ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 15/2 ገጽ 3-5
  • ንደቅኻ፡ ኣኽበርቲ ሰብ ኪዀኑ ምሃሮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንደቅኻ፡ ኣኽበርቲ ሰብ ኪዀኑ ምሃሮም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጽቡቕ ጠባይ ብኣብነት ይመሃሩ
  • ብኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ምሃሮም
  • ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ጠባይ ነርኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ወለዲ—ንደቅኹም ጽቡቕ ኣብነት ኵንዎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ጽቡቕ ጠባይ—ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ዝልለይሉ ባህሪ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ክሳዕ መወዳእታ ተጻወረ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 15/2 ገጽ 3-5

ንደቅኻ፡ ኣኽበርቲ ሰብ ኪዀኑ ምሃሮም

“ንባርኔጣኡ ዚሕዛ ብኢዱ፡ ይዞራ ንምልእቲ ዓዱ” ዚብል ምስላ ጀርመናውያን ኣሎ። ኣብ ብዙሓት ባህልታት፡ ሓደ ሰብ ናብ እንዳ ኻልእ ኪኣቱ ኸሎ፡ ወይ ምስ ካልእ ሰላምታ ኺለዋወጥ ከሎ፡ ባርኔጣኡ ምውጻኡ፡ ከም ምልክት ትሕትና ጌርካ ስለ ዚርአ፡ ይኽበር እዩ። ስለዚ፡ እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ምስላ፡ ሰባት ነቶም ጽቡቕ ጠባይ ዘለዎም ከም ዚልውሁሎምን ከም ዜኽብርዎምን እትሕብር እያ።

መንእሰያት እዱባት ኪዀኑ ኸለዉስ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! ኣብ እተፈላለየ ኽሊ ዕድመ ምስ ዚርከቡ ኣስፋሕቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዜገልግል ኣብ ሆንዱራስ ዚነብር ሓደ ሓላው ወረዳ፡ “ብዚግባእ ዝሰልጠነን ንሰብ ዜኽብርን ቈልዓ፡ ካብቲ ኣነ ዝዛረቦ ቓላት ንላዕሊ ኣብቲ ብዓል ቤት ጽልዋ ይገብር እዩ” በለ።

ኣብዚ ኣኽብሮት እናጠፍአ ዚኸደሉ ዘሎ እዋን እዚ፡ ንኻልኦት ብኸመይ ከም እትሕዞም ምፍላጥ ጠቓሚ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ንብረትኩም [ማለት፡ ኣነባብራኹም] ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ጥራይ ይኹን” ኢሉ ይምዕደና። (ፊል. 1:27, 28፣ 2 ጢሞ. 3:1-6) እምበኣር፡ ንደቅና፡ ኣኽበርቲ ሰብ ንኪዀኑ ምምሃር ኣገዳሲ እዩ። ደጋዊ ትሕትና ጥራይ ኣብ ክንዲ ዜርእዩ፡ ካብ ልቦም ኣኽበርቲ ሰብ ንኪዀኑ ብኸመይ ክንምህሮም ንኽእል፧a

ጽቡቕ ጠባይ ብኣብነት ይመሃሩ

ቈልዑ ንእተዓዘብዎ ተግባር ይቐድሑ እዮም። ስለዚ፡ ወለዲ ንደቆም ጽቡቕ ጠባይ ኪምህሩ ዚኽእሉሉ ቐንዲ መገዲ፡ ንሳቶም ንባዕሎም ጽቡቕ ዝጠባዮም ብምዃን እዩ። (ዘዳ. 6:6, 7) ንደቅኻ፡ ስለምንታይ እዱባት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ክትገልጸሎም ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ጥራይ ግን ኣኻሊ ኣይኰነን። ጐድኒ ጐድኒ እቲ እትህቦም ምኽሪ፡ ጽቡቕ ኣብነት ክትኰኖም ኣሎካ።

ብንጽል ክርስትያን ወላዲ ዝዓበየት ፓውላb እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ፓውላ ኣኽባሪት ሰብ እያ። ስለምንታይ፧ ባዕላ ኸምዚ ኢላ ትገልጽ፦ “ኣዴና ኣብነት ስለ ዝዀነትና፡ ንሕና ቘልዑ ንኻልኦት ምኽባር ብቐሊሉ ኽንለምዶ ኸኣልና።” ዋልተር ዝስሙ ክርስትያን፡ ደቁ ንዘይኣማኒት ኣዲኦም ኬኽብሩ መሃሮም። ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ጻዕሪ ኺገልጽ ከሎ፡ “ደቀይ ንኣዲኦም ምእንቲ ኬኽብርዋ፡ ኣነ ኣብነት ክዀኖም ስለ ዝደለኹ፡ ንሰበይተይ ኣቈናጺበያ ኣይፈልጥን እየ” በለ። ንደቁ ቓል ኣምላኽ እናመሃረ ኣዕበዮም፣ ካብ የሆዋ ሓገዝ ኪረክብ እውን ይጽሊ ነበረ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሓደ ኻባታቶም ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪዓዪ ኸሎ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ፈላሚ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። እዞም ውሉዳት እዚኣቶም ንወለዶም የፍቅርዎምን የኽብርዎምን እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን” ይብል። (1 ቈረ. 14:33) ኵሉ እቲ የሆዋ ዚገብሮ ነገራት ስርዓት ኣለዎ። ክርስትያናት ንኣምላኽ ኪመስልዎ ጻዕሪ ኺገብሩን ቤቶም ብጽፈት ኪሕዙን ኣለዎም። ገሊኦም ወለዲ ንደቆም፡ ክዳውንቶም ኣብ በቦታኡ ኬቐምጡን ኣብ ዕዮ ገዛ ኺሕግዙን ናብ ቤት ትምህርቲ ቕድሚ ምኻዶም ዓራቶም ኬንጽፉን ኣሰልጢኖምዎም እዮም። ውሉዳት ኣብ ሓንቲ ብስርዓት እተታሕዘትን ጽርይትን ቤት ዚነብሩ እንተ ዀይኖም፡ ንሳቶም እውን ብግዲኦም ንኽፍሎምን ንንብረቶምን ብጽፈት ኪሕዙ ይድረኹ እዮም።

ደቅኹም ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚመሃርዎ ትምህርቲ ብኸመይ ይርእይዎ፧ ነቲ መምህራኖም ዚገብሩሎም ዘለዉ ነገራት የመስግኑሉ ድዮም፧ ኣቱም ወለዲ ዘበልኩምከ፡ ነዚ ተመስግኑሉ ዲኹም፧ ደቅኹም ብዛዕባ ትምህርቶምን መምህራኖምን ከም ናታትኩም ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ዚህልዎም። ንመምህራኖም ናይ ምምስጋን ልማድ ንኼጥርዩ ንምንታይ ዘይተተባብዕዎም፧ ካብ መምህር ኰነ፡ ካብ ሓኪም ኰነ፡ ካብ ብዓል ድኳን ኰነ፡ ወይ ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንእተዋህበካ ኣገልግሎት ምስጋና ምግላጽ፡ ሓደ ኻብቲ ኣኽብሮት እተርእየሉ ብሉጽ መገዲ እዩ። (ሉቃ. 17:15, 16) ብትሕትናኦምን ብጽቡቕ ጠባዮምን ካብ መማህርቶም ፍልይ ዝበሉ ደቂ ክርስትያናት፡ ኪነኣዱ ይግብኦም እዩ።

ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብጽቡቕ ጠባይ ብምምልላስ፡ ሰናይ ኣብነት ኪዀኑ ኣለዎም። ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ውሉዳትና፡ ከም “በጃኻ”ን “የቐንየለይ”ን ዝኣመሰለ ቓላት ብምጥቃም፡ ብትሕትና ኺዛረቡ ኸለዉ ምስማዕ፡ ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ። ዓበይቲ ነቲ ኣብ ኣኼባታት ዚወሃብ መምርሒታት ብኣቓልቦ ብምስማዕ ኣኽብሮት ኬርእዩ ኸለዉ፡ ንኣሽቱ ንኺመስልዎም ይተባብዑ እዮም። ውሉዳት ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ጠባይ ዚርእዩ እንተ ዀይኖም፡ ብኸመይ ንሰብ ከም ዜኽብሩ ኺመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ኣንድርው ዝስሙ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ቈልዓ፡ ኣብዚ ዕድሚኡ እዚ፡ ንዓበይቲ ኼሕልፍዎ ኺሓትት ከሎ፡ “ከሸግረኩምዶ፧” ኢሉ ምዝራብ ተማሂሩ ኣሎ።

ወለዲ ንውሉዳቶም ጽቡቕ ጠባይ ንምምሃር፡ እንታይ ተወሳኺ ነገራት ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ግዜ ወሲዶም፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ካብ ዚርከቡ ሓያሎ ኣብነታት ዚርከብ ትምህርቲ ኺምህርዎም ኣለዎም።—ሮሜ 15:4።

ብኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ምሃሮም

ኣደ ሳሙኤል ንወዳ፡ ንኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ኢድ ኪነስኣሉ ኸም ዚግብኦ ኣዳልያቶ ኽትከውን ኣለዋ። ናብቲ ማሕደር ክትወስዶ ኸላ፡ ወዲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓመት ጥራይ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። (1 ሳሙ. 1:28) ንስኻኸ ንውሉድካ፡ “ከመይ ሓዲርካ፧” “ከመይ ውዒልካ፧” “ከመይ ኣምሲኻ፧” ምባል፡ ወይ ዝዀነ ይኹን ኣብ ባህልኻ ልሙድ ዝዀነ ኻልእ ሰላምታታት ከተልምዶ ትኽእልዶ፧ ደቅኻ ኸም ሳሙኤል ‘ኣብ የሆዋን ኣብ ሰብን ፍቱዋት’ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—1 ሳሙ. 2:26።

ኣብ መንጎ ኣኽብሮትን ንዕቀትን ዘሎ ፍልልይ ንምጕላሕ ንምንታይ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይትጥቀም፧ ንኣብነት፡ እቲ ዘይእሙን ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ኣሓዝያ ንነብዪ ኤልያስ ኪረኽቦ ምስ ደለየ፡ ንኼምጽኡሉ ኢሉ፡ ‘ሓለቓ ሓምሳ፡ ምስ ሓምሳ ሰቡ’ ለኣኸ። እቲ ሓለቓ ሓምሳ ነቲ ነብዪ፡ ስነ-ስርዓት ብዝጐደሎ መገዲ፡ ምስኡ ኪኸይድ ተዛረቦ። ንሓደ ንኣምላኽ ወኪሉ ዚዛረብ ሰብ በዚ ኸምዚ መገዲ ምዝራብ ጌጋ እዩ ነይሩ። እሞኸ ኤልያስ እንታይ ኢሉ መለሰሉ፧ “ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፡ ንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከኣ ይብላዕኩም” በሎ። ከምኡ እውን ኰነ። “ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን በልዖም።”—2 ነገ. 1:9, 10።

ድሕርዚ፡ ንኤልያስ ንኼምጽኦ ተባሂሉ፡ ካልእ ሓለቓ 50 ተላእከ። ንሱ እውን ንኤልያስ፡ ምስኡ ንኪኸይድ ኪእዝዞ ፈተነ። ከም ብሓድሽ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ፡ ንዕኡን ንሰቡን በልዖም። ድሕርዚ፡ ሳልሳይ ሓለቓ 50 ናብ ኤልያስ ተላእከ። እዚ ሰብኣይ እዚ ግን ንኤልያስ ኣኽብሮት ኣርኣዮ። ኪእዝዞ ኣብ ክንዲ ዚፍትን፡ ኣብ ቅድሚኡ ብብርኩ ተንበርኪኹ፡ “ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ በጃኻ፡ ነፍሰይን ነፍሳት እዞም ሓምሳ ገላውኻን ኣብ ቅድሜኻ ኽቡራት ይኹና። እንሆ፡ ነቶም ቀዳሞት ክልተ ሓላቑ ሓምሳስ መምስ ሓምሳኦም ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ በልዖም። ሕጂ ኸኣ ነፍሰይ ኣብ ቅድሜኻ ኽብርቲ ትኹን” ኢሉ ለመኖ። እሞኸ እቲ ነብዪ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ፍርሂ ተላዒሉ ብኣኽብሮት ዚዛረብ ሰብ ሓዊ ኸም ዚወርድ ገይሩዶ፧ እዚ ኸቶ ዘይሕሰብ እዩ! ኣብ ክንዳኡስ፡ መልኣኽ ኣምላኽ ንኤልያስ፡ ምስቲ ሓለቓ 50 ኪኸይድ ነገሮ። (2 ነገ. 1:11-15) እዝስ፡ ንሰብ ኣኽብሮት ምርኣይ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዜጕልሕ ደይኰነን፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቤተ መቕደስ ብወተሃደራት ሮሜ ምስ ተታሕዘ፡ ንኺዛረብ መሰሉ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኣይኰነን ተዛሪቡ። የግዳስ፡ ነቲ ሓለቓ ብኣኽብሮት፡ “ክዛረበካዶ ትፈቕደለይ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። እዚ ድማ፡ ንርእሱ ንኺመጻረየላ ኣጋጣሚ ኸፈተሉ።—ግብ. 21:37-40።

የሱስ ኣብ ፍርዲ ቐሪቡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሓደ ሰብ ምስ ጸፍዖ፡ “ክፉእ እንተ ተዛሪበ፡ ክፉእ ምዃኑ መስክር፡ ጽቡቕ ተዛሪበ እንተ ዀይነ ግና፡ ስለምንታይ ትወቕዓኒ አሎኻ፧” ኢሉ ብምምላስ፡ ተቓውሞኡ ብግቡእ ገለጸ። እዚ የሱስ እተዛረቦ ቓላት፡ ዋላ ሓንቲ ጌጋ የብሉን።—ዮሃ. 18:22, 23።

ቃል ኣምላኽ፡ ብርቱዕ መአረምታ ኺወሃበና ኸሎ ብኸመይ ምላሽ ክንህብ ከም ዘሎናን ሕሉፍ ጌጋና ወይ ሸለልትነትና ብኸመይ ክንእመን ከም ዘሎናን ኣብነታት ይህብ እዩ። (ዘፍ. 41:9-13፣ ግብ. 8:20-24) ንኣብነት፡ ኣቢጋይል ነቲ ናባል ሰብኣያ ንዳዊት ዝገበሮ ኽፉእ ተግባር ይቕረታ ሓተተት። ነቲ ይቕረታኣ ኸኣ፡ ብብዙሕ ህያባት ኣሰነየቶ። ዳዊት በቲ ኣቢጋይል ዝገበረቶ ነገር ልቡ ስለ እተተንከፈ፡ ድሕሪ ሞት ናባል፡ ንኣቢጋይል ሰበይቱ ኽትከውን ሓረያ።—1 ሳሙ. 25:23-41።

ንደቅኻ፡ ኣኽበርቲ ሰብ ኪዀኑ ምሃሮም። ኣብ ትሕቲ ፈታኒ ዅነታት ብኸመይ ኣኽብሮት ከም ዜርእዩ፡ ወይ ኣብ ካልእ እዋናት ብኸመይ ብጽቡቕ ጠባይ ከም ዚመላለሱ ምሃሮም። በዚ ኸምዚ፡ ‘ብርሃንና ኣብ ቅድሚ ሰብ እንተ በሪሁ፡ ሰባት ነቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦና ኼመስግንዎ እዮም።’—ማቴ. 5:16።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ወለዲ ንደቆም፡ ኣብ መንጎ ንዓበይቲ ምኽባርን ኪጐድኦም ንዚደሊ ሰብ ምእዛዝን ዘሎ ፍልልይ ንኺርድኦም ኪምህርዎም ይግባእ። ኣብታ ናይ ጥቅምቲ 2007 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 3-11 ርአ።

b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ