ናይ ፓይነር ኣገልግሎት—ንዓኻ ዝምልከት ድዩ፧
1 “ካብዚ ዝበልጽ ካልእ ዕዮ ኣሎ ኢለ ክግምት ኣይክእልን ኢየ። እወ: ከምዚ ዝዓይነቱ ሓጐስ ከምጽእ ዝኽእል ዕዮ ኣሎ ኢለ ክግምት ፈጺመ ኣይክእልን ኢየ።” ከምዚ ኢሉ እተዛረበ መን ኢዩ፧ ካብቶም ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣብ ህይወቶም ዘሐጕስ ዕዮ ዝገበርዎ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓደ ኢዩ። ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ንዓኻ ዝምልከት እንተ ዀይኑ ብጸሎት ሓሲብካሉዶ ኢኻ፧ ህይወትና ከይመቓቐልና ንየሆዋ ስለ ዝወፈና: ‘ኣብ ምስፋሕ ብስራት እታ መንግስቲ ምሉእ ብምሉእዶ ንካፈል ኣሎና ኢና’ ኢልና ክንሓስብ ከም ዘሎና እተረጋገጸ ኢዩ። ነዚ ሸቶ እዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ: ነቲ ንናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝምልከት ብዙሓት ሰባት ዝሓትዎ ገለ ሕቶታት በጃኻ ርአ።
ሕቶ ቍጽሪ 1:- “ገሊኦም ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ንዅሉ ሰብ ዝምልከት ከም ዘይኰነ ይዛረቡ። ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ንዓይ ዝምልከት እንተድኣ ዀይኑ ከመይ ገይረ ኢየ ዝፈልጥ፧”
2 እቲ መልሲ ኣብ ኵነታትካን ቅዱስ ጽሑፋዊ ግዴታታትካን ዝምርኰስ ኢዩ። ጥዕናኦም ወይ ድማ ሕጂ ዘለዉዎ ኵነታት ናብራ ኣብቲ ኣገልግሎት ኣብ ወርሒ 90 ሰዓታት ንኽውፍዩ ዘይፈቕደሎም ሓያለይ ኣለዉ። ነተን ክርስትያን ኣንስትን ኣዴታትን ዝዀና ሓያሎ እሙናት ኣሓት ከም ሓደ ኣብነት ገይርካ ርኣየን። ኵነታተን ክሳዕ ዝፈቕደለን ብዝከኣለን መጠን ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ኣገልግሎት ይካፈላ ኢየን። ኣጋጣሚ ከም ዝፈቕዶ ኸኣ: ዓመት ዓመት ንሓደ ወርሒ ወይ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይነን የገልግላ: ነቲ ናይ ኣገልግሎት ተሳትፎአን ብምዕባይ ዝርከብ ሓጐስ ድማ ይዓጽዳ። (ገላ. 6:9) እቲ ዅነታተን ኣብዚ ግዜ እዚ ከም ናይ ምሉእ ግዜ ፓይነራት ኰይነን ከገልግላ ዘይፈቕደለን እኳ እንተዀነ: ናይ ፓይነር መንፈስ ግን ኣለወን: ከም ቀናኣት ኣስፋሕቲ ናይቲ ብስራት መጠን ከኣ ነታ ጉባኤ በረኸት ኢየን ዝዀና።
3 በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ: ካብ ግዴታታት ብተዛማዲ ናጻ ዝዀኑ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ቀዳምነት ዝህብዎ ነገራቶም ብምትዕርራይ ንናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝኸውን ግዜ መዲቦም ኢዮም። ንስኻኸ፧ ዓለማዊ ትምህርቲ ዝወዳእካ መንእሰይ ዲኻ፧ ነታ ስድራቤት ዘድሊ እኹል ነገራት ከቕርብ ዝኽእል በዓል ቤት ዘሎኪ ሰበይቲ ዲኺ፧ ዝናበዩ ቘልዑ ዘይብልካ በዓል ሓዳር ዲኻ፧ ካብ ዓለማዊ ስራሕ ጥሮታ ዝወጻእካ ዲኻ፧ ፓይነር ምዃን ወይ ዘይምዃን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ባዕሉ ክውስኖ ዘለዎ ውሳነ ኢዩ። እቲ ሕቶ ግን: ‘ኣብ ህይወትካ ንናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝኸውን ግዜ ክትምድብዶ ትኽእል ኢኻ፧’ ዝብል ኢዩ።
4 ሰይጣን ንናብራና ብመተሓናዀሊታት ክመልኦን ኣብ ስሱዕ ኣነባብራ ከጥሕለናን ነዚ ዓለማዊ ኣገባቡ እዚ ይጥቀመሉ ኢዩ። ክፍሊ ናይ ዓለም ከይንኸውን እንተድኣ ወሲንና: የሆዋ ንረብሓታት እታ መንግስቲ ከነቐድም ከምኡውን ንዅሉ እቲ ክንረኽቦ እንኽእል ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት መሰላት ክንመጣጠርን ክንቅበሎን ክሕግዘና ኢዩ። ፓይነር ኴንካ ንኸተገልግል ኵነታትካ ከተተዓራሪ ትኽእል እንተድኣ ዄንካ: ስለምንታይ ከምኡ ዘይትገብር፧
ሕቶ ቍጽሪ 2:- “ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኰይነ ገዛእ ርእሰይ ከናብር ከም ዝኽእል ብኸመይ ኢየ ርግጸኛ ክኸውን ዝኽእል፧”
5 ኣብ ሓያሎ ሃገራት ነቲ ንህይወት ኣድላዪ ዝበሃል ነገራት ንምርካብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ዓለማዊ ስራሕ ክትሰርሖ ዘድልየካ ሰዓታት ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ከም ዝወሰኸ ሓቂ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብዙሓት ንዓሰርተታት ዓመታት ፓይነራት ኰይኖም ኣገልጊሎም ኢዮም: የሆዋ ድማ ገና የናብሮም ኣሎ። ከም ፓይነር ኴንካ ንኽትዕወት: እምነትን ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስን ኣድላዪ ኢዩ። (ማቴ. 17:20) ኣብ መዝሙር 34:10 እቶም ‘ንእግዚኣብሄር ዝደልይዎ ሰናይ ዘበለ ከቶ ኣይጐድሎምን’ ዝብል ውሕስነት ኣሎና። ናብቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝኣቱ ዝዀነ ይኹን ሰብ የሆዋ ከም ዘናብሮ ፈሊጡ ብምሉእ እምንቶ ክገብሮ ኣለዎ። ኣብ ኵሉ ቦታ ንዘለዉ እሙናት ፓይነራት ከምዚ ኢዩ ዝገብረሎም ዘሎ! (መዝ. 37:25) ፓይነራት ምስቲ ኣብ 2 ተሰሎንቄ 3:8, 10 ከምኡውን ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 5:8 ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ብምስምማዕ ካልኦት ብገንዘብ ክድግፍዎም ከም ዘይጽበዩ እተረጋገጸ ኢዩ።
6 ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ክጅምር ዝሓስብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከምቲ የሱስ ዝገለጾ ‘ቅድም ተቐሚጡ ክጽብጽብ’ ኣለዎ። (ሉቃ. 14:28) ከምዚ ምግባር ተግባራዊ ጥበብ ኢዩ ዘርኢ። ምስቶም ንሓያሎ ዓመታት ከም ፓይነራት ኰይኖም ብዓወት ዘገልገሉ ኴንካ ተዘራረበሉ። የሆዋ ብኸመይ ከም ዘናበሮም ሕተቶም። እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢኹም ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም እትዕወት ተሓጒሱ ሓሳብ ክህብ ዝኽእል ተመክሮ ዘለዎ ፓይነር ኢዩ።
7 ሓደ ሰብ ኣብ የሆዋ ክሳዕ ዘይተወከለ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 6:33 ዘሎ ሓቅነት ናይ የሱስ መብጽዓ ምሉእ ብምሉእ ፈጺሙ ከየስተማቕሮ ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ እምንቲ ፓይነር ከምዚ ብምባል ኣዘንተወት:- “ኣነን ብጸይተይን ከም ፓይነራት ኰይንና ኣብቲ እተመደብናሉ ሓድሽ ቦታ ምስ በጻሕና ሒደት ኣሕምልቲ: ውሑድ ጠስሚ ነበረና: ገንዘብ ከኣ ኣይነበረናን። ነቲ መግቢ ንድራር ወዳእናዮ: ከምዚ ድማ በልና:- ‘ሕጂ ንጽባሕ ዝኸውን ዋላ ሓንቲ የብልናን።’ ብዛዕብኡ ጸሊና ድማ ደቀስና። ንጽባሒቱ ንግሆ ሓንቲ ኣብቲ ከባቢ ዘላ ምስክር መጺኣ ‘የሆዋ ፓይነራት ክሰደልና ጸልየ። ሕጂ ዝበዝሕ ግዜ ከሰንየክን ኢየ: እንተዀነ ግን ካብ ከተማ ወጻኢ ስለ ዝነብር ምሳኽን ምሳሕ ምእንቲ ክበልዕ እዚ መግቢ ንዅላትና ክኸውን ኢለ ኣምጽኤዮ ኣሎኹ’ በለት። ብዙሕ ስጋን ኣሕምልትን ኢዩ ነይሩ።” የሱስ ‘ብህይወትና ክንጭነቕ’ ከም ዘይብልና እንተ ኣረጋገጸልና እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን! ድሕርዚ ወሲኹ “ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ” ብምባል ተዛረበ።—ማቴ. 6:25, 27
8 እዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናይ ፍቕረ-ንዋይ አተሓሳስባ እናዕበየት ኢያ ትኸይድ ዘላ። ምስቲ ኵነታት ከሰማምዓና ዝፍትን ተደራራቢ ጸቕጢ ኸኣ ይወርደና ኢዩ። ይኹን እምበር: ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብትሕትና ሞሳ ምርኣይ ብሒደት ስጋዊ ነገራት ከም እንዓግብ ይገብረና ኢዩ። (1 ጢሞ. 6:8) እቶም ንናብርኦም ቀሊልን ስርዓታውን ገይሮም ዝሕዝዎ ፓይነራት ንኣገልግሎት ዝኸውን ዝያዳ ግዜ ኣለዎም: ንኻልኦት ሓቂ ብምምሃር ድማ ዓቢ ሓጐስን መንፈሳዊ ሓይልን ይረኽቡ ኢዮም። ከም ናይ ባሕታዊ ዝመስል ናብራ ክነብሩ ዘይፍትኑ እኳ እንተ ዀኑ: ነቲ ንቝጠባዊ ኵነታቶም ንምትእኽኻል ዝገብርዎ ሚዛናዊ ሜላ ግን ነቲ ካብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝርከብ በረኸታት ንኽሕጐስሉ ኣኽኢልዎም ኢዩ።
9 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘሎናን ናይዚ እኩይ ዓለም ግዜ ድማ ናብ መወዳእታ ገጹ ይጐዩ ከም ዘሎን ካብ ልቢ እንተድኣ ተገንዚብካዮ: ነቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ ንምስባኽ ዝድለ መስዋእትታት ንምግባር ብመንፈሳዊ መገዲ ክትድረኽ ኢኻ። ንቝጠባዊ ኵነታትካ ደጊምካ ብምሕሳብን ነቲ ጕዳይ ድማ ኣብ ኢድ የሆዋ ብምግዳፍን ምሉእ ግዜ ከተገልግሎ ከም እትኽእል ክትግንዘብ ትኽእል ኢኻ። ፓይነር ምእንቲ ክትከውን ገለ ስጋዊ ድሌታት ክትገድፍ ዘድልየካ እኳ እንተዀነ: ብዙሕ በረኸት የሆዋ ከተስተማቕር ኢኻ።—መዝ. 145:16
ሕቶ ቍጽሪ 3:- “ከም ኮተቴ መጠን: ነቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ከም ናይ ሞያ ምርጫ ገይረ ክሓስቦ ዘሎኒ ስለምንታይ ኢዩ፧”
10 ትምህርቲ ንኽትውድእ ሒደት ዓመታት ክተርፈካ ኸሎ: ብዛዕባ መጻኢ ከም እትሓስብ ፍሉጥ ኢዩ። መጻኢኻ ውሕስነት ዘለዎን ዘሐጕስን ዕግበት ዘምጽእን ክኸውን ትደልዮ ኢኻ። ናይ ቤት ትምህርቲ ኣማኸርቲ ኣብ ኮለጅ ኣቲኻ ንዓመታት ምምሃር ዝሓትት ዘሀብትም ሞያ ንኽትማሃር ክደፋፍኡኻ ክፍትኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ኣጸቢቑ እተለማመደ ክርስትያናዊ ሕልናኻ ብእተኻእለ መጠን ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ንኸተገልግሎ ክትዳሎ ከም ዘሎካ ይነግረካ ኢዩ። (መክ. 12:1) ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ ክትምርዖን ስድራቤት ክትምስርትን ሓሲብካ እውን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እንታይ ኢኻ ክትገብር፧
11 እቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ንህይወትካ ዝምልከት እትገብሮ ውሳነታት ነቲ ድሕሪኡ ዘሎ መጻኢኻ ብምሉኡ ክትንክፎ ይኽእል ኢዩ። ድሮ ህይወትካ ወፊኻ እተጠመቕካ ናይ የሆዋ ምስክር እንተድኣ ዄንካ: ምሉእ ነፍስኻ ንየሆዋ ሂብካ ኢኻ። (እብ. 10:7) ንሓደ ወርሒ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ፈትን: እቲ ዘሎካ ቀዳማይ ኣጋጣሚ እዚ ኢዩ። እዚ ነቲ ስርዓታዊ ፓይነር ብምዃን ዝመጽእ ሓጐስን ሓላፍነታትን ከም እተስተማቕሮ ክገብረካ ኢዩ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወትካ ክትገብሮ ዘሎካ ነገራት ድማ ዝያዳ ብሩህ ኣመለኻኽታ ከም ዝህልወካ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ድሕርዚ ትምህርቲ ምስ ወዳእካ ንዘሎካ ኣጋጣሚ ምሉእ ግዜኻ ብዝሓተካ ዓለማዊ ዕዮ ኣብ ክንዲ እተትሕዞ: ስርዓታዊ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዘይትጅምር፧ ገለ ካብቶም ነቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ዝጀመርዎ ኣስፋሕቲ ቅልጥፍ ኢሎም ብዘይ ምጅማሮም ይጠዓሱ ኢዮም።
12 ከም መንእሰያት መጠን: ነቲ ንጽል ኴንኩም ንኽትቅጽሉ ዘለኩም ኣጋጣሚታት ጽቡቕ ገይርኩም ተጠቐምሉ: ነቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ስብከት ዝርከብ ረብሓ ድማ ኣስተማቕርዎ። ሓደ መዓልቲ ክትምርዓዉ ድሌትኩም እንተድኣ ዀይኑ: ንሓዳር ዝኸውን መሰረት ንምስራት መጀመርታ ኣብቲ ስርዓታዊ ናይ ፓይነር ዕዮ ካብ ምግልጋል ንላዕሊ ዝሓይሽ የለን። ኣብ ብስለት ምስ በጻሕኩምን ብመንፈስ ምስ ዓበኹምን: ከምቲ ናትኩም ኣተሓሳስባ ምስ ዘለዋ ወይ ዘለዎ ናይ መርዓ ብጸይቲ ወይ ብጻይ ኴንኩም ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዕዮኹም ክትፍጽሙ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም። ፓይነራት ኰይኖም ብሓንሳእ ዘገልገሉ ገለ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብቲ ናይ ወረዳ ዕዮ ወይ ድማ ኣብቲ ናይ ሚስዮናዊ ግራት ከገልግሉ ወሲኖም ኢዮም። ካብዚ ንላዕሊ ዘዕግብ ናብራ የለን!
13 ኣብቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ከም እትቕጽል ብዘየገድስ: ብዙሕ ትምህርቲ ክትረክብ: ኣብ ምድሪ ዘሎ ካልእ ዕዮ ክህቦ ዘይክእል ብዋጋ ዘይሽነን ልምምድ ከኣ ክትረክብ ኢኻ። ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝዓበየ ሓላፍነታት ንኽትስከም ዘዕጥቐካ ከም ርእሰ-ምግታእ: እተመሓደርካ ምዃን: ምስ ሰባት ብኸመይ ርክብ ከም እትገብር: ኣብ የሆዋ ምውካል: ከምኡውን ትዕግስትን ሕያውነትን ብኸመይ ከም እተማዕብል ዝኣመሰለ ባህርያት ይምህር ኢዩ።
14 ህይወት ንወድሰብ ውሕስነት ዘይብሉ ነገር ኢዩ ዀይኑዎ። የሆዋ እተመባጽዖ እንተ ዘይኰይኑ ብሓቂ ነባሪ ዝዀነ ነገር ብዙሕ የለን። መጻኢኻ ኣብ ቅድሜኻ ተዘርጊሑልካ ስለ ዘሎ: ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ዓመታት ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወትካ እትገብሮ ነገራት ኣርዚንካ ንኽትሓስበሉ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ግዜ ዝሓይሽ ካልእ ኣሎዶ፧ ነቲ ፓይነር ኴንካ ናይ ምግልጋል መሰል ብጥንቃቐ ኣመዛዝኖ። ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ከም ሞያኻ ገይርካ ብምምራጽካ ፈጺምካ ኣይክትጥዓስን ኢኻ።
ሕቶ ቍጽሪ 4:- “ነቲ ዝድለ ሰዓታት ንምምላእ ቀጻሊ ጸቕጢ ዘምጽእዶ ኸይኰነ፧ ሰዓታተይ እንተድኣ ጐዲሉኸ እንታይ ይኹን፧”
15 ነቲ ናይ ስርዓታዊ ፓይነር መሕተቲ ቅጥዒ ክትመልእ ከሎኻ: “ነቲ ዓመት ዓመት ዝድለ 1,000 ሰዓታት ብምኽንያታዊ መገዲ ምምላእ ምእንቲ ኽትክእል ብሕታዊ ጕዳያትካ ኣተዓራሪኻ ዲኻ፧” ዝብል ሕቶ ክትምልሰሉ ኣሎካ። ነቲ ሰዓታት ንምምላእ: ኣብቲ ኣገልግሎት ንመዓልቲ ብገምጋም ዳርጋ ሰለስተ ሰዓታት ከተገልግል የድልየካ። እዚ ጽቡቕ መደብ ምውጻእን ርእስኻ ምቕጻዕን ከም ዝሓትት ኣየጠራጥርን ኢዩ። ሓያሎ ፓይነራት ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ጠቓምን ተግባራውን ዝዀነ ስርዓታዊ ልምዲ ኣጥርዮም ኢዮም።
16 ይኹን እምበር: መክብብ 9:11 ሓቅነት ብዘለዎ ኣገላልጻ ‘ንዅልና ግዜን ኣጋጣምን ይመጸና’ ምዃኑ ትገልጽ። ከቢድ ሕማም ወይ ካልእ ትጽቢት ዘይተገብሮ ኵነታት ንሓደ ፓይነር ሰዓታቱ ከም ዝጐድል ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። እቲ ግድል ንነዊሕ እዋን ዘይጸንሕን ኣብቲ መጀመርታ ናይ ኣገልግሎት ዓመት ዘጋጠመን እንተድኣ ዀይኑ: ነቲ ዝጐደለ ሰዓታት ንምምላእ ብዝያዳ ንምግልጋል ሰፊሕ መደብ ምውጻእ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር እቲ ናይ ኣገልግሎት ዓመት ክውዳእ ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ምስ ተረፎ ከቢድ ግድል እንተድኣ ተላዒሉ እሞ ኸኣ እቲ ፓይነር ነቲ ሰዓታቱ ክመልኦ እንተድኣ ዘይክኢሉኸ እንታይ ይኹን፧
17 ነቲ ዝድለ ሰዓታት ከም ዘይትመልኦ ዝገብር ንሒደት ኣዋርሕ ንግዚኡ እንተድኣ ሓሚምካ ወይ ድማ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝዀነ ገለ ካልእ ህጹጽ ምኽንያት እንተድኣ ኣጋጢሙካ: ናይታ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ኣባል ንዝዀነ ሓደ ቀሪብካ ነቲ ግድል ክትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም ብዛዕባቲ ዝጐደለ ሰዓታት ንምምላእ ከይተጨነቕካ ኣብቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ክትቅጽል ክፈቕዱልካ ዝሓሸ ዀይኑ እንተድኣ ተሰሚዕዎም: ውሳነ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ጸሓፊ ነቲ ዝጐደለ ሰዓታት ንምምላእ ከም ዘይትሕተት ንምሕባር ነቲ ናይ ጉባኤ ኣስፋሒ መዝገብ ካርድ ከመልክተሉ ኢዩ። እዚ ካብቲ ዕዮ ከም እተዕርፍ ዝገብር ፍቓድ ዘይኰነስ ንዅነታትካ ኣብ ግምት ዘእቱ ፍሉይ ሓልዮት ኢዩ።—ኣብ ናይ ነሓሰ 1986 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ቍጽሪ 18 (እንግሊዝኛ) ርአ።
18 ተመክሮ ዘለዎም ፓይነራት ኣብቲ መጀመርታ ናይ ኣገልግሎት ዓመት ንደሓር ዝዀኖም ሰዓታት ይእክቡ ኢዮም። እቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎቶም ቀዳምነት ዝዋሃቦ ስለ ዝዀነ ሓድሓደ ግዜ ኣገዳሲ ዘይኰነ ንጥፈታት ምልጋስ ኣድላዪ ዀይኑ ይረኽብዎ ኢዮም። ሓደ ፓይነር ጽቡቕ መደብ ብዘይ ምውጻእ ወይ ድማ ናብቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ንምጥባቕ ርእስኻ ናይ ምቕጻዕ ባህሪ ብዘይ ምርኣዩ ሰዓታቱ እንተድኣ ጐዲሉ: ነቲ ዝጐደለ ሰዓታት ንምምላእ ሓላፍነቱ ከም ዝዀነ ኽስምዖ ኣለዎ: ፍሉይ ሓልዮት ክግበረሉ ኸኣ ክጽበ የብሉን።
19 ሓደ ፓይነር ኣብ ኵነታቱ ከልግሶ ዘይክኣል ለውጥታት ዘጋጥሞ ግዜያት ኣሎ። ብምኽንያት ቀጻሊ ናይ ጥዕና ግድላት ወይውን እናወሰኸ ዝኸይድ ናይ ስድራቤት ሓላፍነትን ካልእን ነቲ ዝድለ ሰዓታት ኣብቲ ዘለዎ ነዊሕ ግዜ እውን ክመልኦ ከም ዘይክእል ኰይኑ ክረኽቦ ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ ኵነታት እዚ: ከም ኣስፋሒ ዀይኑ ክቕጽል ብጥበብ ክውስን ኣለዎ: ኣብ እተኻእለሉ ግዜ እውን ኣብቲ ናይ ሓጋዚ ፓይነር ኣገልግሎት ክካፈል ይኽእል ኢዩ። ሓደ ሰብ ኵነታቱ ነቲ ዝድለ ሰዓታት ንኽመልእ ዘይፈቕደሉ እንተድኣ ዀይኑ: ፓይነር ኰይኑ ንኽቕጽል ዝግበር ስሩዕ ምድላው የለን።
20 እቲ ነቶም ብቑዓት ዝዀኑ ዝግበር ፍሉይ ሓልዮት ናይ ምሃብ ምድላው ብዙሓት ካልኦት ዘየድሊ ጭንቀት ከየሕደሩ ኣብቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ክኣትዉ ከተባብዖም ተስፋ ንገብር። ነቶም ድሮ ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ እውን ኣብቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ክቕጽሉ ከተባብዖም ኣለዎ። ፓይነራት ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎቶም ክዕወቱ ንደሊ ኢና።
ሕቶ ቍጽሪ 5:- “ሓደ ነገር ክፍጽምን ብዕዮይ ክሕጐስን እደሊ ኢየ። ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ከዕግበኒ ድዩ፧”
21 ናይ ሓቂ ሓጐስ ብዓቢኡ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዝግበር ጥብቅን ብሕታውን ዝምድና ከምኡውን ብተኣማንነት ነገልግሎ ከም ዘሎና ዝስምዓና ጽኑዕ እምነት እተመርኰሰ ኢዩ። የሱስ “ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ” ኣብቲ ናይ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ተጸሚሙ ኢዩ። (እብ. 12:2) ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ኢዩ ሓጐስ ረኺቡ። (መዝ. 40:8) ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ኣገባብ: እቲ ዝበዝሐ ንጥፈታት ህይወትና ምስቲ ንየሆዋ እንህቦ ኣምልኾ እንተድኣ ተዛሚዱ ናይ ሓቂ ሓጐስ ከነስተማቕር ንኽእል ኢና። ደድሕሪ መንፈሳዊ ነገራት ብምስዓብና ብውሽጥና ቅኑዕ ነገር ንገብር ከም ዘሎና ስለ እንፈልጥ ዕላማ ከም ዘሎና ክስምዓና ኢዩ። ሓጐስ ካብ ምሃብ ኢዩ ዝመጽእ: ንኻልኦት ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ብኸመይ ክርከብ ከም ዝከኣል ካብ ምምሃሮም ንላዕሊ ህይወትና እንህበሉ ካልእ ዝሓሸ መገዲ ከም ዘየለ እውን ንፈልጥ ኢና።—ግብ. 20:35
22 እቲ ኣብ መእተዊ ናይዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሰ ፓይነር ነዚ ብዝምልከት ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ጽንዓት እትገብረሉ ዝነበርካ ሰብ ንጡፍ ናይ የሆዋ ወዳሲ ዀይኑ ከገልግል ካብ ምርኣይ ዝዓቢ ሓጐስሲ ክህሉዶ ይኽእል፧ ሰባት ንየሆዋ ከሐጕስዎ ኢሎም ኣነባብራኦም ንኽልውጡ ድራኸ ኣብ ምሕዳር ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ክትርኢ ባህ ዘብልን እምነትካ ዘደልድልን ኢዩ።” (ናይ 15 ጥቅምቲ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 18-23 ርአ።) ስለዚ: ዘሐጕሰካ ነገር እንታይ ኢዩ፧ ነቲ እዛ ዓለም እዚኣ እትህቦ ግዝያዊ ሓጐስ ኣብ ክንዲ እትጥምት ነቲ ነባርን ዝኽሕስን ጻዕርታት እንተድኣ ኣኽቢርካ ርኢኻዮ: ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ብሓቂ ከም እትሕጐስ ዝገብረካ ዘገርም ዝዀነ ናይ ዕግበት ስምዒት ከሕድረልካ ኢዩ።
ሕቶ ቍጽሪ 6:- “ፓይነር ምዃን እቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዘድሊ ብቕዓት ካብ ዘይኰነ: ፓይነር ክኸውን ወይ ከይከውን ናተይ ምርጫዶ ኸይኰነ፧”
23 ፓይነር ንምዃን እትውስን ባዕልኻ ምዃንካ ዘይከሓድ ኢዩ። ነቲ ብሕታዊ ኵነታት ህይወትካ ክፈርዶ ዝኽእል የሆዋ ጥራይ ኢዩ። (ሮሜ. 14:4) ብምሉእ ልብኻን ነፍስኻን ሓሳብካን ሓይልኻን ከተገልግሎ ፍትሓዊ ብዝዀነ መገዲ ይጽበየካ ኢዩ። (ማር. 12:30፣ ገላ. 6:4, 5) የሆዋ ብጓሂ ወይ ተገዲዱ ዘይኰነስ ባህ ኢልዎ ዘገልግሎ ሕጉስ ወሃቢ ኢዩ ዝፈቱ። (2 ቈረ. 9:7፣ ቈሎ. 3:23) ስለዚ እቲ ፓይነር ንምዃን ዝደፍኣካ ድራኸ መንፈሳዊ ሸቶ ክኸውን ኣለዎ። እንተ ዘይኰይኑ: እቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ኣይክስሕበካን ኢዩ። ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከተገልግል ዝገብረካ ምኽንያት ንየሆዋን ነቶም ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ሰባትን ስለ እተፍቅር ክኸውን ኣለዎ። (ማቴ. 9:36-38፣ ማር. 12:30, 31) ከምዚ ዝስምዓካ እንተድኣ ዀይኑ: ነቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ኣርዚንካ ክትሓስበሉ ኣሎካ።
24 እቲ ኣብዚ እተገልጸ ሓሳባት ኣብ ዝመጽእ ፓይነር ኴንካ ንምግልጋል ብዕቱብ ክትሓስበሉ ክሕግዘካ ተስፋ ንገብር። ስርዓታዊ ፓይነር ንምዃን ኵነታትካ ከተተዓራሪ ምኸኣልካዶ፧ ኣብ ታሕቲ “ሰሙናዊ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት መደበይ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ሰሌዳ ቀሪቡ ኣሎ። ኣብቲ ኣገልግሎት ኣብ ሰሙን ሰሙን ብገምጋም ዳርጋ 23 ሰዓታት ከተገልግል ዝፈቕደልካ ንዓኻ ዝኸውን ተግባራዊ መደብ ብምውጻእ ክትመልኦ ትኽእል እንተድኣ ዄንካ ርአ። ድሕርዚ: ምሉእ እምነትካን ትውክልትኻን ኣብ የሆዋ ግበር። በዚ ሓገዝ እዚ ክትዕወት ክትክእል ኢኻ! የሆዋ ‘በረኸት ብዘይ ልክዕ ከፍስሰልኩም ኢየ’ ብምባል ተመባጺዑ ኢዩ።—ሚል. 3:10
25 ስለዚ: “ናይ ፓይነር ኣገልግሎት—ንዓኻ ዝምልከት ድዩ፧” ብምባል ንሓትት። “እወ” ክትብል እንተድኣ ኽኢልካ: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ስርዓታዊ ዕዮ ፓይነር እትጅምረሉ መዓልቲ ወስን: የሆዋ ድማ ኣብ ህይወትካ ሓጐስ ብምሃብ ከም ዝባርኸካ ርግጸኛ ኹን!
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሰሌዳ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ሰሙናዊ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት መደበይ
ሰኑይሰሉስረቡዕሓሙስዓርቢቀዳምሰንበት
ናይ ንግሆናይ ንግሆናይ ንግሆናይ ንግሆናይ ንግሆናይ ንግሆናይ ንግሆ
ግራት ኣገልግሎትግራት ኣገልግሎትግራት ኣገልግሎትግራት ኣገልግሎትግራት ኣገልግሎትግራት ኣገልግሎትግራት ኣገልግሎት
ናይ ድሕሪ ቐትሪናይ ድሕሪ ቐትሪናይ ድሕሪ ቐትሪናይ ድሕሪ ቐትሪናይ ድሕሪ ቐትሪናይ ድሕሪ ቐትሪናይ ድሕሪ ቐትሪ
ግራት ኣገልግሎትግራት ኣገልግሎትግራት ኣገልግሎትግራት ኣገልግሎትግራት ኣገልግሎትግራት ኣገልግሎትግራት ኣገልግሎት
ናይ ምሸትናይ ምሸትናይ ምሸትናይ ምሸትናይ ምሸትናይ ምሸትናይ ምሸት
ግራት ኣገልግሎትግራት ኣገልግሎትግራት ኣገልግሎትግራት ኣገልግሎትግራት ኣገልግሎትግራት ኣገልግሎትግራት ኣገልግሎት
ኣብታ ሰሙን እቲኣ ንዘሎ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዝዀነካ መደብ ንምምዝጋብ ርሳስ ተጠቐም። ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት ኣብ ሰሙን ሰሙን ብድምር ዳርጋ 23 ሰዓታት ንምሕላፍ መድብ።
ኣብ ሰሙን ሰሙን እተመደበ ድምር ሰዓታት____________________