ስሩዕ ፈላሚ ኔርካዶ፧
1. ብዙሓት እንታይ ፍሉይ መሰል እዮም ረኺቦም፧ ገሊኦምከ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧
1 ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣሕዋት፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም ‘ብስራት ኪምህሩን ኪሰብኩን’ ዜኽእሎም ፍሉይ መሰል ረኺቦም እዮም። (ግብ. 5:42) ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ብሰንኪ እተፈላለየ ምኽንያት ኣገልግሎት ፈላምነት ኣቋሪጾምዎ እዮም። እሞኸ ስሩዕ ፈላሚ እንተ ኔርካ፡ ኵነታትካ እንደገና ፈላሚ ንኽትከውን ዚፈቕደልካ እንተ ዀይኑ ስለምንታይ ዘይትምርምር፧
2. እቶም ፈለምቲ ዝነበሩ፡ ኵነታቶም ኪምርምሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዩ፧
2 ኵነታት ይቀያየር እዩ፦ ኣብዚ እዋን እዚ፡ እቲ ኣገልግሎት ፈላምነት ንኸተቋርጽ ዘገደደካ ዅነታት ተወጊዱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ፈላምነት ዘቋረጽካዮ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ዚሕተት 90 ሰዓት ከተማልእ ስለ ዘይከኣልካ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግን፡ ሕጂ ናብ 70 ሰዓት ስለ ዝወረደ፡ እንደገና ፈላሚ ኽትከውን ትኽእልዶ፧ ሎሚ ዘሎካ ስራሕን ሓላፍነት ስድራ ቤትን፡ ካብቲ ኣገልግሎት ፈላምነት ኣብ ዘቋረጽካሉ እዋን ዝነበረካ ዝወሓደ ድዩ፧ ብሰንኪ ጸገም ጥዕና ፈላምነት ኣቋሪጻቶ ዝነበረት ሓብቲ፡ ኣብ 89 ዓመት ዕድሚኣ እንደገና ፈላሚት ኰይና እያ። ንልዕሊ ሓደ ዓመት ናብ ሆስፒታል ስለ ዘይኣተወት፡ ኵነታት ጥዕናኣ ፈላሚት ክትከውን ከም እትኽእል ኰይኑ ተሰምዓ።
3. ኣባላት ስድራ ቤት፡ ሓደ ኻብ ኣባላት ስድራ ቤቶም ፈላሚ ንኪኸውን ኪሕግዝዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
3 ፈላሚ ዘይነበርካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ፣ ሓደ ኻብ ኣባላት ስድራ ቤትካ ግን ንስድራ ቤትኩም ኪኣሊ፡ ምናልባት ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዲ ኺሕብሕብ ኢሉ ፈላምነት ኣቋሪጽዎ ይኸውን። (1 ጢሞ. 5:4, 8) እሞኸ ንስኻ ወይ ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤትካ ኽትሕግዝዎ ትኽእሉዶ፧ ሓቢርኩም ብዛዕባ እዚ ስለምንታይ ዘይትመያየጡ፧ (ምሳ. 15:22) ሓደ ኻብ ስድራ ቤትኩም ፈላሚ ንኪኸውን እንተ ሓጊዝኩምዎ፡ ኵሉኹም ኣብቲ ኣገልግሎት እጃምኩም ከም ዘበርከትኩም ኰይኑ ኺስምዓኩም ይኽእል እዩ።
4. ሕጂ ፈላሚ ኽትከውን ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧
4 ኣብዚ ሕጂ ዘለኻዮ ዅነታት እንደገና ፈላሚ ኽትከውን ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ፍቓድ ልቢ ስለ ዘሎካ፡ የሆዋ ብኣኻ ይሕጐስ እዩ። (2 ቈረ. 8:12) ነቲ ፈላሚ ኸለኻ ዘጥረኻዮ ኽእለት፡ ኣብ ኣገልግሎትካ ተጠቐመሉ። ብዛዕባ እቲ ዘለካ ድሌት ጸሊ፣ ኵነታትካ ኸተተዓራሪ ዜኽእለካ ኣጋጣሚ ኪኽፈተልካ ኸሎ ኸኣ ተጠቐምሉ። (1 ዮሃ. 5:14) ድሕሪ ግዜ፡ የሆዋ፡ እንደገና ስሩዕ ፈላሚ ዄንካ ንኸተገልግል ዜኽእለካ “ዓብይን ብርቱዕን ደገ” ይኸፍተልካ ይኸውን።—1 ቈረ. 16:9።