ሕጂ ፓይነር ኴንካ ንምግልጋል መገዲ ተኸፊቱልካዶ ኢዩ፧
1 ናይ 1999 ዓመት ጥቕሲ ገና ኣብ ውሽጢ ናይ የሆዋ “መዓልቲ ምድሓን” ከም ዘሎና ኢያ ተዘኻኽረና። (2 ቈረ. 6:2) እንተዀነ ግን: እዛ መዓልቲ ምድሓን እዚኣ ኣብ ቀረባ ግዜ ክትውዳእ ኢያ። ካብኡ ናይ የሆዋ ‘መዓልቲ ፍርዲ’ ክትጅምር ኢያ። (2 ጴጥ. 2:9) የሆዋ ደቅሰብ ዝድሕኑሉ ኣጋጣሚ ክኸፍት ከሎ: ቍጽሮም በብግዜኡ እናወሰኸ ዝኸይድ ብዙሓት ሰባት ምላሽ ክህቡ ምርኣይስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን ኢዩ!
2 ህዝቢ የሆዋ ነቶም ነቲ መልእኽቲ ዝቕበልዎ ሰባት ከይደንጐዩ ንምርካብ ኣበርቲዖም ይጽዕሩ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ንብዙሓት ኣስፋሕቲ ናይታ መንግስቲ ፓይነር ምዃን ማለት ኢዩ። ሕጂ ፓይነር ኴንካ ንምግልጋል መገዲ ተኸፊቱልካዶ ኢዩ፧ ስለምንታይ ኢና ከምዚ ኢልና እንሓትት፧
3 ሞሳኦም ገሊጾም:- ኣብ ናይ ጥሪ 1999 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ከም እተገልጸ: እቲ ካብ ስርዓታውያንን ሓገዝትን ፓይነራት ዝድለ ሰዓታት ጐዲሉ ኢዩ። ስርዓታውያን ፓይነራት ነዚ ሓድሽ ብቕዓት ንኸማልኡ ኣብ ወርሒ 70 ሰዓታት ማለት ኣብ ሓደ ናይ ኣገልግሎት ዓመት ብድምር 840 ሰዓታት ንኣገልግሎት ክውፍዩ ኣለዎም። ሓገዝቲ ፓይነራት ኣብ ወርሒ 50 ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት ከሕልፉ ኢዮም። ገለ ካብቲ ብምኽንያት እዚ ምትዕርራይ እዚ ዝበጽሓና መግለጺ ሞሳ እንሆ:-
“ኣየ ከመይ ዝበለ ካብ ሰማያዊ ኣቦና ዝረኸብናዮ እተባረኸ ውህበት ኰን ኢዩ! ”
“ብዛዕባ እዚ ምድላው እዚ ዝስምዓኒ ሓጐስ: ፍቕሪ: ከምኡውን ሞሳ ንምግላጽ ቃላት የብለይን! ”
“ነቲ ዝመደብናዮ ብቐሊሉ ንኽንፍጽሞ ከኽእለና ኢዩ! ”
“ሕጂ ጸሎትና ብዙሓት ተወሰኽቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኰይኖም ንየሆዋ ብዝሰፍሐ ካብ ምግልጋል ዝርከብ በረኸታት ንኸስተማቕሩ ኢዩ። ”
4 ናብ መዛዘሚ ናይ ኣምላኽ መዓልቲ ምድሓን እናቐረብና ክንከይድ ከሎና: የሆዋ ህዝቡ ናይ መወዳእታን ዓው ብዝበለ ድምጽን ክውድሱ ይደሊ ኢዩ። ዕቤትን ጻዕቕን ናይዚ መልእኽቲ ክውስኽ ዝኽእል (1) ቍጽሪ ናይ ኣወጅቲ መንግስቲ ብቐጻሊ ብምውሳኽ ከምኡውን (2) ኵሉ ሰብ ኣብ ስብከት ናይታ መንግስቲ ዓቕሙ ብዝፈቕዶ ወሰኽ ክገብር ምስ ዝጽዕር ኢዩ። “እቲ ዜብቍል” የሆዋ ነቶም ብፍታው ዝመጹ ምድሓን እተቐበሉ ሰባት በረኸቱ ብምሃብ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ክልቲኡ መገድታት ዕዉት ከም ዝኸውን ገይርዎ ኢዩ።—1 ቈረ. 3:6, 7፣ መዝ. 110:3
5 ዕላምኡ ኣይትስሓቶ:- ጳውሎስ ነቶም ክርስትያናት ብጾቱ “ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ: ንሕና መዓይይቲ [የሆዋ] ዄንና ንምዕደኩም አሎና” ዝበሎም ምስ መዓልቲ ምድሓን የሆዋ ብምትሕሓዝ ኢዩ። ነዛ ግዜ እዚኣ ከምታ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ ንናይ ካልኦት ድሕነት ክዕየየላ ዘለዎ “ቕብልቲ ግዜ” ገይርና እንተ ርኢናያ: ‘ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኣይክንቅበልን’ ኢና። (2 ቈረ. 6:1, 2) ሎሚ ቃላት ጳውሎስ ካብቲ ናይ ሽዑ ንላዕሊ ህጹጽነት ኣለወን። እቶም ንየሆዋ ልባዊ ፍቕሪ ዘለዎም ክርስትያናት ኣብቲ ዝመዘዞም ኣገልግሎት ዓቕሞም ክሳዕ ዘፍቅደሎም ምሉእ ብምሉእ ምክፋል ከም መሰል ኢዮም ዝርእይዎ። ሕጂ ስርዓታዊ ፓይነር ኴንካ ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ክትካፈል ትኽእልዶ ኢኻ፧
6 ምኽንያታዊ ሸቶ ኢዩ:- ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትና ኣብ 1 መስከረም ስርዓታውያን ፓይነራት 600 በጺሖም ክንርኢ ሸቶ ገይርና ኣሎና። እዚ ምኽንያታውን ክብጻሕ ዝከኣልን ሸቶ ከም ዝዀነ ኢና እንኣምን። ክሳዕ ክንድዚ ርግጸኛታት ዝዀንና ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብ መጋቢት 1997 ከምኡውን ሚያዝያ 1998 ልዕሊ 1,000 ኣሕዋትን ኣሓትን ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከም ዘገልገሉ ርኢና ኢና። መብዛሕትኦም ከኣ 60 ሰዓታት ማለት ምስዚ ሓድሽ ካብ ስርዓታዊ ፓይነር ዝድለ ሰዓታት ክነጻጸር ከሎ ብ10 ሰዓታት ጥራይ ዝውሕድ ኢዮም ጸብጻብ ሂቦም! ካብቶም ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ዘገልገሉ 160 ኣሕዋትን ኣሓትን ጥራይ እዚ ናይ ኣገልግሎት ዓመት እዚ ቅድሚ ምውድኡ ስርዓታውያን ፓይነራት እንተ ዀይኖም: ኣብ መስከረም 600 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ናይ ምሉእ ግዜ ፓይነራት ሒዝና ክንጅምሮ ኢና!
7 መደብ ምግባር የድሊ:- ኣብ ወርሒ 70 ሰዓታት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምሕላፍ ክብድ ዝበለ ኰይኑዶ ይስምዓካ ኢዩ፧ ምናልባት ኣብ ሰሙን 17 ሰዓታት ምዃኑ እንተ ሓሲብካዮ ይቐለካ ይኸውን። ነቲ ኣብ ዝቕጽል ገጽ ዘሎ መርኣያ መደባት ብምጥቃም ምስ ኵነታትካ ዝሰማማዕ ናይ ስርዓታዊ ፓይነር መደብ ከተውጽእ ጽዓር። መደብ ከተውጽእ ከሎኻ: ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ምስ ናይ ብሕትን ስድራቤትን ሓላፍነትካ ክህልዎ ዘለዎ ሚዛን ምእንቲ ክትሕሉ ተመክሮ ንዘለዎም ፓይነራት ብምዝርራብ ምኽርን ሓሳባትን ርኸብ። ነቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኣብቲ ወረዳ ዘለዉ ፓይነራት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንዝገብርዎ ኣገልግሎት ብኸመይ መደብ ከም ዘውጽእሉ ሕተቶ። ድሕርዚ ፓይነር ኴንካ ምእንቲ ክትዓዪ በረኸት የሆዋ ድለ።—ምሳ. 16:3
8 ናይ ስድራቤትካ ፕሮጀክት ግበሮ:- ዕዮ ፓይነር ናይ ስድራቤትካ ፕሮጀክት ንኽትገብሮ ሓሲብካሉዶ ኢኻ፧ ስድራቤት ብሓባር ኮፍ ኢልኩም ብኸመይ ሓደ ወይ ክልተ ኣባላት እቲ ስድራቤት ፓይነር ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ክትመያየጡ ትኽእሉ ኢኹም። ከምዚ ንምግባር ከኣ ብጥንቃቐ ዝወጸ መደብን ጽቡቕ ምትሕብባርን የድሊ። ገለ ሰባት ብዛዕባ ኵነታቶም ሓቀኛ ገምጋም ድሕሪ ምግባሮም ኣብዚ ሕጂ እዋን ስርዓታውያን ፓይነራት ክዀኑ ከም ዘይክእሉ ይፈልጡ ይዀኑ። ከምዚ እንተድኣ ዀይኑ ፓይነር ኴንካ ምግልጋል ናይ መጻኢ ሸቶኻ ግበሮ። እንተዀነ ግን ፓይነር ኴንካ ምግልጋል እትጅምረሉ ውሱን ዕለት ንምምዳብ ጽዓር። ምናልባት ቀስ ብቐስ ስርዓታዊ ፓይነር ንምዃን ዘሎካ ሸቶ ምእንቲ ክትበጽሖ ኣብ ዓመት ሓሓሊፍካ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ከተገልግል ትኽእል ትኸውን።
9 ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዞባና ዘለዉ ልዕሊ 443 ዝዀኑ ስርዓታውያን ፓይነራት እተፈላለየ ኵነታት ኢዩ ዘለዎም። ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ኵሎም ኣይኰኑን: መብዛሕትኦም ከኣ ናይ ስድራቤት ሓላፍነትን ቍጠባዊ ነገራት ናይ ምምላእ ግዴታን ኣለዎም። ልዕሊ 54 ፓይነራት ዕድሚኦም ካብ 50 ዓመት ንላዕሊ ኢዩ። ካብዚኣቶም እቶም 30 ዕድሚኦም ካብ 65 ንላዕሊ ኢዩ። ገለ 318 ዝዀኑ ንጽል ኢዮም: 20 ወይ ካብኡ ንታሕቲ ዝዕድሚኦም ከኣ 10 ጥራይ ኢዮም። ዳርጋ ርብዒ ናይዞም ፓይነራት እዚኦም ኣሕዋት ኢዮም: ካብዚኣቶም መብዛሕትኦም ናይ ስድራቤትን ጉባኤን ሓላፍነታት ኣለዎም። እዚኣቶም ብምሉኦም ፓይነር ንምዃን ‘ግዜ ዓዲጎም’ ኢዮም: እዚ ማለት ከኣ ቀሊል ግን ዘዕግብ ናብራ ምምራሕ ማለት ኢዩ።—ቈሎ. 4:5
10 ናብራኻ ቀሊል ክትገብሮ የድልየካዶ ኢዩ፧ ናብራኻ ቀሊል ምግባር ፓይነር ንኽትከውን መገዲ ዝኸፍተልካ ቀንዲ ነገር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ናብራኻ ልክዕ ከም ሓደ ዘየድሊ ክፍልታትን ኣቝሑትን ዘለዎ እሞ ንዕኡ ንኽትኣሊ ብዙሕ ግዜን ገንዘብን ዕዮን ዝሓትት ገፊሕ ገዛ ድዩ፧ ከምዚ እንተድኣ ዀይኑ ምስ ኵነታትካ ዝሰማማዕ ምጡን ናብራ ምንባር ፓይነር ንኽትከውን የኽእለካ ይኸውን። ኣብ ዓለማዊ ስራሕ እተጥፍኦ ግዜ ክትቅንስዶ ትኽእል፧ ኣድላዪ ካብ ዘይኰነ ንጥፈታት ግዜ ክትዕድግ ወይ ኣብቲ ንምዝንጋዕ እተጥፍኦ ግዜ ዝያዳ ሚዛናዊ ክትከውን ትኽእልዶ፧
11 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 6:8 “ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ: ንሱ ይእከለና” ኢሉ ይምዕደና። ብሒደት ነገራት ምዕጋብ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እቲ ዝከኣለና ንምግባር ዝሕግዝ ሓደ ኣድላዪ ረቛሒ ኢዩ: ንመንፈሳዊ ረብሓታት ቀዳምነት ንኽትህብ እውን ዝቐለለ ይኸውን። (ማቴ. 6:22, 33) ኣብ ገጽ 104 ናይ 1998 ዓመት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ዝርከብ ብዛዕባ ጃፓን ዝገልጽ ጸብጻብ: ኣብታ ሃገር ጽቡቕ ናይ ፓይነር መንፈስ ስለምንታይ ከም ዘሎ ገለ ሓሳባት ተዋሂቡ ኣሎ። እስከ ሓደ ኣብነት ርአ:- “ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ ናይ ጃፓናውያን ገዛ ምጥን ዝበለ ኢዩ: ስለዚ ኸኣ ንኽትኣልዮ ቀሊል ኢዩ ከምኡውን ቀሊል ናብራ ምንባር ባህሊ ናይቲ ዓዲ ኢዩ።” እዚስ ናይ 1 ጢሞቴዎስ 6:8 መሰረታዊ ትርጕምዶ ኸይኰነ፧
12 ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ቅድሚ እታ ናይ የሆዋ መዓልቲ ምድሓን ምውዳኣ እናወሰኸ ብዝኸይድ ጻዕቂ ነቲ ብስራት መንግስቲ ይሰብኩ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዳርጋ 700,000 ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ሓደ ዓይነት ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ምክፋሎም ዝነኣድ ኢዩ። ምስኦም ሓቢርካ ምእንቲ ክትዓዪ ናብራኻ ከተመዓራርዶ ትኽእል፧ ነዛ “ሕጂ ፓይነር ኴንካ ንምግልጋል መገዲ ተኸፊቱልካዶ ኢዩ፧” እትብል ሕቶ ክትምልስ ከሎኻ ነቲ ዘሎካ ኵነታት ተጠንቀቒካ ብጸሎት ክትምርምሮ ንዕድመካ።
[ኣብ ገጽ 1 ዘሎ ስእሊ]
(ናብ 7ይ ገጽ ይቕጽል )
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ፓይነር ኴንኳ ንምግልጋል . . . (ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ )
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ሸቶ:- ቍጽሪ ስርዓታውያን ፓይነራት 600 ከም ዝበጽሕ ምግባር!
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
(ናብ 8ይ ገጽ ይቕጽል )
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
ፓይነር ኴንኳ ንምግልጋል . . .(ካብ 7ይ ገጽ ዝቐጸለ )