ናይ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 29 ነሓሰ 2005 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ 4 ሓምለ ኽሳዕ 29 ነሓሰ 2005 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ናይ ዝርርብ ነጥቢ
1. ከም ተዛራባይ መጠን ነየናይ ሕቶ ኢኻ መልሲ ንምሃብ ኵሉ ግዜ ቕሩብ ክትከውን ዘሎካ፧ [ht ገጽ 59 ቍ. 7]
2. ናይ ሓባር ባይታ ንምዕቃብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ [ht ገጽ 61 ቍ. 17]
3. ቃላት ምጕላሕ እንታይ የጠቓልል፧ [ht ገጽ 63 ቍ. 3]
4. ድምጺ ምልውዋጥ እንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 64 ቍ. 11]
5. ኣብ ኣቀራርባኻ ውዕዉዕ ስምዒት ኪንጸባረቕ ዘለዎ ብኸመይ እዩ፧ [ht ገጽ 67 ቍ. 2]
ክፍሊ ቝጽሪ 1
6. የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ይነብር ምንባሩ ዜረጋግጽ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧ [w03 15/6 ገጽ 4-7]
7. ‘ኣፍ እቶም ቅኑዓት ዜድሕኖም’ ከምኡውን ቤት እቶም ጻድቃን ‘ዚቐውም’ ብኸመይ እዩ፧ (ምሳ. 12:6, 7) [w03 15/1 ገጽ 30 ሕጡብ ጽሑፍ 1-3]
8. መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ግበር እዚ ኣይትግበር ዚብል ዝርዝር ሕግታት ዝሓዘ እኳ እንተ ዘይኰነ: ‘ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኸነስተውዕል’ እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧ (ኤፌ. 5:17) [w03 1/12 ገጽ 21 ሕጡብ ጽሑፍ 3–ገጽ 22 ሕጡብ ጽሑፍ 3]
9. እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕል እዩ ንድኽነት ወይ ቍጠባዊ ጸገም ክንዋጽኣሉ ዚሕግዘና፧ [w03 1/8 ገጽ 5 ሕጡብ ጽሑፍ 2-5]
10. እቲ የሆዋ ዘርኣዮ ብኸምኡ ናይ ምሃብ ኣብነት ሎሚ ብኸመይ ኪጸልወና ይግብኦ፧ (ማቴ. 10:8) [w03 1/8 ገጽ 20-2]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. እቲ ኣብ መእተዊ እታ ሰሎሞን ዝሃነጻ ቤተ-መቕደስ ዚርከብ ዝነበረ: “ያኪን” ከምኡውን “ቦዓዝ” እተሰምየ ኽልተ ኣዕኑድ እንታይ የመልክት ነበረ፧ (1 ነገ. 7:15-22)
12. ሰሎሞን ንሒራም ንጉስ ጢሮስ ኣብ ገሊላ 20 ኸተማታት ምሃቡ ምስ ሕጊ ሙሴ ዚሰማማዕ ድዩ፧ (1 ነገ. 9:10-13)
13. ካብ ዘይምእዛዝ እቲ “ናይ ኣምላኽ ሰብ” እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (1 ነገ. 13:1-25)
14. ኣሳ ንጉስ ይሁዳ በየናይ መገዲ እዩ ትብዓት ዘርኣየ: ካብዚኸ እንታይ ንመሃር፧ (1 ነገ. 15:11-13)
15. እቲ ኣብ መንጎ ኣከኣብን ናቦትን ዘጋጠመ ነገር: ምስቍርቋር ወይ ምስትምሳል ዜምጽኦ ሳዕቤን ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (1 ነገ. 21:1-16)