ናብቲ “ዓብይን ብርቱዕን ደገ” ኽትኣቱ ትኽእልዶ፧
1. እንታይ “ዓብይን ብርቱዕን ደገ” እዩ ተኸፊቱልና ዘሎ፧
1 ሃዋርያ ጳውሎስ “ዓብይን ብርቱዕን ደገ” ምስ ተኸፍተሉ: ዋላኳ ብዙሓት ተጻረርቲ እንተ ኣጋጠምዎ: ነቲ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ብውዕዉዕ መገዲ ተጠቒሙሉ እዩ። (1 ቈረ. 16:9) ሎሚ: ኣብ መላእ ዓለም 642,000 ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ስሩዓት ፈለምቲ ብምዃን ናብቲ ዓብይን ብርቱዕን ደገ ኣትዮም ኣለዉ።
2. ኵነታትና በብግዜኡ ኽንግምግሞ ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
2 ኵነታት ይቀያየር እዩ:- ሕጂ ብሕታዊ ዅነታትና ንንጥፈታትና ኺድርቶ እኳ እንተ ኸኣለ: ኵነታት ግን ይቀያየር እዩ። ስለዚ: ዚጥዕም ኵነታት ክሳዕ ዚመጽእ ጥራይ ኣብ ክንዲ እንጽበ: ንዅነታትና በብግዜኡ ኽንግምግሞ ጽቡቕ እዩ። (መክ. 11:4) ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኽትውድእ ዝቐረብካ መንእሰይ ዲኻ፧ ትምህርቲ ኺጅምሩ ዝቐረቡ ውሉዳት ዘለዉኻ ወላዲ ዲኻ፧ ካብ ዓለማዊ ስራሕካ ጡረታ ኽትወጽእ ዝቐረብካ ዲኻ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጥታት ግዜ ኽትረክብ ስለ ዜኽእለካ: ስሩዕ ፈላሚ ንኽትከውን ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ እዩ። ሓንቲ ቕድሚ ሕጂ ጸገም ጥዕና ዝነበራ ሓብቲ ኣብ 89 ዕድሜኣ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ወሰነት። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሆስፒታል ከይኣተወት ልዕሊ ሓደ ዓመት ስለ ዝገበረት: ፈላሚት ኰይና ንኸተገልግል ጥዕናኣ ዜፍቅደላ ዀይኑ ተሰምዓ።
3. ገሊኦም ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም ንኼገልግሉ ምትዕርራያት ዝገበሩ ብኸመይ እዮም፧
3 ንጳውሎስ እንተ ርኢና: ፈለማ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኺበጽሖም ሓሰበ። ይኹን እምበር: ምእንቲ እቲ ብስራት ኪብል መደቡ ኣተዓራረየ። ሎሚ ብዙሓት ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ዘለዉ ኣሕዋት: ፈለምቲ ዀይኖም ንኪቕጽሉ ብዙሕ ምትዕርራያት ኪገብሩ የድልዮም እዩ። ገሊኦም ንመናበሪኦም ዚኸውን ወጻኢታት ንምሽፋን ዜኽእሎም ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ብምስራሕ ንናብራኦም ቀሊል ገይሮምዎ እዮም። በቲ ዝረኸቡዎ መሰል ኣገልግሎት ሓጐስ ረኺቦም እዮም። (1 ጢሞ. 6:6-8) ገሊኦም ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ብሓደ ኣታዊ ጥራይ ምእንቲ ኺናበሩ ኣድላዪ ለውጥታት ብምግባሮም: እታ ሰበይቲ ፈላሚት ኰይና ንኸተገልግል መገዲ ኸፊቱ እዩ።
4. ነቲ ዚድለ ሰዓታት ከነማልእ ንኽእል ምዃንና እንተ ደኣ ተጠራጢርና: እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
4 ነቲ ዚድለ ሰዓታት ኬማልእ ኣይክእልን እየ ኢልካ: ነቲ ፈላሚ ናይ ምዃን ሓሳብ ኣይተዋድቆ። ኣብ መዓልቲ ኻብ ክልተ ሰዓት ቍሩብ ዚዛይድ ጥራይ እዩ ዜድሊ። ነዚ ኽትገብሮ ትኽእል ምዃንካ ትጠራጠር እንተ ደኣ ዄንካ: 70 ሰዓት ንምምጻእ ብሕታዊ ሸቶ ብምውጻእ ንሓደ ወይ ክልተ ወርሒ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ዕየ። እዚ ፈላሚ ብምዃን ዚርከብ ሓጐስ ንኸተስተማቕር ኣጋጣሚ ኪኸፍተልካ እዩ። (መዝ. 34:8) ነቶም ፈለምቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ዘለዉ ኣዘራርቦም። ምስ ናትካ ዚመሳሰል ጸገማት ብዓወት ሰጊሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ምሳ. 15:22) ኣገልግሎትካ ንምስፋሕ እትገብሮ ጻዕሪ የሆዋ ኺባርኾ ጸሊ።—1 ዮሃ. 5:14
5. ስሩዕ ፈላሚ ምዃን ጠቓሚ ሸቶ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
5 ዓስቢ ዘለዎ ሸቶ:- ስሩዕ ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል ብዙሕ በረኸት እዩ ዜምጽእ። ብዙሕ ብምሃብ ዚርከብ ዝያዳ ሓጐስ ክትረክብ የኽእለካ። (ግብ. 20:35) ፈላሚ ምዃን ነቲ ንቓል ኣምላኽ ብቕኑዕ ናይ ምምቓል ክእለትካ ኼብልሖ እዩ። (2 ጢሞ. 2:15) ኢድ የሆዋ ኽትድግፈካ ኸላ ናይ ምርኣይ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክትረክብ ኢኻ። (ግብ. 11:21፣ ፊል. 4:11-13) ፈላሚ ምዃን: ከም ምጽማም ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ባህርያት ከተማዕብልን ናብ ኣምላኽ ንኽትቀርብን ኬኽእለካ እዩ። (ያእ. 4:8) ስሩዕ ፈላሚ ብምዃን ናብዚ ዓብዪን ብርቱዕን ደገ ኽትኣቱ ትኽእልዶ፧