣስፈሓዮ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ካብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝርከብ በረኸት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
km 7/09 ገጽ 1

ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ትኽእልዶ፧

1. ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እንታይ ብህጹጽ ኪዕየ ዜድሊ ዕዮ እዩ ዘሎ፧ ስለምንታይከ፧

1 የሱስ ነቲ ብዙሓት ህዝቢ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም ተገዳስነት ምስ ረኣየ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ” ብምባል መምርሒ ሃቦም። (ማቴ. 9:37, 38) ንሕና ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓታት ቀውዒ ስለ ዘለና፡ ዕዮና ኻብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብህጹጽ ኪዕየ ኣለዎ። እዚ ኺበሃል ከሎ፡ ከመይ ጌርና ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዝያዳ ተሳትፎ ኸም እንገብር ብጸሎት ክንሓስበሉ ኣሎና ማለት እዩ።—ዮሃ. 14:13, 14።

2. ገሊኦም ነቲ ዝያዳ ዓየይቲ ኸም ዜድልዩ ዝቐረበ ጻውዒት ብኸመይ ምላሽ ሂቦምሉ፧

2 ኣገልግሎትካ ኣስፍሕ፦ ብዙሓት ሰባት ካብ የሆዋ ብዚረኽብዎ መምርሕን ሓገዝን፡ ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ኽኢሎም እዮም። (መዝ. 26:2, 3፣ ፊል. 4:6) ገሊኦም፡ ኣብ ዓመት ንሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣዋርሕ ሓገዝቲ ፈለምቲ ንምዃን ፍሉይ ጻዕሪ ገይሮም እዮም። እዚ ሓደ ኻብቲ ኣገልግሎቶም ዜስፍሑሉ ጽቡቕ መገዲ እዩ። ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ብምስታፍ ዚርከብ ሓጐስ፡ ንሓያሎ ኻባታቶም ስሩዓት ፈለምቲ ንኪዀኑ ኣለዓዒልዎም እዩ።—ግብ. 20:35።

3. ኣቐዲምካ ፈላሚ ዄንካ ተገልግል እንተ ኔርካ፡ ሕጂ እንታይ ኢኻ ኽትሓስበሉ ዘሎካ፧

3 ዳግም ፈላሚ ኽትከውን ትኽእልዶ፧ ኣቐዲምካ ፈላሚ ዄንካ ተገልግል እንተ ኔርካ፡ ባህ ዜብል ተዘክሮታት ከም ዘሎካ ኣየጠራጥርን እዩ። ዳግም ፈላሚ ንምዃን ብጸሎት ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ኣገልግሎት ፈላምነት ንኸተቋርጽ ዘገደደካ ዅነታት፡ ሕጂ ተኣልዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ከም ብሓድሽ ንኸተስተማቕሮ መገዲ ተኸፊቱልካ ይህሉ ይኸውን።—1 ዮሃ. 5:14, 15።

4. ንዅላትና እንታይ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ ተኸፊቱልና ዘሎ፧

4 ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዕዮ ቐውዒ ብዙሕ ተዓዩ ኣሎ፣ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸኣ እቲ ዕዮ ኪዛዘም እዩ። (ዮሃ. 4:35, 36) እምበኣር፡ ኵላትና ንጥፈታትና ኣተዓራሪና፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እንገብሮ ተሳትፎ ኸነስፍሕ ንኽእል እንተ ዄንና፡ ንዅነታትና ንመርምር። ኣገልግሎትና ኸነስፍሓሉ እንኽእል ኣጋጣሚ እንተ ዘይረኺብና ኸኣ፡ ዝያዳ ውጽኢታውያን ንምዃን መገድታት ከነናዲ ንኽእልዶ፧ (ማር. 12:41-44) እቶም ኣብዚ ፍሉይ ዕዮ እዚ ንየሆዋ ኼገልግሉ ዅነታቶም ዚፈቕደሎም ሰባት፡ ፍሉይ መሰል እዮም ዚረኽቡ።—መዝ. 110:3።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ