ተመላሊስካ ምብጻሕ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሕ
1. ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
1 የሱስ ንሰዓብቱ ኽሰብኩ ጥራይ ዘይኰነስ ‘እናመሃሩ ደቀ መዛሙርቲ ኽገብሩ’ እውን እዩ መዚዝዎም። (ማቴ. 28:19, 20) ሰባኺ ስርሑ ምእዋጅ ክኸውን ከሎ: መምህር ግን መምርሒ ብምሃብ: ብምግላጽ: ከምኡውን መርትዖ ብምቕራብ ዝያዳ እዩ ዝዓምም። ሓደ ኻብቲ ንሰባት እንምህረሉ መገዲ ነቶም ተገዳስነት ዘለዎም ዘበሉ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምሮም ሸቶ ብምውጻእ ተመላሊስና ብምብጻሕ እዩ።
2. ንመን ኢና ተመሊስና ኽንበጽሖም ዘሎና፧
2 ንመን ኢና ተመላሊስና ኽንበጽሖም ዘድሊ፧ ንዅሎም እቶም ጽሑፋትና እተቐበሉ ወይ ነቲ ብስራት ቍሩብ ተገዳስነት ከም ዘለዎም ዘርኣዩ ተመሊስካ ኽትከዶም ይግባእ። ንሓደ ሰብ ካብ ቤቱ ወጻኢ ረኺብካዮ ምስ እትምስክረሉ እሞ እዚ ሰብ ተገዳስነት ምስ ዘርኢ: ነቲ ተገዳስነቱ ንምዅስኳስ ኣድራሻኡ ወይ ቍጽሪ ተሌፎኑ ኽትወስድ ጽዓር። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምጅማር ኣወንታዊ ኹን። ነታ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧” ዘርእስታ ትራክት ምሳኻ ተማላኣያ: ተጠቐመላውን። ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ፍቓደኛ ዝዀኑ ሰባት ካብ ምንዳይ ዓዲ ኣይትውዓል: ከምዚ እንተ ጌርካ ኸኣ ንኽትረኽቦም ዝሰፍሐ ኣጋጣሚ ኣሎካ።—ማቴ. 10:11
3, 4. ዕዉት ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር እንታይ የድሊ፧
3 ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ:- ዕዉት ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ካብቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕካ ኣትሒዝካ ኽትዳሎ የድልየካ። ንፉዓት ወንጌላውያን ብስርዓት እተታሕዘ ጽቡቕ መዝገብ ኣለዎም። ነቲ በዓል ቤት ዘገድሶ ነገር ይምዝግቡ: እዚ ድማ ንዝመጽእ ምይይጦም መሰረት የንብረሎም። ገሊኣቶም ኣብ መወዳእታ ምይይጦም ሕቶ ምሕታቶም: ነቲ በዓል ቤት ንዝቕጽል ምብጻሕ ብሃንቀውታ ኸም ዝጽበዮ ንምግባር ዘኽእል ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ኣብ ሰባት ዘሎና ናይ ሓቂ ተገዳስነት ካብ ቤቶም ምስ ከድና እውን ብዛዕባኦም ከም እንሓስብ ይገብረና: ከይደንጐና ተመሊስና ንኽንበጽሖም እውን ይድርኸና። ዝከኣል እንተ ዀይኑ ተገዳስነቶም ከየጥፍኡ ኸለዉ—ምናልባትውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ—ተመሊስካ ኽትበጽሖም ጽዓር።
4 ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ: ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ምይይጥኩም ጀምር። እንተ ወሓደ ሓደ ሃናጺ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ ከይሃብካዮም ንኸይትምለስ ሸቶ ኣውጽእ: ጽን ኢልካ እውን ስምዓዮም። ነቲ በዓል ቤት ኣጸቢቕካ ፍለጦ። ኣብቲ ብድሕሪኡ እትገብረሉ ምብጻሓት ከኣ ነቲ ዘሻቕሎ ነጥብታት ዝምልከት ካብ ቃል ኣምላኽ ንገሮ።
5. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር እንታይ ቀሊል ኣቀራርባ ኽንጥቀም ንኽእል፧
5 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ንቑሕ ኩን:- መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ሸቶ ብምውጻእ ተመላሊስካ ምብጻሕ ግበር። እዚ ብኸመይ ክግበር ይከኣል፧ ነቲ ውልቀ-ሰብ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ክትነግሮ ኸም ዝደለኻ ድሕሪ ምጥቃስ: ኣብታ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ወይ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ገንጺልካ ይምስጦ እዩ ዝበልካዮ ሕጡብ ጽሑፍ ኣንብበሉ። ድሕሪኡ ነታ ሕቶ ሕተቶ: ካብቲ ኣብኡ ዘሎ እንታይ ከም ዝብል ዘይተገልጸ ጥቕስታት ንሓንቲ ወይ ክልተ ተመያየጡለን። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ: እዚ ዅሉ ሓሙሽተ ወይ ዓሰርተ ደቒቕ ኣብ ዝወስድ ግዜ ኣብ ኣፍደጊኡ ኽግበረሉ ይከኣል እዩ። ስዒባ ዘላ ሕቶ ብምሕታትን ካልእ ግዜ ንኽትመያየጡ ቘጸራ ብምግባርን ደምድም።
6. ኣገዳስነት ናይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ከም እንርድኦ ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧
6 ንዅሉ እቲ ዝረኸብናዮ ተገዳስነት ምዅስኳስ ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣገልግሎትና እዩ። ስለዚ እምበኣር: ኣብ ሰሙናዊ መደብካ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ግዜ መድብ። ከምዚ ምስ እትገብር: ኣብ ኣገልግሎትካ ዝያዳ ኣሳልጦን ናይ ሓቂ ሓጐስን ክትረክብ ኢኻ።