ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/05 ገጽ 5
  • እንሰብከሉ እዋን ሕጂ እዩ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እንሰብከሉ እዋን ሕጂ እዩ!
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝርከብ በረኸት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • “ንፉዕ ፈላሚ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ናብቲ “ዓብይን ብርቱዕን ደገ” ኽትኣቱ ትኽእልዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ሕጂ ፓይነር ኴንካ ንምግልጋል መገዲ ተኸፊቱልካዶ ኢዩ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 8/05 ገጽ 5

እንሰብከሉ እዋን ሕጂ እዩ!

1. ሕጂ እንሰብከሉ እዋን ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

1 “ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ።” እዚ መልእኽቲ እዚ ብመሪሕነት መላእኽቲ “ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” ይእወጅ ኣሎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “እታ [ኣምላኽ] ዚፈርደላ ግዜ በጺሓ እያ።” ሎሚ ኣብቲ ብጥፍኣት እዚ ኣገባብ እዚ ዚፍጸም ‘ናይ ፍርዲ ግዜ’ ኢና ንነብር ዘሎና። ሰባት ‘ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ኺሰግዱሉ’ ኣገዳሲ እዩ። ሎሚ ብኣገዳስነቱን ህጽጹነቱን ምስዚ “ናይ ዘለኣለም ወንጌል” ምእዋጅ ዚመዓራረ ዕዮ የልቦን። እወ: እንሰብከሉ እዋን ሕጂ እዩ!—ራእ. 14:6, 7

2. ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ንህጽጹነት እዚ ግዜና ኸም እተረድእዎ ብኸመይ የርእዩ ኣለዉ፧

2 ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት: ኣገልገልቲ የሆዋ ብስራት ንምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ንምግባርን ኣስታት 12 ቢልዮን ሰዓታት ኣሕሊፎም እዮም። ብዙሓት ኣብዚ መንፈሳዊ ዓጺድ ዘለዎም ተሳታፍነት ንምዝያድ ኣብ ናብራኦም ምትዕርራያት ገይሮም እዮም። (ማቴ. 9:37, 38) ንኣብነት: ዓሚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብገምጋም ልዕሊ 850,000 ኣስፋሕቲ ፓይነራት ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ስርዓታዊ ፓይነር ኴንካ ንኸተገልግል ኣብ ወርሒ 70 ሰዓታት: ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ንኸተገልግል ድማ ኣብ ወርሒ 50 ሰዓታት ኣብ ዕዮ ስብከት ከተሕልፍ ኣሎካ።

3. ኣስፋሕቲ: ፓይነራት ኰይኖም ንኼገልግሉ ኸመይ ዝበለ ምትዕርራያት ኪገብሩ እዩ ዜድሊ፧

3 ፓይነር ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ፓይነራት “እቲ ዘመን ሓጺር” ምዃኑ ብምርዳእ ናብራኦም ቀሊል ንምግባር ይጽዕሩ እዮም። (1 ቈረ. 7:29, 31) ኣብ ዓለማዊ ስራሕ ዜሕልፍዎ ግዜ ንምንካይ ወጻኢታቶም ኬውሕዱሉ ዚኽእሉ መገድታት ሃሰው እዮም ዚብሉ። ንኣብነት: ገሊኣቶም ናብ ንእስ ዝበለ መንበሪ ግዒዞም እዮም። ካልኦት ከኣ ብዙሕ ኣድላዪ ዘይኰነ ንብረት ወጊኖም እዮም። (ማቴ. 6:19-21) መብዛሕትኡ ግዜ: ብሕታዊ ዋኒናቶም ኪገድፉ ኣለዎም። ከምዚ ዚገብሩ ንኣገልግሎት ዝያዳ ግዜን ኣቓልቦን ንምሃብ እዩ። (ኤፌ. 5:15, 16) ብዙሓት ኣስፋሕቲ ቘራጽነት ብምግባር: ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ብምርኣይ ከምኡውን ብጸሎት ኣብ የሆዋ ብምውካል ፓይነራት ኰይኖም ኬገልግሉ ዜኽእሎም ግብራዊ መደብ ኣውጺኦም እዮም።

4. ፓይነር ኴንካ ንኸተገልግል ከመይ ዝበለ ግብራዊ ስጕምትታት እዩ ኺሕግዘካ ዚኽእል፧

4 ፓይነር ክትከውን ትኽእልዶ፧ ነቶም ዕዉታት ዝዀኑ ፓይነራት: ብኸመይ ኣብዚ ደረጃ እዚ ኸም ዝበጽሑ ስለምንታይ ዘይትሓቶም፧ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስኦም ብምዕያይ ካብቲ ዚረኽብዎ ዘለዉ ሓጐስ ተኻፈል። ንፓይነራት ዚምልከት ኣብ ጽሑፋትና ዚወጽእ ዓንቀጻት ኣንብብ። ፓይነር ኴንካ ንኸተገልግል መሰረት ዝዀነካ ግብራዊ ሸቶታት ኣውጽእ። ፓይነር ኴንካ ንኸይተገልግል ዚዕንቅፈካ ነገራት እንተሎ: የሆዋ ንኺሕግዘካ ናብኡ ብጸሎት ቅረብ።—ምሳ. 16:3

5. ፓይነር ምዃን ኣብ ኣገልግሎት ዘለና ኽእለት ዜመሓይሸልና ብኸመይ እዩ፧

5 ፓይነር ምዃን ዘምጽኦ በረኸትን ሓጐስን:- ፓይነራት ኴንና ምስ እነገልግል ቃል ኣምላኽ ናይ ምጥቃም ክእለትና ይዓቢ: እዚ ድማ ብግዲኡ ሓጐስና ንኺዓቢ ኣበርክቶ ይገብር። ሓንቲ ፓይነር መንእሰይ “ቃል ኣምላኽ ብቕኑዕ ምምቓል ብሓቂ በረኸት እዩ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላውን “ፓይነር ኴንካ ኸተገልግል ከለኻ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ኢኻ እትጥቀመሉ። ሕጂ ኻብ ቤት ናብ ቤት ክኸይድ ከለኹ: ንነፍሲ ወከፍ ብዓል ቤት ዚኸውን ጥቕሲ ኽዝክር እኽእል እየ” በለት።—2 ጢሞ. 2:15

6. ፓይነር ምዃን እንታይ ካልእ ጥቕምታት እዩ ዘለዎ፧

6 ፓይነር ኴንካ ምግልጋል ብዙሕ ንህይወት ዜድሊ ጠቓሚ ትምህርትታት እውን ክትረኽበሉ ትኽእል ኢኻ። መንእሰያት ግዜኦምን ገንዘቦምን ብኸመይ ብግቡእ ኪጥቀምሉ ኸም ዚኽእሉ ኺምሃሩን ምስ ሰባት ጽቡቕ ርክብ ኪምስርቱን ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። ብዙሓት ኣሕዋት ፓይነራት ኰይኖም ብምግልጋሎም መንፈሳዊ ኣረኣእያ ኺሕዙ ኽኢሎም እዮም። (ኤፌ. 4:13) ብተወሳኺ: ኢድ የሆዋ ወትሩ ኣብ ክንዳኦም ክትዓዪ ኸላ ናይ ምርኣይ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እውን ይረኽቡ እዮም።—ግብ. 11:21፣ ፊል. 4:11-13

7. ፓይነር ኴንካ ምግልጋል ናብ የሆዋ ኽንቀርብ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

7 ሓደ ኻብቲ ፓይነር ብምዃን ዚርከብ ዝዓበየ በረኸታት ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርብ ዜኽእለና ምዃኑ እዩ። እዚ ድማ ፈተናታት ክንጻወር ዜኽእል እዩ። ሓንቲ ኸቢድ ፈተናታት ዘሕለፈት ሓብቲ: “እቲ ፓይነር ብምዃን ምስ የሆዋ ዘማዕበልክዎ ጥብቂ ርክብ ነቲ ዘጋጠመኒ ፈተናታት ንኽዋጽኣሉ ሓጊዙኒ እዩ” በለት። ወሲኻውን: “ንእስነተይ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ስለ ዘሕለፍክዎ ኣዝየ ሕጉስቲ እየ። ንየሆዋ ኻብቲ ኽሓስቦ ዝኽእል ንላዕሊ ኸገልግሎ ኣኽኢሉኒ እዩ” ትብል። (ግብ. 20:35) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ኣብዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ስብከት ክንካፈል ከለና ዝከኣለና ብምግባር ዓብዪ በረኸት ነስተማቕር።—ምሳ. 10:22

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ