“ንፉዕ ፈላሚ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ”
1. ሓንቲ ሓብቲ ብዛዕባ ኣገልግሎት ፈላምነት እንታይ ተሰምዓ፧
1 ኬተ ፓልም ዝስማ ሓብቲ፡ “ዝያዳ ዕግበት ዜምጽኣለይ ወይ ከኣ ብመንፈሳዊ መዳይ ዓስቢ ዘለዎ ኻልእ ዓይነት ዕዮ የልቦን” በለት። እዛ ሓብቲ እዚኣ፡ ፈላሚት ኰይና፡ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ እታ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እትርከብ ሃገረ ቺለ ኣገልጊላ እያ። ሓደ ሰብ ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዚረኽብዎ ዓስቢ ምስ ተዓዘበ፡ “ንፉዕ ፈላሚ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ” ኢሉካ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
2. መንፈሳዊ ንጥፈታት ዓሚቝ ዕግበት ዜምጽእ ስለምንታይ ምዃኑ ግለጽ።
2 ዜዕግብ ህይወት፦ እቲ ኣርኣያና ዝዀነ የሱስ፡ ፍቓድ ኣቦኡ ብምፍጻም ናይ ሓቂ ዕግበት ይረክብ ነበረ። (ዮሃ. 4:34) ስለዚ፡ ንሰዓብቱ፡ ናይ ሓቂ ዕግበት ኪርከብ ዚከኣል፡ ምስ ኣምልኾ የሆዋ ዚተሓሓዝ ንጥፈታት ብምፍጻም ምዃኑ ኺምህሮም ከሎ ኻብ ልቡ እዩ ነይሩ። ህይወትና በቲ ስምረት ኣምላኽ ዜውህብ ዕዮታት ኪምላእ ከሎ፡ ዕግበት ንረክብ ኢና። ብዘይካዚ፡ ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን ንኻልኦት ንምሕጋዝ ንጥቀመሉ እንተ ዄንና፡ ሓጐስና ይዛይድ እዩ።—ግብ. 20:31, 35።
3. ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ እንተ ኣሕሊፍና፡ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኢና እንረክብ፧
3 ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ብዘሕለፍና መጠን፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጅማርን ብምምራሕን ዝያዳ ሓጐስ ክንረክብ ኢና። ኣብቲ መብዛሕትኦም ሰብ ቤት ዘይግዱሳት ዚዀኑሉ ኸባቢ እውን፡ ተመክሮን ክእለትን ምስ ኣጥረና፡ ክልና ዝያዳ ፍረ ዚርከቦ ዀይኑ ንረኽቦ ንኸውን። ፈለምቲ ነቲ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሎም ካብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ ዚረኽብዎ ፍልጠት ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ኣለዎም። (2 ጢሞ. 2:15) እምበኣር፡ እንተ ዘይተሓሊልና፡ ጸኒሑ ዚበቍል ዘርኢ ሓቂ ኽንዘርእ ንኽእል ኢና።—መክ. 11:6።
4. ትምህርቶም ኪውድኡ ዝቐረቡ መንእሰያት ብዛዕባ እንታይ ኪሓስቡ ኣለዎም፧
4 መንእሰያት፦ መሰረታዊ ትምህርቲ ትዛዝሙ እንተ ኣሊኹም፡ ብዛዕባ መጻኢኹም ኣጸቢቕኩም ሓሲብኩምሉዶ፧ ክሳዕ ሕጂ፡ ዕዮ ትምህርትኹም እዩ ንመደባትኩም ዚውስኖ ነይሩ። ትምህርቲ ምስ ወዳእኩም ግን፡ ነቲ ንትምህርትኹም ተመዲቡ ዝነበረ ግዜ ብኸመይ ክትመልእዎ ኢኹም፧ ንዓለማዊ ስራሕ ከም ሞያኹም ጌርኩም ኣብ ክንዲ እትሕዙ፡ ስሩዓት ፈለምቲ ንምዃን ንምንታይ ብጸሎት ዘይትሓስቡሉ፧ እተፈላለየ ኣተዓባብያ ንዘለዎም ሰባት ብምምስካርን ብሕታዊ ዕንቅፋታት ብምስጋርን ርእስኹም ብምግሳጽን ናይ ምምሃር ጥበብ ብምምዕባልን እተጥርይዎ ኽእለት፡ ኣብ ምሉእ ህይወትኩም ኪጠቕመኩም እዩ።
5. ወለድን ኣባላት ጉባኤን ንፈላምነት ኬተባብዑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
5 ኣቱም ወለዲ፡ ንውሉዳትኩም ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪኣትዉ ብምትብባዕ፡ እጃምኩም ተበርክቱዶ ኣለኹም፧ ቃላትኩምን ጽቡቕ ኣብነትኩምን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ንኺህቡ ብዙሕ ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። (ማቴ. 6:33) ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ወድአ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ዝጀመረ ረይ፡ “ኣደይ፡ ካብ ቀደም ኣትሒዛ፡ ፈላምነት ልዕሊ ዅሉ ዜዕግብ ህይወት ከም ዝዀነ እዩ ዚስምዓ” በለ። ኵሎም ኣባላት ጉባኤ ነቶም ፈለምቲ ኪዀኑ ዚደልዩ ዘበሉ፡ ብቓላትን ብኻልእ ደገፍን ገይሮም ኬተባብዕዎም ይኽእሉ እዮም። ሆሴ ዚበሃል ኣብ ስጳኛ ዚነብር ድማ፡ “ኣብ ጉባኤና፡ ዕዮ ፈላምነት ንመንእሰያት ብሉጽ ሞያ ኸም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ብዛዕባ ኣገልግሎት ፈላምነት ዚህብዎ ሓሳባትን ዘለዎም ኣድንቖትን ኰነ እቲ ዝገበሩለይ ግብራዊ ሓገዝ፡ ፈላምነት ንኽጅምር ዝቐለለ ገይሩለይ እዩ” በለ።
6. ሕጂ ፈለምቲ ኽንከውን ባህጊ እንተ ዘይብልና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
6 ዕንቅፋታት ምስጋር፦ ‘ፈላሚ ክኸውን ባህጊ የብለይን’ ትብል እንተ ዄንካ ግን፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ከምኡ ዓይነት ስምዒት እንተ ኣልዩካ፡ ናብ የሆዋ ብጸሎት ቀሪብካ፡ ‘ፈላሚ ክኸውን ዝኽእል እንተ ዀይነ ኣይፈልጥን እየ፡ ደስ ዚብለካ ነገር ግን ክገብር እደሊ እየ’ ኢልካ ስምዒትካ ግለጸሉ። (መዝ. 62:8፣ ምሳ. 23:26) ድሕሪኡ፡ ናብቲ ብቓሉን ብውድቡን ኣቢሉ ዚህበካ መምርሒ ተመልከት። ብዙሓት ስሩዓት ፈለምቲ ንኣገልግሎት ፈላምነት ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም እዮም ‘ጥዒሞምዎ፡’ እቲ ዝረኸብዎ ሓጐስ ከኣ ኣብ ህይወቶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኺስዕቡ ደሪኽዎም።—መዝ. 34:8።
7. ነቲ ኻብ ፈለምቲ ዚድለ ኣብ ወርሒ 70 ሰዓት ከነማልእ እንኽእል ምዃንና እንተ ተጠራጢርና፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
7 ነቲ ኻብ ፈለምቲ ዚድለ ኣብ ወርሒ 70 ሰዓት ከተማልእ እትኽእል ምዃንካ ትጠራጠር እንተ ዄንካኸ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ስለምንታይ ነቶም ምስ ናትካ ዚመሳሰል ኵነታት ዘለዎም ፈለምቲ ዘይተዘራርቦም፧ (ምሳ. 15:22) ድሕሪኡ፡ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ እትኽእል እተፈላለየ መደባት ሓንጽጽ። ኣድላዪ ኻብ ዘይኰነ ንጥፈታት ንኣገልግሎት ዚኸውን ግዜ ምዕዳግ፡ ካብቲ እትሓስቦ ዝቐለለ ዀይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ።—ኤፌ. 5:15, 16።
8. በብእዋኑ ንዅነታትና ኸም ብሓድሽ ክንግምግም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
8 ንዅነታትካ ኸም ብሓድሽ መርምሮ፦ መብዛሕትኡ ግዜ ብሕታዊ ዅነታት ይቀያየር እዩ። በብግዜኡ ንዅነታትካ ኸም ብሓድሽ ክትግምግሞ ጽቡቕ እዩ። ንኣብነት፡ ካብ ስራሕ ጡረታ እትወጸሉ ግዜ ይቐርብ ኣሎ ድዩ፧ ካብቲ ንቡር ጡረታ ዚውጽኣሉ ዕድመ ኣቐዲሙ ጡረታ ዝወጸ ራንዲ፡ “እዚ ውሳነይ፡ ምስ ሰበይተይ ሓቢረ ስሩዕ ፈላሚ ዀይነ ንኸገልግል ኣኽኢሉኒ እዩ፣ ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ኼድና ንኸነገልግል እውን ኣጋጣሚ ተኸፊቱልና እዩ። በዚ ውሳነይ፡ ቈጺርካ ዘይውዳእ በረኸት ረኺበ እየ፣ እቲ ዝዓበየ በረኸት ግን፡ ሰናይ ሕልና ኽረክብ ምኽኣለይ እዩ” በለ።
9. ሰብ ሓዳር ነየናይ ጕዳይ እዮም ኪሓስቡሉ ዘለዎም፧
9 ገሊኦም ሰብ ሓዳር ንዅነታቶም ተጠንቂቖም ምስ መርመርዎ፡ ምሉእ ግዜኦም ኪሰርሑ ኸም ዘይብሎም ተገንዚቦም እዮም። ከምዚ ምግባር፡ እታ ስድራ ቤት ናብራኣ ንምቕላል ስጕምቲ ኽትወስድ ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ዚግበር መስዋእቲ ግን ረብሓ ኣለዎ። ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ኣገልግሎታ ንኸተስፍሕ ኢላ ናይ ምሉእ ግዜ ስራሓ ዝሓደገት ሰበይቲ ዘላቶ ጆን፡ “ሰበይተይ መንፈሳዊ ነገራት ክትገብር ከም እትውዕል ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ ዜሐጕሰኒ የልቦን” በለ።
10. ንክርስትያናት፡ ፈለምቲ ንኪዀኑ ዚድርኾም እንታይ እዩ፧
10 መግለጺ ፍቕርን እምነትን፦ የሆዋ ንዕዮ ስብከት ካብ ኵሉ እቲ ኽንዓዮ እንኽእል ዕዮታት ንላዕሊ ኣገዳሲ ኸም ዚኸውን ገይርዎ እዩ። እዚ ኣረጊት ስርዓት እዚ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኪጠፍእ እዩ፣ ስም የሆዋ ዚጽውዑ ዘበሉ ጥራይ ድማ እዮም ዚድሕኑ። (ሮሜ 10:13 NW) ልብና በቲ ንዕኡ ዘሎና ፍቕርን በቲ ንዝገበረልና ነገራት ዘሎና ሞሳን ዝመልአ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ብወዱ ኣቢሉ ብቕንኣት ንኽንሰብኽ እተዋህበና መዝነት ንኽንፍጽም ክንድረኽ ኢና። (ማቴ. 28:19, 20፣ 1 ዮሃ. 5:3) ብዘይካዚ፡ ብሓቂ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ንኣምን እንተ ዄንና፡ በዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ክንዲ እንጥቀም፡ ግዜ ኸይተጸንቀቐ ኸሎ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዚከኣለና ኽንገብር ድራኸ ኺሓድረና እዩ።—1 ቈረ. 7:29-31።
11. ሓደ ሰብ ንፉዕ ፈላሚ ኽንከውን ከም እንኽእል እንተ ነጊሩና፡ ነዚ ኸም ምንታይ ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና፧
11 ስሩዕ ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል፡ ዝያዳ ሰዓታት ናይ ምግልጋል ጕዳይ ጥራይ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ መግለጺ እቲ ንኣምላኽ ዘሎና ተወፋይነት እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ንፉዕ ፈላሚ ኽትከውን ከም እትኽእል እንተ ነጊሩካ፡ ከም ናእዳ ጌርካ ርኣዮ። ኣብቲ ዜዕግብ መዳይ ኣገልግሎት ንኽትጽመድ እውን፡ ብጸሎት ሕሰበሉ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ኣቱም ወለዲ፡ ንውሉዳትኩም ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪኣትዉ ብምትብባዕ፡ እጃምኩም ተበርክቱዶ ኣለኹም፧
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
የሆዋ ንዕዮ ስብከት ካብ ኵሉ እቲ ኽንዓዮ እንኽእል ዕዮታት ንላዕሊ ኣገዳሲ ኸም ዚኸውን ገይርዎ እዩ።