ዝያዳ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይድለዩ ኣለዉ
1 የሆዋ ኣምላኽ ንምድራዊት ማሕበሩ ዘየቋርጽ ዕቤት ከም እትረክብ ገይሩ ይባርኻ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት: ኣብ ብዘላ ዓለም 375,923—ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብገምጋም 1,000 ወይ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ዳርጋ 43 ዝዀኑ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ—ተጠሚቖም ኢዮም! እቶም ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ዝነብሩ ኣሕዋትና ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል መከራታት የሕልፉ እኳ እንተለዉ: ዕዮ እታ መንግስቲ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ: ሓለፍ ዝበለ ዕቤት ድማ ይርከብ ኣሎ። ኣብ ምስፋሕ እቲ ብስራት ዝርከብ ዘሎ ምዕባለ ምፍላጥ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዘሐጕስ ኢዩ!
2 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት: ንሕናውን ኣብ ጨንፈርና ኣብቲ ገምጋም ቍጽሪ ኣስፋሕትን ሓገዝቲ ፓይነራትን ወሰኽ ርኢና ኢና። ኣብ ዝኽሪ በዓል ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝለዓለ ቍጽሪ ተኣከብቲ ነይሩ ኢዩ። ብዛዕባ ናይ ተመላሊስካ ምብጻሕን ናይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስን ንጥፈትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ኣብቲ ዝገበርናዮ ድምር ቍጽሪ ተመላሊስካ ምብጻሕ ቀኒስና ኢና: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ 17 ካብ ሚእቲ ጐዲሉ ኢዩ። ገና ግን: እዚ መዳያት ኣገልግሎት እዚ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኣድላዪ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ካባና ነዚ ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕን እተራእየ ምንቍልቋል ንምቕያሩ እንታይ ክገብር ይኽእል፧
3 ነቲ ጽንዓት ናይ ምምራሕ ባህጊ ምሕያሉ:- ገዛእ ርእስና ብመንፈስ ሓያላትን ንጡፋትን ኣብ ምዃን ከነተኩር ከድልየና ኢዩ። ሓቀኛ ሰዓብቲ ክርስቶስ ‘ንሰናይ ግብሪ ዝቐንኡ’ ኢዮም። (ቲቶ. 2:14) ብዛዕባ ኣገልግሎትና ክንሓስብ ከለና: ነቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝብርከት ኵሉ ጽሑፋት ምሉእ ብምሉእ ንምስዓብ ኣዚና ንብህግ ኢና ክንብልዶ ንኽእል፧ ንዅሎም እቶም ተገዳስነት ዘርእዩ ሰባት ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ንምዕዳም ምዉቕ ስምዒትዶ ኣሎና ኢዩ፧ (ሮሜ 12:11) ወይውን ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባርን ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማርን ዓቢ ባህጊ ከነማዕብል የድልየናዶ ኢዩ፧
4 ናይ ብሕቲ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር: ኣብ ኣኼባ ስርዓታዊ ዄንካ ምክፋል: ከምኡውን ጽሑፋት ምጽናዕ ብመንፈስ ህያዋን ኴንና ክንቅጽልን መንፈስ ቅዱስ ከም እንረክብን ይገብረና ኢዩ። (ኤፌ. 3:16 -19) እዚ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነትን ትውክልትን ነቲ ኣብ ብጻይና ዘሎና ፍቕርን ከሐይለልና ኢዩ። ንኻልእ ሰብ ሓቂ ንምምሃር ክንለዓዓል ኢና: ብእኡ ኣቢልና ድማ ንኣገልግሎትና ደስ ዘብልን ዕዉትን ዘነቓቕሕን ክንገብሮ ኢና። እወ: ዝያዳ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንደሊ ይግብኣና ኢዩ!
5 መጀመርታ ምስ ስድራቤት ኣጽንዕ:- እቶም ኣብ ገዛ ዝነብሩ ውሉዳት ዘለውዎም ክርስትያን ወለዲ ኣብቲ ናይ ስድራቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታዊ መደቦም ክግደሱ ኣለዎም። (ዘዳ. 31:12፣ መዝ. 148:12, 13፣ ምሳ. 22:6) ደቆም ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ንምዃን ብቑዓት ክዀኑ ከምኡውን ህይወቶም ንኽውፍዩን ንኽጥመቑን ምእንቲ ከዳልውዎም: ወለዲ በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ድሕርዚ ድማ ብመጽሓፍ ፍልጠት ገይሮም ምስኣቶም ኰይኖም ጽንዓት ክገብሩ ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ ዝኸውን። ርግጽ ኢዩ: ኣብቲ ናይቲ ቘልዓ ድሌትን ዕድመን ብምምርኳስ: ተወሳኺ ጽሑፍ ክጽናዕ ይኽእል ኢዩ። እቲ ምስ ሓደ ዘይተጠምቀ ቈልዓ ጽንዓት ዝገብር ወላዲ: ከምቲ ኣብ ናይ ሚያዝያ 1987 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ዘሎ ሕቶ ሳጹን እተገልጸ: ጽንዓትን ሰዓትን ተመላሊስካ ምብጻሕን ክቘጽር ይኽእል ኢዩ።
6 ብሕታዊ ምምሕዳር ኣማዕብል:- ንቝጽሪ ናይቲ እተዓደለ መጽሔታትን ብሮሹራትን መጻሕፍትን ብምሕሳብ: ብዙሕ ዘርኢ ከም እተዘርአ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እዚ እተዘርአ ዘርኢ ሓቂ እዚ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ንምፍራይ ሓለፍ ዝበለ ተኽእሎ ዘለዎ ኢዩ። ይኹን እምበር ሓደ ሓረስታይ ወይ ሓደ ሓላው ኣታኽልቲ ብዘይ ምቍራጽ ምስ ዝዘርእ እሞ ድሕሪ እዚ ዅሉ ጻዕርታቱ ድማ ግዜ መዲቡ እንተድኣ ዘይዓጺዱ ብሓቂዶ ይዓግብ ኢዩ፧ ፈጺሙ ኣይዓግብን ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ንእተረኽበ ተገዳስነት ናይ ምክትታል ኣገልግሎት ኣድላዪ ኢዩ።
7 ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ስርዓታዊ ዄንካዶ ትምድብ ኢኻ፧ ናብቲ እተረኽበ ተገዳስነት ኵሉ ብቕልጡፍ ተመለስ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ዝብል ሸቶ ሒዝካ ተመላሊስካ ምብጻሕ ግበር። ዝገበርካዮም ተመላሊስካ ምብጻሕ እትምዝግበሉ ጽፉፍን እዋናውን ብጽቡቕ እተመሓደረን መዝገብ ኣሎካዶ፧ ምስቲ ስምን ኣድራሻን ናይቲ በዓል ቤት ሓዊስካ: መጀመርታ ምብጻሕ ዝገበርካላ መዓልቲ: እተዓደለ ዝዀነ ይኹን ጽሑፍ: ብዛዕባ እንታይ ምይይጥ ከም እተገብረ ዝሕብር ሓጺር መግለጺ: ከምኡውን ኣብቲ ዝቕጽል ምብጻሕ ክዝረበሉ ዝኽእል ነጥቢ መዝግብ። ነፍሲ ወከፍ ተመላሊስካ ምብጻሕ ድሕሪ ምግባር ተወሳኺ ሓበሬታ ንምጽሓፍ ኣብቲ መዝገብካ ቦታ ሕደገሉ።
8 ተመላሊስካ ምብጻሕ ብኸመይ ከም እትገብር ሕሰብ:- ንሓደ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክግበረሉ ኸሎ: ኣብ ኣእምሮ ክተሓዙ ዘለዎም ገለ ነጥብታት እንታይ ኢዮም፧ (1) ምቕሉልን ምሕዝነታውን ምዉቕ ስምዒት ዘሎካን ፍሕሽውን ኩን። (2) ነቲ ንዕኡ ዘገድሶ ኣርእስትታት ወይ ድማ ሕቶታት ተመያየጠሉ። (3) ነቲ ምይይጥ ቀሊልን ቅዱስ ጽሑፋውን ግበሮ። (4) እቲ በዓል ቤት ብብሕቱ ይጥቀም ከም ዘሎ ንኽግንዘብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምብጻሕ ገለ ነገር ንኽትምህሮ ጽዓር። (5) ነቲ ኣብ ዝቕጽል ምብጻሕ እትመያየጥሉ ኣርእስቲ ሃንቀውታ ከም ዘሕድረሉ ግበር። (6) ነዊሕ ግዜ ኣይትጽናሕ። (7) ነቲ በዓል ቤት ዘዋጥሮ ወይ ድማ ዘሸግሮ ሕቶታት ኣይትሕተት። (8) መንፈሳዊ ሞሳ ቅድሚ ምምዕባሉ: ናይቲ በዓል ቤት ጌጋ ዝዀነ ኣረኣእያ ወይ ድማ ሕማቕ ልማዳት ምእንቲ ከይትዅንን ምስትውዓል ተጠቐም።—ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባርን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማርን ዕዉት ምዃን ብኸመይ ከም ዝከኣል ተወሳኺ ሓገዝ ንምርካብ ናይ መጋቢት 1997 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ርአ።
9 ንነፍሲ ወከፍ ተኽእሎ መርምሮ:- ኣብ ሓንቲ ጉባኤ: ኣስማትን ቍጽሪ ገዛን ናይቶም ኣብ ሓደ ልዑል ሓለዋ ዝግበረሉ መንበሪ ህንጻ ዝነብሩ ኵሎም ተኻረይቲ ምርካብ ተኻኢሉ ነበረ። ንነፍሲ ወከፍ ተቐማጢ ብሕታዊ ደብዳበ ተጻሕፈ: ምስኡ ድማ ክልተ ትራክት ተላእከሉ። ኣብ መወዳእታ እቲ ደብዳበ: ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ዝዕድም ዕድመ ተጻሕፈሉ: እቲ ተቐባሊ ደብዳበ ምእንቲ ክድውል ድማ ናይቶም ኣሕዋት ቍጽሪ ተሌፎን ተወሰኸሉ። ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት: ሓደ ጐበዝ ጽንዓት ክግበረሉ ንምሕታት ተሌፎን ደወለ። ንጽባሒቱ ተመላሊስካ ምብጻሕ ተገብረ: ብመጽሓፍ ፍልጠት ድማ ጽንዓት ተጀመረ። ኣብታ ምሸት እቲኣ ኣብ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ተኻፈለ: ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ምክፋል ድማ ቀጸለ። ዳርጋ ብኡንብኡ: መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ-መዓልቲ ከንብብ ጀመረ: ናብ ጥምቀት ዘብጽሕ ዘየቋርጽ ዕቤት ድማ ገበረ።
10 ኣብ ሓንቲ ጕጅለ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ብሓንሳእ ኰይኖም ገለ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክገብሩ መደቡ። ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ሓደ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምስ ከደት: እቲ እትደልዮ ዝነበረት ሰብ ኣብቲ ገዛ ኣይነበረን: እንተዀነ ግን ሓንቲ ካልእ ጐርዞ: “ክጽበየኩም ኢየ ጸኒሐ” ብምባል ነቲ ማዕጾ ከፈተቶ። እታ በዓልቲ ቤት ካብ ሓደ እትፈልጦ ሰብ ቅድም ኢላ መጽሓፍ ፍልጠት ተቐቢላ ነበረት። እተን ኣሓት ኣብ ገዝኣ ክበጽሓ ከለዋ: ነታ መጽሓፍ ክልተ ግዜ ኣንቢባታ ነበረት: በቲ ትሕዝቶኣ ድማ ኣዝያ ተመሲጣ ነበረት። መሰኻኽር ናብኣ ብምምጻእ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽምህርዋ ትጽሊ ስለ ዝነበረት ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ክበጽሓኣ ምርኣያ ከም ዘይገረማ ተዛረበት። ጽንዓት ድማ ተጀመረ: ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምክፋል ጀመረት: ቅልጡፍ ምዕባለ ድማ ገበረት።
11 ሓንቲ ዳርጋ ቅድሚ 25 ዓመት ኣቢላ እተጠመቐት ሓብቲ: ኣብዚ ቐረባ እዋን ነዲኣ መጽሓፍ ፍልጠት ሃበታ። እታ ኣባል ቤተ-ክርስትያን ዝነበረት ኣዲኣ ነታ መጽሓፍ ከተንብባ ጀመረት። ክልተ ምዕራፍ ኣንቢባ ምስ ወድአት: ንጓላ ጸውዓታ: ካብቲ ንጓላ ዝገረማ ነገር ድማ “ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክኸውን እደሊ ኢየ!” በለታ። እታ ኣደ ጽንዓት ጀመረት: ሕጂ ጥምቕቲ ኢያ።
12 ነዚ ዝስዕብ ሓሳባት ፈትኖ:- ጽንዓታት ንምጅማር ቀጥታዊ ኣቀራርባ ተጠቒምካዶ ትፈልጥ፧ ብቐሊሉ ከምዚ ብምባል ክትገልጽ ትኽእል ኢኻ:- “ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ክግበረልካ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ: ብኸመይ ከም ዝግበር ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ከርእየካ እኽእል ኢየ። እንተድኣ ተሓጒስካሉ ድማ: ክትቅጽሎ ትኽእል ኢኻ።” ብዙሓት ሰባት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዕድመ ክቕበሉ ኣየዕጠጥዩን ኢዮም: ነቲ ናይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ መርኣያ ድማ ብፍታው የቐልብሉ ኢዮም።
13 ኣብ ኣጋ መጀመርታ እቲ ጽንዓት: እቲ ተማሃራይ ነቲ ሓሳባቱ ዘይተጠቕሰ ጥቕስታት ብምንባብን ነቲ ተጻሒፉ ዘሎ ሕቶታት መልሲ ዝኸውን ቀንዲ ቓላት ብምስማርን ኣቐዲሙ ብኸመይ ከም ዝዳሎ ኣርእዮ። ኣብቲ ቐንዲ ነጥብታት ጥራይ ኣድህብ። ኣብተን ጽንዓት እንገብረለን ቀዳሞት ሒደት እዋናት ተዓጻጸፍቲ ክንከውን ዘድልየና እኳ ክኸውን ይኽእል እንተዀነ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታዊ ኴንካ ክግበር ኣድላዪ ኢዩ። ነቲ ተማሃራይ: ጸሎት ከም ኣገዳሲ ክፍሊ ናይቲ ጽንዓት መጠን ብኸመይ ከም እተርእዮን ንዘጋጥሞ ምጽራር ቅዱስ ጽሑፋዊ ብዝዀነ መገዲ ብኸመይ ከም እተዳልዎን ኣይትረስዕ። ነቲ ጽንዓት ህያው ንኽትገብሮ ጽዓር!
14 ርግጽ ኢዩ: ኵሉ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኰነን ብሓደ ዓይነት ደረጃ ዝዓቢ። ገሊኦም ከምቲ ናይ ካልኦት መንፈሳዊ ዝንባለ የብሎምን: ነቲ ዝማሃርዎ ዘለዉ ነገራት ንኽርድእዎ እውን ከምቶም ካልኦት ቅልጡፋት ኣይኰኑን። ካልኦት እውን ናብርኦም ኣዝዩ ትሑዝ ስለ ዝዀነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሓንቲ ምልእቲ ምዕራፍ ንምሽፋን ዘድሊ ግዜ ንምውፋይ ዘይክእሉ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ ድማ: ኣብ ሓድሓደ ኵነታት ንእተወሰነ ምዕራፋት ንምሽፋን ልዕሊ ሓደ ግዜ ጽንዓት ምግባርን ነታ መጽሓፍ ንምውዳእ ገለ ተወሳኺ ኣዋርሕ ምውሳድን ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት: መጀመርታ በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ገይርና ጽንዓት ክንገብር: ድሕርዚ ብመጽሓፍ ፍልጠት ገይርና ክንቅጽል ንኽእል ኢና። እዚ ምስ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምክፋል ተሓዊሱ ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ኣብ ሓቂ ጽኑዕ መሰረት ምእንቲ ክረክብ ዝሕግዞ ኢዩ።
15 ልዕሊ ዅሉ ድማ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ጸሊ! (1 ዮሃ. 3:22) ሓደ ክርስትያን ንኻልእ ሰብ ናይ የሱስ ክርስቶስ ወደ መዝሙር ንኽኸውን ክሕግዞ የሆዋ ክጥቀመሉሲ ሓደ ካብቲ ዝበለጸ ዓስቢ ዘለዎ ተመክሮታት ኢዩ። (ግብ. 20:35፣ 1 ቈረ. 3:6-9፣ 1 ተሰ. 2:8) እቲ ዝያዳ ጽንዓታት ንምጅማር እንገብሮ ጻዕርታትና ብዙሕ በረኸታት የሆዋ ከም ዝረክብ ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን: ኣብቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምግባር ዕዮ ብዙሕ ቅንኢ እነርእየሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ!
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን]
ሓድሽ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ትጽሊዶ ኣሎኻ፧