ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ሓግዞም
1. ኣብዚ ግዜና የሆዋ ንመን እዩ ናብኡ ዝእክቦም ዘሎ፧
1 ነፍሲ ወከፍ ሰብ እተፈላለየ ዓይነት ልቢ እዩ ዘለዎ። (ማቴ. 12:35) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓደ ‘ልቡ ውግእ’ ዝዀነ ሰብ ይዛረብ እዩ። (መዝ. 55:21) ገሊኣቶም ከኣ ብባህሪኦም ‘ቍጡዓት’ እዮም። (ምሳ. 29:22) በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ዝደልዩ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ኣለዉ። ኣብዚ ግዜና የሆዋ ነቶም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ይእክቦም ኣሎ። (ሃጌ 2:7) ነዞም ሰባት እዚኣቶም ንየሆዋ ዘምልኹ ንክዀኑ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
2. ደቀ መዛሙርቲ ንኽንገብር እተዋህበና መዝነት ምፍጻም እንታይ የጠቓልል፧
2 ብትግሃት ተመላሊስካ ምብጻሕ ግበር:- ደቀ መዛሙርቲ ንኽንገብር እተዋህበና መዝነት ንምፍጻም: ተመላሊስካ ምብጻሕ ብዛዕባ ምግባር ቅኑዕ ኣረኣእያ ኽህልወና ኣለዎ። (ማቴ. 28:19, 20) ነቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ቀልጢፍና ዲና እንምለሶም፧ ንዅሎም እቶም ጽሑፋት እተቐበሉና ወይ ብዛዕባ እቲ ብስራት ተገዳስነት ከም ዘለዎም ዝገለጹልና ሰባት ተመሊስና ንበጽሖም ዲና፧ ብመንፈስ ንኽዓብዩ ኸይተሓለልና ንጽዕረሎም ዲና፧ እዚ ንህይወት ሰባት ዝትንክፍ ብምዃኑ: ንዝረኸብናዮ ዘበለ ተገዳስነት ክንኵስኵሶ ኣሎና።
3. ምስ ሓደ ሰብ ኣብ ኣገልግሎት ድሕሪ ምዝርራብ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
3 ምስ ሓደ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ዝገበርካዮ ምይይጥ ከይረሳዕካዮ ኸለኻ: ሓንሳእ ደው ኢልካ ስሙን ኣድራሻኡን ክትጽሕፎ ኣሎካ። ነቲ እተመያየጥኩምሉ ጕዳይ: ዘንበብካሉ ጥቕሲ: ከምኡውን ዘበርከትካሉ ጽሑፍ መዝግቦ። ድሕሪኡ: ቀልጢፍካ ተመሊስካ ንኽትብጽሖ ቈራጽነት ግበር።
4. ተመላሊስካ ምብጻሕ ፍረ ዘለዎ ኽንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
4 ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሉ መገዲ:- ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ: ፍሽሑውን ምቕሉልን ምስ እትኸውን: ነቲ ብዓል ቤት ድማ ልባዊ ተገዳስነት ምስ እተርእዮ ሓጋዚ እዩ። እቲ ምይይጥኩም ዘይተሓላለኸን ቅዱስ ጽሑፋውን ይኹን። ንምይይጥ ዝኸውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ነጥቢ ኣዳሉ: ኣብ መወዳእታ ኻብቲ ሰብ ክትፍለ ኸለኻ ኸኣ ኣብ እትቕጽል ምብጻሕ እትምልሰሉ ሕቶ ኣበግስ። ኣብቲ እቲ ብዓል ቤት ዘበግሶ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ: ወገን ወጊንካ ሓሳባት እንተ ዘይሃብካ ይሓይሽ። የግዳስ: ኣብቲ ንኽልቴኹም ዘሰማምዓኩም ነጥብታት ኣተኵር።—ቈሎ. 4:6
5. ሓደ ፓይነር እንታይ ጻዕሪ እዩ ዝገበረ: እንታይ ፍረኸ ረኸበ፧
5 ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር ጻዕሪ ዝሓትት እኳ እንተዀነ: ፍረ ዘለዎን ዘዕግብን እዩ። ኣብ ጃፓን ዝነብር ሓደ ፓይነር ኣብ ወወርሒ ዝያዳ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንኽገብር ሸቶ ኣውጽአ። ንዅሎም እቶም ካብ ቤት ናብ ቤት ክኸይድ ከሎ ዝረኸቦም ሰባት ክምዝግቦምን ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልቲ ተመሊሱ ኽበጽሖምን ጀመረ። ነቲ ዝብሎ ነገራት ጽቡቕ ገይሩ ይዳለወሉ: መልእኽቱ ኸብጽሕ ከሎ ድማ ኣገልግሎቱ ብምሉእ ምትእምማን ይፍጽም ነበረ። ንሓደ ሰብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክገብረሉ ኸሎ “ንዓኻትኩም ወትሩ ኣይሰምዓኩምን እየ ነይረ። ንመጀመርታ ግዜ እየ ንዓኻ ኽሰምዓካ ፍቓደኛ ዝዀንኩ” በሎ: ነዚ ሰብ እዚ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከጀምሮ ኸኣለ። እዚ ፓይነር እዚ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኸይተሓለለ ዝገበሮ ጻዕሪ ፍረ ኣፍርዩሉ እዩ። ኣብ መወዳእታ እታ ወርሒ ዓሰርተ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝመርሕ ጸብጻብ ሃበ።
6. ከይተሓለልና ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
6 ኵነታት ሰባት ሓላፊ ወይ ተቐያያሪ እዩ። (1 ቈረ. 7:31) መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ኣብ ቤቱ ንኽትረኽቦ ብተደጋጋሚ ኽትመላለስ የድልየካ ይኸውን። ተጊህና ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር: ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት በታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትወስድ መገዲ ንኽጐዓዙ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።—ማቴ. 7:13, 14