ነቲ ናይ ፓይነር ደረጃታት ምተመለስካዮዶ ?
1 ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት በሽሓት ዝቑጸሩ ፓይነራት ነቲ ናይ ፓይነር ደረጃታት ከቋርጽዎ ናይ ግድን ኮይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም ። ሓደ ካብኣቶም ዲኻ ኔርካ ? ከምኡ እንተድኣ ኮይኑ ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ክትገድፎ ምኽንያት ከም ዝነበረካ ኣየጠራጥርን ኢዩ ። ምናልባት ዘይተጸበኻዮን ካብ ቍጽጽርካ ወጻእን ዝኾነ ነገር ነይሩ ይኸውን ። እቲ ምኽንያትሲ ክሳዕ ሕጂዶ ኣሎ ኢዩ ? ጥዕና : ቍጠባዊ ጸገም ወይ ድማ ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ናይ ግድን ከተቋርጾ ጌሮምኻ ነይሮም እንተኾይኖምሲ ሕጂ ኩነታትካ ተመሓይሹዶ ? ነቲ ናይ ስርዓታዊ ፓይነር በረኸታት እንደገና ምእንቲ ክትሕጎሰሉስ ምኽንያታዊ ዝኾነ ምትዕርራያት ክትገብርሲ ምኸኣልካዶ ? መሊስካ ከተመልክትሲ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ ?
2 ከም እትፈልጦ ከም ፓይነር መጠን ዕዉት ምእንቲ ኽትከውን ጽቡቕ ኣሰራርዓን ብጥንቃቐ እተዳለወ መደብን ኣድለይቲ ኢዮም ። ንምዝንጋዕ ዝኸውን ብዙሕ ግዜኳ እንተዘይብሉ እተን ፓይነር ኣእምሮኡ ዘሐድሰለን ውሑዳት እዋናት ዝያዳ ዘዕግባን በረኸት ዘለወንን እየን ። (ምሳ. 19 : 17 ፣ ግብ. 20 : 35) ኣብቲ ኣገልግሎት ትሑዝ ብምዃን ካብቲ እዛ ዓለም እዚኣ እትኽተሎ ዘላ ነፍስኻ ምፍታውን ቀሊልን ምቾት ዘለዎ ናብራን ዝብል ተጽዕኖ ክትዕቆብ ኢኻ ። ገዛእ ርእስኻ እትውፍይን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ድማ እተቐድምን እንተኾይንካ የሆዋ ብመንፈስ ሃብታም ከም ዝገብረካ ኣተስፍዩ ኣሎ ። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብምሉእ ልብኻ ምስ እትሳተፍ ናይ ብሓቂ ሓጎስን ዕግበትን ከም እተስተማቕር ርግጸኛ ኩን ። — ምሳ. 10 : 22 ፣ ቈሎ. 3 : 23, 24
3 እቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎትሲ ንሒደት ፍሉያት ዝተኸፍተ ፍሉይ መሰል ጌርካ ክርአዶ ኣለዎ ? ኣይኮነን ። ብመሰረት እቲ ህይወትና ንየሆዋ ክንውፊ ዝኣቶናዮ ማሕላ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኩነታት እንተ ዘይገዲድዎ ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣኽቢዱ ክሓስበሉ ኣለዎ ። — ማር. 12 : 30
4 ጥዕናኻን ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነታትካን ሕጂ ከም ፓይነር ኴንካ ከተገልግል ብርግጽ ዘይፈቕዱለካ እንተ ኾይኖም : ነዚ የሆዋ ከም ዝፈልጦን ዝርድኦን ርግጸኛ ኩን ። ኣብቲ ኩነታትካ ዝፈቕዶ እሙን ብምዃን የሆዋ ክባርኸካ ኢዩ ። (1 ቈረ. 4 : 2 ፣ 2 ቈረ. 8 : 12) ይኹን እምበር : ሕጂ ተመሊስካ ፓይነር ክትከውን ምቹእ እንተድኣ ኮይኑ ንምንታይ ነቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ቀሪብካ ከተመልክት ዘይትሓቶ ?
5 ስድራቤትካ ክሕግዙ ይኽእሉዶ ኢዮም ? ንናይ ስድራቤት ሓላፍነት ከተማልእ ምእንቲ ነቲ ደረጃታት ገዲፍካዮ ትኸውን ። ንስኻ ተመሊስካ ናብቲ ናይ ፓይነር ዕዮ ክትኣቱ ምእንቲ ክትክእልሲ ካልኦት ናይ ስድራቤት ኣባላት ሕጂ ሓገዝ ክህቡ ይኽእሉ ድዮም ? ገሊኦም ኣብ ገለ ሓላፍነታት ዘለዎም ሓልዮት : ቍሩብ ሓገዝ ምስ ዝረኽቡ ነቲ ናይ ፓይነር ምዃን መሰል መሊሶም ክረኽብዎ ይኽእሉ ኢዮም ።
6 ብኻልኦት ኣባላት ናይታ ስድራቤት ጽቡቕ ምትሕብባርን ቍሩብ ተወሳኺ ጻዕርን እንተድኣ ኣልዩ ነዚ ክዉን ከም ዝኸውን ክገብሮ ይኽእል ኢዩ ። እቲ ሓገዝ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክወሃብ ይከኣል ኢዩ : ከም ቍጠባዊ ወይ ናይ መጓዓዝያ ሓገዝ ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ብሓንሳእ ክትሰርሕ ኢልካ ስርዓታዊ ዝኾነ ቆጸራታት ምግባር ኢዩ ። ክሕግዝሉ ዝኽእሉ ካልኦት መገድታትውን ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም ። ተመሊስካ ነዚ ፍሉይ – መሰል እዚ ክትሕዞ ኩነታት ዘፍቅደልካ እንተኾይኑ ምናልባት ንኻልእ ኣባል ናይታ ስድራቤት ነዚ ክገብሮ ምእንቲ : ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ክወሃቦ ይኽእል ኢዩ ።
7 ከም ስድራቤት መጠን ስለምንታይ ነዚ ነገር እዚ ዘይትዘራረብሉ ? ነዚ ከም ናይ ስድራቤት ውጥን ምስ እትገብርዎ ሓደ ኣባል ናይታ ስድራቤት ፓይነር ክኸውን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ። ሓደ ካልእ ፓይነር ናብቲ ደረጃታት ክውስኽ ምስ ዝኽእል : እታ ስድራቤት እጃማ ትገብር ከም ዘላ ክስምዓ ቅኑዕ ኢዩ ። እዚ ከምዚ ዝበለ ለጋስ መንፈስ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ምስክርነት ናይታ መንግስቲ ዘስፍሕ ጥራሕ ዘይኮነስ : ነታ ስድራቤት ብመንፈስ ኣዝያ ከም እትቀራረብ ክገብራ ኢዩ ። — ሉቃ. 6 : 38 ፣ ፊል. 2 : 2 – 4